ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 9ይ ክፋል:- ተመሃሮ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንኺህቡ ምልምማድ
1 እንድርያስን ፊልጶስን የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ: ነዚ ዜሐጕስ ብስራት እዚ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ድሕር ኣይበሉን። (ዮሃ. 1:40-45) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ እተማህርዎ ነገራት እምነት ምስ ዜሕድሩ: ብዛዕባኡ ኺዛረቡ ይድረኹ እዮም። (2 ቈረ. 4:13) ተመሃሮና ኣስላጢ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኪህቡ ኸነተባብዖምን ክንሕግዞምን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርትታት ምስ ካልኦት ይዘራረበሉ እንተዀይኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ገለ ኻብ ኣባላት ስድራቤቱ ወይ ኣዕርኽቱ ኣብቲ መጽናዕቲ ምስኡ ኺመጹ ኺዕድሞም ይኽእል ይኸውን። ገለ ኻብ መሳርሕቱ: መማህርቱ ወይ ካልኦት ዚፈልጦም ሰባት ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ዘርኣዩ እንተደኣ ኣልዮም ሕተቶ። በዚ መገዲ እዚ: ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ምሃብ ኪጅምር ይኽእል እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ምስ ካልኦት ኪዘራረብ ከሎ ምስትውዓል: ኣኽብሮት ከምኡውን ሕያውነት ምርኣይ ኣድለይቲ ባህርያት ምዃነን ንኺግንዘብ ሓግዞ።—ቈሎ. 4:6፣ 2 ጢሞ. 2:24, 25
3 እምነቶም ንኻልኦት ኬካፍሉ ምሕጋዞም:- ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ኪነግሩ ኸለዉ ቓል ኣምላኽ ኪጥቀሙ ምልምማድ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሓደ ነጥቢ ብምምራጽ: ንተመሃራይካ ኸምዚ ኢልካ ሕተቶ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ነዚ ሓቂ እዚ ንስድራቤትካ ብኸመይ ምገለጽካሎም፧” ወይ “ንዓርክኻ እዛ ነጥቢ እዚኣ ንምብራህ ኣየነይቲ ጥቕሲ ምተጠቐምካ፧” ብኸመይ ከም ዚምልስ ኣቕልበሉ: ኣመሃህራኡ ብኸመይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ድማ ኣርእዮ። (2 ጢሞ. 2:15) ከምዚ ብምግባር: እቲ ተመሃራይ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንኺህብን ብቕዓቱ ኽብ ምስ ኣበለ ድማ ምስታ ጉባኤ ኣብ ዚግበር እተመሓደረ ዕዮ ምስክርነት ንኺሳተፍን ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ።
4 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጋጥሞም ምጽራር ብትብዓት ኪጋጠምዎ ምልምማድ ጥበባዊ እዩ። (ማቴ. 10:36፣ ሉቃ. 8:13፣ 2 ጢሞ. 3:12) ገለ ሰባት ሕቶታት ኪሓቱ ኸለዉ ወይ ድማ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ርእይቶ ኺገልጹ ኸለው ነቶም ተመሃሮ ምስክርነት ኪህቡ መገዲ ኪኸፍተሎም ይኽእል እዩ። እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ‘ምላሽ ንምሃብ እተዳለዉ’ ኪዀኑ ኽትሕግዞም ትኽእል እያ። (1 ጴጥ. 3:15) እዛ ብሮሹር እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብንጹር ስለ እትገልጽ: ሓደስቲ ተመሃሮ ነቶም ካብ ፍቕርን ሓልዮትን ተበጊሶም ዚጻረርዎም ኣዕሩኽቶምን ኣባላት ስድራቤቶምን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታትናን ንጥፈታትናን ንምግላጽ ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም።