መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ
1 ክርስትያናት ነታ የሆዋ እዚ ኣገባብ እዚ ኣጥፊኡ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ዜምጽኣላ መዓልቲ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዋ። (2 ጴጥ. 3:12, 13) እታ መዓልቲ እቲኣ መዓስ ከም እትመጽእ ብርግጽ ስለ ዘይንፈልጥ: ንቑሓት ክንከውን: ንኻልኦት ድማ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኺወስዱ ኽንሕግዞም ኣሎና። (ህዝ. 33:7-9፣ ማቴ. 24:42-44) ነቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ምስ እነስተንትነሉ: ‘እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር ምቕራባ’ ዝያዳ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ።—ጸፎ. 1:14
2 ተኸታቲሎም ዚመጹ ሓይልታት ዓለም:- ከምቲ ኣብ ራእይ 17:9-11 ተመዝጊቡ ዘሎ: ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም ዜመልክቱ “ሾብዓተ ነገስታት” ጠቒሱ ኣሎ። ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዜመልክት ‘ሳምናይ ንጉስ’ እውን ይዛረብ እዩ። ብዘይካ እዚኦም ካልኦት ሓይልታት ዓለም ኪቕልቀሉ ኽንጽበ ዲና፧ ኣይፋልናን: እቲ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ሻምናይ ንጉስ “ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ” ድሕሪ ምባሉ ኻልእ ምድራዊ ንጉስ ከም ዚመጽእ ኣይጠቅስን እዩ። እዚ ትንቢት እዝስ ኣበየናይ እዋን ንነብር ከም ዘለና ንኽንርዳእ ዚሕግዘናዶ ኸይኰነ፧
3 ዳንኤል 2:31-45 ብዛዕባ ምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ኽንርዳእ ትሕግዘና እያ። ኣብቲ ትንቢት: እቲ ነቡካድነጻር ብሕልሚ ዝረኣዮ ገዚፍ ምስሊ ነቶም ተኸታቲሎም ዚመጹ ሓይልታት ዓለም ዜመልክት እዩ። ኵለን እዘን ሓይልታት እዚአን ድሮ ህላወአን ተራእዩ እዩ። ሎሚ ኣበየናይ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና፧ ኣብቲ ብእግሪ ተመሲሉ ዘሎ ኽፍሊ እቲ ምስሊ ዚሽፍኖ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። እቲ ትንቢት ቀጺሉ እንታይ ኪፍጸም ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ናይ ሰባት ምምሕዳር ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ በታ ‘ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ’ ኺትካእ እዩ። እዚ ትንቢት እዚ መዓልቲ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ቀሪባ ምህላዋ ዚሕብር ምዃኑስ ኣስተውዒልካሉዶ፧
4 ተወሳኺ መርትዖ:- መዓልቲ የሆዋ ምቕራባ ዚገልጽ ተወሳኺ መርትዖ ብዓይንና ንርእዮ ኣለና። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ዚህሉ ባህርያት ሰባት ኣመልኪቱ እተነበዮ ትንቢት ፍጻሜኡ ንርእዮ ኣለና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኣብቲ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኺስበኽ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ምስክርነት እውን ንሳተፍ ኣለና። (ማቴ. 24:14) ህዝባዊ ምስክርነትና ንህጽጹነት ናይቲ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዚብል እቲ መልኣኽ ዝኣወጆ ኣዋጅ ዜንጸባርቕ ይኹን።—ራእ. 14:6, 7