ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
14 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ጥሪ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: መጽሔት ብቐጻሊ ንእተብጽሓሉ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ ኣርኢ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነቲ በዓል ቤት ብዛዕባ እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ በዓል ዝኽሪ ኣዘኻኽሮ።
20 ደቒቕ:- “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኣተኵሮ ምግባር”
15 ደቒቕ:- ንኼበርትዓና እተገብረ ምድላው። እታ ናይ 2005 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እንተልያ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ብዛዕባኣ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ብዛዕባቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ዚፍጽሞ ዘሎ ዜደንቕ ንጥፈታት ምስትንታን: ናብ የሆዋን ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትናን ከም እንቐርብ እዩ ዚገብረና። (መዝ. 77:12-14) ‘ብእምነት ጸኒዕና’ ኣንጻር ሰይጣን ደው ንኽንብል ይሕግዘና። (1 ጴጥ. 5:8, 9) ነቶም ሓደስቲ ሰባት ድማ ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዎም ምርዳእን ሞሳን ኬዕብዩ ይሕግዞም። ሰማዕቲ ነታ ናይ 2005 ዓመት መጽሓፍ ኬንብብዋ ኸለዉ ዝሰሓቦም ሓሳባት ኬካፍሉ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ነታ ዓመት መጽሓፍ ንምንባብ ብኸመይ ግዜ ኸም ዝመደቡ ሓሳባት ኪህቡ ኣቐዲምካ ኣዳሉ።
መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 9 (45)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—7ይ ክፋል” ነዛ ኽፍሊ እዚኣ ኽትዳለወላ ኸለኻ: ነቲ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 5, 6 ዚርከብ ሓሳባት ተወከስ።
20 ደቒቕ:- ኣርማጌዶን እንታይ እያ፧ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 44-9 ተሞርኲስካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሰማዕቲ ነቲ ብደሚቕ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታት በቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ተሓጊዞም ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከም እንጥቀመሉውን ተመያየጥ።
መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 8 (53)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ምስጋናን ኣንብብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ንተገደስቲ ሰባት ናብቲ ኣብ 10 ሚያዝያ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ኪዕድምዎም ኣተባብዓዮም። ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣበርክት። ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ዚርከብ መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል ዚገልጽ ሓሳባት ተመያየጡሉ። ሓደስቲ መጽሔታት ከነበርክት ከለና: መዘራረቢ ኪዀነና ዚኽእል ገለ ፍሉይ ነጥብታት ጥቐስ። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ጥሪ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መርኣያታት: ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ከም ዚምወል ግለጽ።—ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 2 ወይ ንቕሑ! ገጽ 5 ርአ።
መዝሙር 15 (127)ን መዕጸዊ ጸሎትን
4 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29 (222)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃልውኩም። (ዮሃ. 13:35) ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15-18 ቍጽሪ 10-21 ተሞርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ ዝርርብ። ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ኣኼባታት እተኣከቡ እሞ ምስታ ጉባኤ ሕብረቶም ዘይቅጽሉ ዘለዉ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ኽንገብረሎም ንኽእል ኢና። ነቶም መጽሓፍ ፍልጠት ወይ ብሮሹር ብቕዓት ኣጽኒዖም ዝወድኡ: በታ ንኣምላኽ ኣምልኽ እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንጅምረሎም ዚከኣለና ኽንገብር ተተባቢዕና ኢና። ኣስፋሕቲ ነቶም ዝደኸሙ ኣብ ምሕጋዝ ብኸመይ ምስ ሽማግለታት ኪተሓባበሩ ኸም ዚኽእሉ ግለጽ።
25 ደቒቕ:- ብጥሪትና ሞሳና ንግለጽ። ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19: ቍጽሪ 17-19: ከምኡውን ኣብቲ ብ16 ሕዳር 2001: ብ10 ታሕሳስ 2002 ንዅለን ጉባኤታት እተጻሕፈ ደብዳበታት ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ።
መዝሙር 21 (191)ን መዕጸዊ ጸሎትን