ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
14 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ታሕሳስ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ነቲ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ምስ ናይ ከባቢኹም ኵነታት ብምስምማዕ ብኸመይ ክትጥቀምሉ ኸም እትኽእሉ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።—ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ርአ።
20 ደቒቕ:- ምስቶም ነዛ ሓዳስ ብሮሹር እተቐበሉ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዚቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነታ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝቐረበት ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም እትገብር እተርኢ መርኣያ: ብፍላይ ነቲ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ምብጻሕ እተጠቕሰ ኣብ ሳጹን ዚርከብ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ድገም። (ዚከኣል እንተ ዀይኑ) ነቶም ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን መርኣያ ዘቕረቡ ኣስፋሕቲ ነታ ጽሕፍቲ ብምጥቃም ንኻልኣይ ግዜ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ ዜርኢ መርኣያ ኸም ዜቕርቡ ግበር። እቲ ኣስፋሒ ዳሕረዋይ ገበር ናይታ ብሮሹር ተጠቒሙ ነቲ ተመሃራይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ይዕድሞ: ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ንትምህርቲ 1 ናይታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ንኺመያየጡላ ምድላዋት ይገብሩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ነቶም ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር እተቐበሉ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩሎም ኪጽዕሩ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—6ይ ክፋል።” እቲ ተመሃራይ ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚካፈሉ ሒደት ዚዀኑ ስለምንታይ ምዃኑ ኪሓትት ከሎ ዜርኢ ናይ ኣርባዕተ ደቒቕ መርኣያ ኣቕርብ። እቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ሓው ነቲ ተመሃራይ ነታ ሕቶ ብምሕታቱ ድሕሪ ምንኣድ ነታ ሕቶ ኣብ ወረቐት ብምጽሓፍ መጽናዕቶም ምስ ወድኡ ኪምልሰሉ ምዃኑ ይነግሮ። መጽናዕቲ ምስ ወድኡ: እቲ ዚመርሕ ሓው ካብ መጽሓፍ ሪዝኒን (እንግሊዝኛ) ገጽ 267-8 “ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ መን እዮም፧” ዝብል ኣርእስቲ ምስቲ ተመሃራይ ይመያየጠሉ። ብሓንሳእ ዀይኖም የንብብዎ ብድሕሪኡ እቲ ተመሃራይ ንሕቶኡ ንጹር መልሲ ኸም ዝረኸበ ብምግላጽ ነቲ ሓው የመስግኖ።
መዝሙር 23 (200)ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ “ተወሳኺ ምስክርነት ኪወሃቦም ሓግዞም” ዘርእስቱ ሳጹን ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ኣብቲ ዜድልየሉ ግዜ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብል ቅጥዒ ኺመልኡ ኣተባብዓዮም።
35 ደቒቕ:- “እዋን በዓል ዝኽሪ—ኣገልግሎትና እነዛይደሉ ኣጋጣሚ።” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዚቐርብ። ቍጽሪ 6 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ነቲ ኣብ ናይ 8 መስከረም 2004 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 12-13 ዚርከብ ሓሳባት እውን ኣቕርብ። ዝርዝር ኣስማት እቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኬገልግሉ እተመዝገቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥቐስ። ተወሳኺ ናይ ግራት ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም እተገብረ እውን ጥቐስ። ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ዅሎም ኣሕዋት መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ኬዛይዱ ኣተባብዓዮም። እቲ ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን ናይ ዕድመ ወረቐት ዘይተዋህበ እንተዀይኑ ኣኼባ ምስ ተወድአ ኪወሃብ ኣለዎ።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 8 (53)
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣስፋሕቲ ናይ ለካቲት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም እትዕድል ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ግብራዊ ዝዀነ መርኣያታት እውን ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ኣብ መዛዘሚ ናይቲ መርኣያ እቲ ኣስፋሒ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ናይ 8 መጋቢት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዚርከብ ሓሳባት ነቲ በዓል ቤት ናብ በዓል ዝኽሪ ይዕድሞ።
20 ደቒቕ:- ንድኹማት ተገዳስነት ኣርኢ። (ግብ. 20:35) ናይ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ድሕሪ ምግባር ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-18 ሕጡብ ጽሑፍ 12-16 ተመርኲስካ ኸም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ኣገባብ ብሕቶን መልስን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ሕጡበ ጽሑፋት ሓደ ጽቡቕ ዜንብብ ሓው ከም ዜንብቦ ግበር። ምስዚ ዚቐርብ ዘሎ በዓል ዝኽርን ብድሕሪኡ ዚወሃብ ፍሉይ ዝርርብን ብምትእስሳር ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ግለጽ።
15 ደቒቕ:- ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርክት። ኣብ ወርሒ መጋቢት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ንምብርካት ዜኽእል ኣቀራርባ ብምምይያጥ መርኣያ ኣቕርብ። ካብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ እታው ዘሎ ኣቀራርባ ወይ ካልእ ኣብ ከባቢኻ ተግባራዊ ዝዀነ ኣቀራርባ ምጥቃም ይከኣል እዩ።
መዝሙር 10 (82)ን መዕጸዊ ጸሎትን።
7 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብታ “ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት” እትብል ሳጹን ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ስለ ሳህሉ ነመስግኖ።” በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ ግዜን ቦታን ከምኡውን ስም እቲ ተዛራባይን ካልእ ኣድላዪ ዝርዝራትን ጥቐስ። ቍጽሪ 6 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ስርዓታዊ ዀይኑ መጽሔታት ዜብጽሓሉ ሰብ ናብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጽእ ኪዕድሞ ኸሎ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።
17 ደቒቕ:- “ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት።” ቍጽሪ 3ን 4ን ክትመያየጡለን ከለኹም ነዚ ኣብ ከባቢኹም ብኸመይ ከም እትዓይሉ ግለጽ። ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት: ኣብ ጐደናታት: ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ወይውን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ኪህቡ ኸለዉ መጽሔታት ኣብ ምዕዳል ኣሳልጦ ዝረኸቡ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት መጽሔታት ብኸመይ ከም ዚዕድሉ ሕተቶም። ንዜጋጠሞም ተመክሮ ዚገልጽ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኸም ዜቕርቡ ግበር።
መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን