መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅ.
“ኵላትና ገበን: ዓመጻ: ከምኡውን ውግእ ጠፊኡ ኽንርኢ ሃንቀው ኢና እንብል። እዘን ቀጺለ ዘንብበልካ ቓላት እዚኣተን ተፈጺመን ንርእየንዶ ይመስለካ፧ [መዝሙር 37:11 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: እዚ መብጽዓ እዚ ምስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰርን ንሕና ብኸመይ ተኻፈልቱ ኽንከውን ከም እንኽእልን ትገልጽ።”
Awake! Oct. 8
“ኣብ ዓዓመት ብሚልዮናት ዚቝጸራ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዚርከባ መንእሰያት ከይተመርዓዋ ኸም ዚጠንሳ ምፍላጥሲ ዜሕዝንዶ ኸይኰነ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዚርከባ ኣዴታት ዘሕልፋኦ ብዙሕ ጸገማት ንኺዋጽኣሉ ዜኽእለን ስጕምትታት ትገልጽ። ወለዲ ንደቆም ነዚ ጸገማት እዚ ኻብ መጀመርታኡ ኣትሒዘን ንኼወግዳኦ ብኸመይ ኪሕግዝወን ከም ዚኽእሉ እውን ትገልጽ እያ።” 2 ጢሞቴዎስ 3:15 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥቅ.
“ገለ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ እንተደኣ ረኺቦም: ዜሐጕስ ህይወት ኪህልዎም ከም ዚኽእል ይኣምኑ። እዝስ ሓቂዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ኣዝዩ ሃብታም ዝነበረ ሰብኣይ እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ እሞ ርአ። [መክብብ 5:10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ ኻብ ስጋዊ ሃብቲ ዚበልጽ ነገራት ትገልጽ።”
Awake! Oct. 22
“ብዙሓት ሰባት ንውሉዳት ካብ ንእስነቶም ኣትሒዝካ ምስልጣን ዘለዎ ጥቕሚ ይርድኡ እዮም። ኣብዚ ግዜናኸ እዚ ዜድሊዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ወለዲ ንውሉዳቶም ቅኑዓትን ዕዉታትን ኰይኖም ናብ ብጽሕና ምእንቲ ኺሰጋገሩ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት ብዝርዝር ትገልጽ።”