“ምድሓን ቀሪቡ” ዘርእስቱ ናይ 2006 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
1. ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮም ሞሳ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ሎሚኸ ኸመይ ዝበለ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧
1 እቲ ንጉስ ጥንታዊት ይሁዳ ዝነበረ ህዝቅያስ: ነቶም ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ንኺእከቡ ዚጽውዕ ደብዳበ ብልኡኻት ገይሩ ሰደደሎም። (2 ዜና 30:6, 13) እቶም ሰባት ዘርኣይዎ ምላሽ: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎም ኣረኣእያ ዜንጸባርቕ ነበረ። (2 ዜና 30:10-12) ብተመሳሳሊ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣገልገልቲ የሆዋ: ነቲ ብሓደ ተኣኪብካ ንየሆዋ ናይ ምምላኽ መሰል ዘለዎም ልባዊ ሞሳ ዜርእዩሉ ኣጋጣሚ ኺህልዎም እዩ። ጉባኤታት ናብቲ “ምድሓን ቀሪቡ” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚዕድም ደብዳበ ተላኢኹለን ኣሎ። ነዚ ዕድመ እዚ ብኸመይ ኢኻ ኽትምልሰሉ፧
2. ካብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: ካብ ሕጂ ኣትሒዝና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
2 ካብ ሕጂ መሰናድዎ ግበር:- ካብዚ ፍቕራዊ ምድላው ዝዀነ መንፈሳዊ መደብ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም: ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ኣብኡ ኽንህሉ ኣሎና። ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ክትካፈሉ ዜኽእለኩም ምድላዋት ግበር። (ምሳ. 21:5) እዚ ምድላዋት እዚ ኸም ንኣስራሒኻ ፍቓድ ምሕታት: ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ምስ ዘይኣማኒ ብዓል/ቲ ቤት ምምይያጥ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኺካፍሉ ምሕጋዝ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ነገራት ንምፍጻም እቲ ኣኼባ ዚካየደሉ ግዜ ኽሳዕ ዚቐርብ ኣይትጸበ። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ኸም ‘ዜስልጠልካ’ ኣሚንካ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሎት ግበር።—መዝ. 37:5
3. ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዜድልዮም እንታይ ሓገዝ እዩ ኺገበረሎም ዚከኣል፧
3 ፍሉይ ሓገዝ ዜድልዮም:- ምሳሌ 3:27 “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ: ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ትብል። ምስ ኣኼባ ኣውራጃ ብምትእስሳር ንኻልኦት ሰናይ ክትገብረሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብዕድመ ዚደፍኡ ኣስፋሕቲ: ስንኩላን: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ: ከምኡውን ካልኦት ናይ መጓዓዝያ ወይ መዕረፊ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣሕዋት ሓላፍነት ወሲዶም ኪሕግዝዎም ዘለዎም ብቐዳምነት ኣዝማዶም እዮም። (1 ጢሞ. 5:4) ኣዝማዶም ከምዚ ኺገብሩሎም ምስ ዘይክእሉ ግን: ክርስትያን ብጾቶም ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። (ገላ. 6:10) ነቶም ብኣባላት ስድራቤቶም ይኹን ብጉባኤኦም ንመዕረፊኦም ዚኸውን ምድላው ኪግበረሎም ዘይተኻእለ ኣስፋሕቲ ጥራይ ዚኸውን ፍሉይ ሓገዝ ንዜድልዮም ዚኸውን ናይ መዕረፊ መሕተቲ ፎርም ተዳልዩሎም ኣሎ። እዚ መሰናድዎ እዚ ነቶም ጽቡቕ ኣቕዋም ዘለዎም ኣስፋሕትን ነቶም እዱባት ደቆምን ጥራይ ዚዓዪ እዩ። እኹል ኮፍ መበልን ጽሑፋትን መዕረፊ ቦታታትን ካልእን ምእንቲ ኺርከብ: ኣብቲ ጉባኤኻ እተመደበትሉ ቦታ ኽትካፈል ነተባብዓካ።
4. ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እንገብሮ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ሓጐስ ክንውስኸሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
4 ወለንተኛታት:- እቶም ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ካብ ምድላዋት እቲ መንፈሳዊ ምግቢ ዚጥቀሙን ንሓድሕዶም ኪተሃናነጹ ኣጋጣሚ ዚረኸቡን ኣሕዋት ብዙሕ ከም ዚሕጐሱ ዜማትእ ኣይኰነን። ብፍላይ ድማ ኣብቲ እቲ ኣኼባ ብዓወት ንምክያድ ዚግበር ንጥፈታት ወለንተኛታት ኴንና ምስ እንሕግዝ ሓጐስና ብዝያዳ ኺዓቢ እዩ። (ግብ. 20:35) ናይቲ ኣውራጃ ኣኼባ ኮሚተታት ዝያዳ ዓየይቲ ንምርካብ ጻውዒት ኪገብሩ እዮም። ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኽትካፈል ድሉው ዲኻ፧—መዝ. 110:3
5. ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዚግበር ናይ ኣውራጃ ኣኼባ እንታይ ተድንቕ፧ እንታይ ቈራጽነትከ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧
5 ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ እናተኻፈለ ኸሎ: “ናይ ኣውራጃ ኣኼባ እቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ኽፍሊ ኣምልኾ የሆዋ እዩ” በለ። እዚ ልባዊ መግለጺ እዚ ዅልና ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዚግበር ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ምክፋልና ብዙሕ ከም እንሕጐስ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። እዚ ልክዕ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ” ዝበሎ እዩ። (መዝ. 84:10) ዳዊት ኣብቲ ዝዘመሮ መዝሙር: ‘መቕደሱ ንምምርማር ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ቤት የሆዋ ኺነብር’ ከም ዚደሊ እዩ ገሊጹ። (መዝ. 27:4) ዳዊት ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃን ብዙሕ የሐጕሶ ነበረ። ኣብቲ “ምድሓን ቀሪቡ” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰለስቲኡ መዓልትታት ብምእካብ: ነቲ ዳዊት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ቕንኣት ንቕድሓዮ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ዚካየደሉ ግዜያት
ዓርብን ቀዳምን
9:30 ቅ.ቐ. - 5:15 ድ.ቐ.
ሰንበት
9:30 ቅ.ቐ - 4:15 ድ.ቐ.