ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/04 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 13 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 20 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 27 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 3 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 12/04 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

13 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

10 ደቒቐ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታትን። ኵላቶም ነታ ኣብ ዚመጽእ ወርሒ ኣብ ዚግበር ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እንመያየጠላ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኪርእይዋ ኣተባብዓዮም። ኣብ እትቕጽል ወርሒ ንእዋን በዓላት ፍሉይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈት ከም ዚህሉ ጥቐስ። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ግብራዊ ዝዀነ መርኣያታት እውን ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ነቲ “ስራሕኩም እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቐ እፈልጦ ኢየ” ዚብል ኰላፍ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 12 ርአ።

15 ደቒቕ:- “ሓገዝካ ይድለ ኣሎ”* ንሓደ ሽማግለ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ግበረሉ። ኣብታ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ንምግልጋል ድሌት ኬሕድርን ብቑዕ ንኪኸውንን ዝሓገዞ እንታይ ምዃኑ ሓሳብ ኪህብ ይኽእል እዩ።

20 ደቒቕ:- “ነዝማድና ብኸመይ ክንምስክረሎም ንኽእል፧”* ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ሰማዕቲ ብኸመይ ናይ ኣዝማዶም ተገዳስነት ኣለዓዒሎም ምስክርነት ኪህቡ ኸም ዝኸኣሉ ሓጺር ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 15 (127)ን መዕጸዊ ጸሎትን

20 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ዚቐርብ ካብ ደም ንኽንክልከል ዚሕግዝ ሓድሽ ምድላው ብዚምልከት ዚግበር ምይይጥ ኪርከብ ኣተባብዕ።

15 ደቒቐ:- “ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ይጠቕመና፧” ብሓደ ሽማግለ ዚቐርብ ዝርርብ። ካብ ናይ ጥቅምቲ 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው እውን ሓሳባት ኣቕርብ። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኻብቲ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ሓሳባት ኪህቡ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም።

25 ደቒቕ:- “ሓዳስ ብሮሹር ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ።” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዚቐርብ። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ይቕረብ። ኣብ ሓደ ኻብቲ መርኣያታት ሓደ ብዓል ቤት ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣቀራርባ ብዙሕ ተገዳስነት ስለ ዘየርኢ: ኣብ ክንዲ እታ ብሮሹር ትራክት ይብርከተሉ።

መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን

27 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21 (191)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣስፋሕቲ ናይ ታሕሳስ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነታ ናይ 15 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ድማ ናይ 22 ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም እትዕደል ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። በታ ብሮሹር ጌርና ፍሉይ ወፈራ ብዛዕባ እንገብረሉ እዋን ኣዘኻኽር።

25 ደቒቕ:- ነቲ ኣምላኽ ካብ ደም ክንክልከል ዝሃበና ትእዛዝ ምሕላው። ሓደ ሽማግለ በቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ጽሑፍ ተጠቒሙ ዜቕርቦ ዝርርብ። እቲ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ሎሚ ምሸት ኪምላእ ከም ዘይበሉ ኣብ መእተዊኻ ጥቐስ። ነቲ ጽሑፍ ከተንብቦ ኸለካ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ሓጺር መብርሂ ብምሃብ ከተጕልሖ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ: ተወሳኺ ኣብነታትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታትን ክትውስኽ ግን የብልካን። ግዜ ኸም ዜፍቅደልካ ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ዘለዉ ጥቕስታት: ከተንብቦም ወይውን ባዕልኻ ኽትገልጾም ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ድማ: ናብታ “ካብ ደም ንኽንክልከል ዚሕግዝ ሓድሽ ምድላው” እትብል ሳጹን ዚርከብ ሓሳባት ከም ዜተኵሩ ግበር። እቶም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ነቲ ኽፍሊ ምእንቲ ኺከታተልዎ: እቲ ጸሓፊ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ከምኡውን “ነቲ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ዚበሃል ካርድ ንምምላእ ዚሕግዝ ሓሳባት” ኪዕድል ኣለዎ። እኹል ቀረብ ናይ ወረቐት መንነት እውን ኬዳሉ ኣለዎ።

10 ደቒቕ:- ሕልና ዘለዎ ግደ። ኣብ ናይ 15 ሰነ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-4 ቍጽሪ 16-19 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ ዝርርብ። ብሕልናና ውሳነ ኽንገብረሉ ዜድልየና እዋን ኬጋጥመና ኸሎ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዚትንክፍ ስለ ዚዀነ: ኣርዚንና ኽንርእዮ ኸም ዜድሊ ኣጕልሕ።

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

3 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ።

15 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—4ይ ክፋል።” በቲ ኣብ ቍጽሪ 1 ዚርከብ ሓሳባት ተጠቒምካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳብ ድሕሪ ምሃብ: በቲ ኣብ ቍጽሪ 2-3 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ መጽናዕቲ ዚገብረሉ ሰብ ብኸመይ ኪዳሎ ኸም ዚኽእል ኬርእዮ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ኣብቲ መርኣያ ድማ መጽሓፍ ፍልጠት ወይ ብሮሹር ብቕዓት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ካብ ቍጽሪ 2-5 ብሕቶን መልስን ምይይጥ ምስ ገበርካ: ነቲ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ናይቲ መርኣያ ኣጕልሕ።

25 ደቒቕ:- “ካብታ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ተጠቐም።” በቲ ኣብ ገጽ 3 ዚርከብ ሕቶታት ተጠቒምካ ነታ ኖ ብላድ እትብል ቪድዮ ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠላ። ብድሕርዚ: ነታ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብባ።

መዝሙር 2 (15)ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ