ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/04 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 8/04 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ:- ካብዚ ዚስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል:- ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ከምኡውን ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧ መስከረም:- ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ከም ኣማራጺ ላይፍ ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ ምብርካት ይከኣል እዩ።

◼ ኣብቲ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽትካፈሉ ኸለኹም ሓጺር መዘኻኸሪ ምጽሓፍ ኣይትረስዑ። ከምዚ ምግባር ጸኒሑ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ዚግበር ናይ ቃል ድግማ ኽትሳተፉ የኽእለኩም።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።

◼ ጉባኤታት በቲ ናይ እትቕጽል ወርሒ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዐን ገይረን ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2005: ከምኡውን ናይ 2005 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታት ኪጅምራ ኣለወን።

◼ ዓመታዊ ፍቕዲ እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋትን መጽሔታትን ኣብ 31 ነሓሰ 2004 ወይ ብእተኻእለ መጠን ካብዚ ዕለት እዚ ኸይረሓቐ ኺግበር ኣለዎ። እዚ ፍቕዲ እዚ እቲ ኣተሓባባሪ ጽሑፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምስ ዚገብሮ ምፍቃድ ዚመሳሰል እዩ: እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ቅጥዒ ኺምዝገብ ኣለዎ። ጠቕላላ ድምር እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልገልቲ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ናይታ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ጸሓፊ ነቲ ፍቕዲ ኺቈጻጸሮ ይግባእ። ንሱን ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ እታ ኣተሓባባሪት ጉባኤን ነቲ ቕጥዒ ይፈርምሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ሰለስተ ቕዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ቅጥዒ ኽትቅበል እያ። በጃኹም ነቲ ቐንዲ ቕዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ናይ ካርቦን ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም መስርሒ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።

◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- ፍልጠት (ኮሪያኛ)፣ ብቕዓት (ጉጅራቲ፣ ሂንዲ፣ ስጳንኛ)፣ መንእሰያት ዝሓትዎ (ጣልያንኛ)

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- እንግሊዝኛ:- ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—2፣ ንዘለኣለም ምንባር፣ ራእይ፣ ሪዚኒን፣ ሲንግ ፕረይዝስ (ንእሽቶ)፣ መንእሰያት ዝሓትዎ፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ፣ ዓርኪ ኣምላኽ፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ