ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 30 ነሓሰ 2004 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 5 ሐምለ ኽሳዕ 30 ነሓሰ 2004 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ብዛዕባ እታ ኣባና ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ኸነረድእ ከለና “ብዓቕልን ብፍርሃትን” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ብለውሃትን ብኽብርን” ክንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ጴጥ. 3:15) [be ገጽ 192 ሕጡብ ጽሑፍ 2-4]
2. ብምትእምማን ምዝራብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ሮሜ 8:38, 39፣ 1 ተሰ. 1:5፣ 1 ጴጥ. 5:12) [be ገጽ 194]
3. ምትእምማን ብኸመይ ኪንጸባረቕ ይኽእል፧ [be ገጽ 195 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 196 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
4. ኣብ ኣዘራርባ ኽኢላ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: እዚ ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ: ኣብ ኣዘራርባና ኽኢላታት ግን ከኣ ጽኑዓት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሮሜ 12:18) [be ገጽ 197]
5. ሓደ ኣብ ኣዘራርባኡ ኽኢላ ሰብ ቅድሚ ምዝራቡ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ዜእቱ፧ (ምሳ. 25:11፣ ዮሃ. 16:12) [be ገጽ 199]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ዘረባናን ናይ መጽናዕቲ ልማድናን ኣብ ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ዕቤት ከም ዝገበርና ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 74 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 75 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
7. “ጊዜ ዐዲግኩም” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ (ኤፌ. 5:16) [w02 15/11 ገጽ 22-23]
8. ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ምዃኖም ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ እዩ ዜነጽሮ: እዚኸ ነገልግሎትና ብኸመይ ኪጸልዎ ይግባእ፧ [w02 1/1 ገጽ 5, 7]
9. እቲ የሆዋ ዚብል ፈጣሪ ጥራይ ዚጽውዓሉ ስም ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ [w02 15/1 ገጽ 5]
10. መስዋእቲ ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል “ዚበልጽ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ: ካብዚኸ ብዛዕባ እቲ እነቕርቦ “መስዋእቲ ምስጋና” እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ (እብ. 11:4፣ 13:15) [w02 15/1 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 6–ገጽ 22 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ዘሌዋውያን 18:3 ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ጠዋይ ኣረኣእያ ንኸይህልወና እትሕግዝ ብኸመይ እያ፧ (ኤፌ. 4:17-19) (w02 1/2 ገጽ 29)
12. እቲ ኣብ በዓል ሰሙናት (ጴንጠቆስጠ) ከም “መስዋእቲ ምውዝዋዝ” ኰይኑ ዚቐርብ “ክልተ እንጌራ” ብትንቢታዊ መገዲ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ (ዘሌ. 23:15-17) [w98 1/3 ገጽ 13 ቍ. 21]
13. ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 5 ተጠቒሱ ኸም ዚርከብ ‘ሰለፍ’ እታ ዝዘመወት ሰበይቲ “ይወድቕ” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ዘሁ. 5:27) [w84 15/4 ገጽ 29 እንግሊዝኛ]
14. ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኩሻዊት ሰበይቲ ንሙሴ ዝነቐፍዎ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘሁ. 12:1 ትርጕም 1990)
15. “መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር” እንታይ እዩ፧ (ዘሁ. 21:14)