ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/04 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 9 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 16 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 23 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 30 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 6 መስከረም እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 8/04 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

9 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 12 (113)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታትን። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ መርኣያታት እውን ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ወፈያ ኸኣ ጥቐስ። ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ነታ ብቕዓት ዘርእስታ ብሮሹር ኪማልእዋ ነቶም ሰማዕቲ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- “ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ።” ካብታ ናይ 15 ታሕሳስ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-3 ቑጽሪ 15-18 እውን ሓሳባት ወስኽ።

20 ደቒቕ:- ብትራክትታት ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር። ኣብቲ ናይ ሕዳር 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 3-4 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብ ቍጽሪ 5 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ኸከም ኵነታት እቲ ተመሃራይ ምትዕርራይ ክንገብር ድልዋት ምዃንና ኣጕልሕ። በቲ ኣብ ቍጽሪ 8-10 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ኣቕርብ። ኣብ ዞባኹም ውጽኢታዊ ዝዀነ ኻልእ ኣቀራርባ እንተሎ ብእኡ ተጠቒምካ መርኣያ ኣቕርብ። ሰማዕቲ በታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ተጠቒሞም ዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

16 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 19 (164)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ሓቂ ኣብ ውሉዳትኩም ከም ዚሰርጽ ግበርዎ። ኣብታ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ: ገጽ 55-9 ተመርኵስካ ዚቐርብ ዝርርብ። ወለዲ ንውሉዳቶም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ዝዀነ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ዚሕግዙለን ኣርባዕተ መዳያትን ግብራዊ ዚዀናሉ መገድን ተመያየጥሉ።

20 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ”—2ይ ክፋል።” ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ መርኣያ ኣቕርብ። ሓደ ኣስፋሒ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚገብረሉ ሰብ ዕቤት ንኺገብር ከመይ ገይሩ ኺሕግዞ ኸም ዚኽእል ንሓደ ሽማግለ ይሓትት። እቲ ሽማግለ ኸኣ እቲ ቐንዲ ሽግር ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዘየገድስ ዝርዝርን ብዛዕባ እቲ ንቐንዲ ነጥብታት ዘየብርህ ሓሳብን ምምይያጥ ከም ዝዀነ ይጥቀስ። በታ ብቕዓት ዘርእስታ ብሮሹር ትምህርቲ 9 ገይሩ ነቲ ኣስፋሒ ብኸመይ:- (1) ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ መጽናዕቲ ኸም ዜተኵር: (2) ነቲ ሓሳቡ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኸም ዚጥቀመሉ: (3) ነቲ ትምህርቲ ምስ ኵነታት እቲ ተማሃራይ ከም ዜወሃህዶ የርእዮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ግቡእ ምድላው ኣድላዪ ምዃኑ ድማ የዘኻኽሮ።

መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን

23 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

13 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነተን ናይ 15 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ኣቕርብ። ኣብ ሓንቲ መርኣያ ንሓደ መምህር ኪምስከረሉ ኸሎ ዜርኢ ይኹን።

20 ደቒቕ:- “ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።” ናይ ጉባኤ ጸሓፊ በቲ ቐሪቡ ዘሎ ሕቶታት ገይሩ ዜቕርቦ። ጉባኤኹም ኣውራጃዊ ኣኼባ እትገብረሉ ዕለትን ቦታን ጥቐስ።

12 ደቒቕ:- ኣብ መስከረም ዚዕደል። ነቲ ጉባኤኹም ኣብዛ ወርሒ እዚኣ እትዕድሎ ጽሑፋት ተመያየጥሉ: ብኸመይ ከም ዚዕደል ከኣ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን

30 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- “በብግዜኡ ዚዳሎ መንፈሳዊ ምግቢ።” ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ቍጽሪ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ካብቶም ሰማዕቲ ሓደ ወይ ክልተ ብዛዕባ ሓደ ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ዝገደፈሎም ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣሕጽር ኣቢሎም ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።

8 ደቒቕ:- “ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ።” ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ግዜ ኸም ዝፈቐዶ ነቲ ሓሳቡ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት እናንበብኩም ተመያየጥሉ። ነቶም ሰማዕቲ ብዛዕባ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ዝረኣይዎ: ንየሆዋ ድማ ክብሪ ዜምጽእ ጽቡቕ ጠባይ ንኼዘንትዉ ዓድሞም።

17 ደቒቕ:- ተጠቒምካዶ፧ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ሓሳባት ድገሞ:- ኣብ ንእሽቶ ካርድ መእተዊኻ ጸሓፍ። (km 10/03 ገጽ 4) እተገብረ ነገር ጠቒስካ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ናእዳ ብብሕቲ ሃብ። (km 11/03 ገጽ 1) ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤቶም ኣብ ዚርከቡሉ እዋን ስበኽ። (km 12/03 ገጽ 1) ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣኼባ ንምድላው: ከምኡውን ንግራት ኣገልግሎት ዚኸውን እተወሰነ ግዜ መድብ። (km 1/04 ገጽ 4) ነታ“ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ብሮሹር ንንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐመላ። (km 3/04 ገጽ 2) ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ሸቶ ኣውጽእ። (km 4/04 ገጽ 1) ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ስበኽ። (km 7/04 ገጽ 4) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ትራክት ተጠቐም። (km 8/04 ገጽ 2) ሰማዕቲ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝረኸብዎ ጥቕሚ ኺገልጹ ዓድሞም።

መዝሙር 13 (124)ን መዕጸዊ ጸሎትን

6 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እታ “ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ . . . ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ ዚመጽእ ወርሒ ኸም እትውሰድ ሓብር።

15 ደቒቕ:- “ንጹህን ዚነኣድን ኣከዳድና።” ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ግዜ ኸም ዝፈቐዶ ነቲ ሓሳቡ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት እናንበብኩም ተመያየጥሉ።

25 ደቒቕ:- “ናይ ፓይነር መንፈስ ኣርኢ።” ኣሕጽር ኣቢልካ ንሓደ ወይ ክልተ ፓይነራት ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ወለዶም: ሽማግለታት: ወይ ካልኦት ዝገደፉሎም ኣብነት: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኪዀኑ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ይዛረቡ።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ