ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/04 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 12 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 19 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 26 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 2 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 7/04 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

12 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ ነተን ናይ 1 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ግንቦት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ኣቕርብ። ኣብ ሓደ መርኣያ ንሓደ ኣብ መገዲ ዚረኸብዎ ቛንቋ ትግርኛ ኣጸቢቑ ዘይክእል ሰብ መጽሔት ኪዕድሉ ኸለዉ ኣርኢ።

18 ደቒቕ:- “ንፍትሒ የሆዋ ቕድሓዮ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ግዜ ኸም ዜፍቅደልካ: ንሰማዕቲ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ እንታይ ከም ዚብል ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ሓሳብ ኪህቡሉ ዓድሞም።

15 ደቒቕ:- መጽሓፍ ቅዱስ—ኪእመን ዚኽእል ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ። ኣብታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ካብ ገጽ 27-9 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ መጻኢ ዚግደሱ ሰባት ንረክብ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ንእዙዛት ሰባት ብሩህ መጻኢ ኸም ዘለዎም ኪእመን ዚኽእል ሓበሬታ ይነግረና እዩ። ንመጻኢ ኣብ ዚፍጸም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ዘሎና እምነት ዜደልድል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ጥቐስ። ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታት ገይሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለዎ እምነት ንኺሃንጽ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 5 (46)ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 22 (130)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ብዛዕባ ኣገዳስነት ቀጻሊ ዝዀነ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ግለጽ። ካብታ ናይ 15 ነሓሰ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 እውን ሓሳባት ኣቕርብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ”—1ይ ክፋል። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዚቐርብ። ሰማዕቲ ኻብታ ፕሮክለይመርስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዘኛ) ገጽ 572-4 ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ እተገብረ ዕቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ከም ዚህቡ ግበር። ነቲ ዚስዕብ ቀጻሊ ዓንቀጻት ድማ ተገዳስነት ኬርእዩ ኣተባብዓዮም። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓንቀጻት እዚ መጽናዕቲ ንምምራሕ ከመይ ጌርካ ኸም እትዳሎ: ከመይ ጌርካ ንተማሃራይካ ንኺዳሎ ኸም እትሕግዞ: ክንደይ ዚኣክል ክፋል ከም እትሽፍን: ንቕዱሳት ጽሑፋት ከመይ ጌርካ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኸም እትጥቀመሉ: ተማሃራይካ ንዚሓቶ ሕቶታት ብኸመይ ከም እትምልሰሉ: ንጸሎት ብኸመይ ከም እተፋልጦ: ንተማሃራይካ ድማ ከመይ ጌርካ ናብ ማሕበር የሆዋ ኸም እትመርሖ ኺግለጽ እዩ። ኵሎም ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ ሓሳባት ንኼድህብሉን ንመጻኢ ድማ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ኣብ ቀረባ ንኬቐምጥዎን ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23 (200)

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ ነተን ናይ 15 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ግንቦት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ኣቕርብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ “ኣቱም ሰባት: ስለምንታይ ኢኹም ደጋጊምኩም እትመጹና፧” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዜርኢ እተፈላለየ መገዲ ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 12 ርአ።

8 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዚቐርብ። ንምልእታ እታ ዓንቀጽ እናንበብኩም ተመያየጡላ።

25 ደቒቕ:- “ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብኸመይ ከም እትሰብኽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ጉባኤ ዘሎ ምድላዋት ከምኡውን ካብ ድኳን ናብ ድኳን ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ኪግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ጥቐስ። ኣብ ቍጽሪ 4-5 ዘለዋ ኽልተ መርኣያታት ወይ ድማ ኣብ ዞባኹም ውጺኢታዊ ዝዀነ ኻልእ ኣቀራርባ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣርኢ። ግዜ ኸም ዜፍቅደልካ: ካብ ድኳን ናብ ድኳን ኬገልግሉ ኸለዉ ዚረኸብዎ ዜተባብዕ ተመክሮ ንኺዛረቡ ዓድሞም።

መዝሙር 15 (127)ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17 (187)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- መረድኢ ምኽንያት ትህብ ዲኻ፧ ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 254 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብ መድረኽን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ንቕዱሳት ጽሑፋት ክንጥቀምን ከነብርህን ከለና: ኣብ ክንዲ እዚ ኸምዝን ከምዝን እዩ ጥራይ ንብል ነቲ ንዛረቦ ነገራት መረድኢ ምኽንያት እንተደኣ ሂብናሉ ፍረ ኽንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ካብ ሪዝኒንግ መጽሓፍ ወይ ድማ ካብ ካልኦት ንዞባኹም ዚሰማማዕ ጽሑፋት ኣብነታት ብምውሳድ: ከመይ ጌርካ (1) ናይ ሓንቲ ጥቕሲ ቐንዲ ሓሳብ ፈሊኻ ኸም እተብርሆ: (2) ነቲ ጕዳይ ካብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ወይ ድማ ካብ ካልእ ጥቕሲ መርትዖ ኸም እተቕርብ: (3) እቲ እትዛረቦ ነገር ክሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ምዃኑ ብኣብነት ተጠቒምካ ኸም እተጕልሕ: (4) ሕቶታት ብምሕታት ንሰማዕትኻ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ንኸመዛዝኑ ኸም እትሕግዞም ኣብርህ። ነቲ ብምኽንያት ምርዳእ ዘለዎ ረብሓ ድማ ኣተኵረሉ።

15 ደቒቕ:- ጽናዕ: ኣይትተዓንቀፍ። ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 26-28 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ።

መዝሙር 3 (32)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ