ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
11 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብቲ ናይ ጉባኤኹም ዞባ ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: “ብስራሕ ትሑዝ እየ” ንዝብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዘርኢ ይቕረብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11 ርአ።
15 ደቒቕ:- “ንሰናይ የሆዋ ቕድሓዮ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሕያውነት ምግባር ንምስክርነት ብኸመይ መገዲ ኸም ዝኸፍት ዘርኢ ሓጸርቲ ተመክሮታት ከዘንትዉ ነቶም ሰማዕቲ ዓድሞም። እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ነሕዋቶም ንምድጋፍ ዝገብርዎ ጻዕርታት ንኣዶም።
20 ደቒቕ:- “ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ንሓደ ወይ ክልተ ፓይነራት ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ በረኸት ሓሳብ ክህቡ ዓድሞም። ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብቲ ጸሓፊ መሕተቲ ወረቐት ክረክብ ከም ዝኽእል ጥቐስ።
መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን
18 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10 (82)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
15 ደቒቕ:- “ዕረፍቲ ዘምጽእ ዕዮ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ዕረፍቲ ኸም ዘምጽእ ዘርኢ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሓሳባት ዝህቡ ኣዳሉ።
18 ደቒቕ:- “ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (ቍጽሪ 1-5) ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ቍጽሪ 3ን 4ን ክትመያየጡለን ከለኹም: ነቲ ናይታ ጉባኤ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽራይ እተገብረ ምድላው ጥቐስ። ቈላሕታ ኽግበረሉ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን መዳይ ጥቐስ። እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብቑዕ ንክኸውን ኣብ ምክንኻን ንዝገብርዎ ጻዕሪ ንኣዶም።
መዝሙር 28 (224)ን መዕጸዊ ጸሎትን
25 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17 (187)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብቲ ናይ ጉባኤኹም ዞባ ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ሓደ ወላድን ሓደ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከብ ውሉድን መጽሔት ንምብርካት ቅድሚ ምኻዶም ልምምድ ክገብሩ ኸለዉ የርእዩ። ብመርኣያ ቕድሚ ምቕራቦም ንነፍሲ ወከፍ እቲ መእተዊታት ኣሕጽር ኣቢሎም ይርእይዎ።
15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ።” ኣብቲ ዓዲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ዕለት ጥቐስ: ኣቐዲሞም ንኽዳለዉ ድማ ኣተባብዕ።
20 ደቒቕ:- ንምስባኽ ትባዕ። (1 ተሰ. 2:2) ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ብዙሓት ኣስፋሕቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ስለምንታይ ከም ዝፈርሁ ግለጽ። እዚ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ንጡፋት ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ እውን ከይተረፈ የሸግሮም እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25፣ ናይ 15 ታሕሳስ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25፣ ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 31 ዝርከብ ተመክሮታት ኣዘንቱ። እቶም ተኣከብቲ ፍርሂ ኣብ እተሰምዖም እዋን ነቲ ብስራት ንምንጋር ብኸመይ ክተብዑ ኸም ዝኸኣሉ ሓሳብ ክህቡ ዓድሞም። ኣብቲ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-4 ዝርከብ ሓሳባት ተመርኲስካ: ካብ የሆዋ ብኸመይ ትብዓት ከም እትረክብ መተባብዒ ብምሃብ ዛዝም።
መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን
1 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25 (204)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ኣብ መስከረም ዝዕደል ጽሑፋት ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- ተመሊስካ ንኽትበጽሕ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ትሕሉ ዲኻ፧ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-11 ዝርከብ “መብጽዓታትና ክንሕልወሉ ዝግብኣና ካልእ መገድታት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኣብ ኣገልግሎት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክንረክብ ከለና: መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ካልእ ግዜ ነቲ ምይይጥ ንኽንቅጽሎ ቈጸራ ንገብር ኢና። ከምቲ መብጽዓ ዝኣተናዮ ኣብቲ ዝበልናዮ ግዜ ንምለስ ዲና፧ መብጽዓና ንኽንሕሉ ዝድርኸና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግለጽ። ነቶም ሰማዕቲ ቐልጢፎም ተመሊሶም ብምኻዶም ብኸመይ ከም እተባረኹ ዝገልጽ ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ንናይ ኣምልኾ ቦታና ጽቡቕ ጌርና ንከናኸኖ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (ቍጽሪ 6-12) ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። በታ ኣብ ገጽ 4 ዘላ ሳጹን ተጠቒምካ ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ምክንኻን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሕ። ብዛዕባ ዅነታት እቲ ናይ ጉባኤኹም ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓጺር ጸብጻብ ኣቕርብ: ጽገና ወይ ምምሕያሽ ንምግባር እተሓስበ ዝዀነ ይኹን መደባት ጥቐስ።
መዝሙር 20 (93)ን መዕጸዊ ጸሎትን