ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
9 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 1 (13)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ክልቲኡ ኣቀራርባ ሓሓንቲ ጥቕሲ ይነበብ።
15 ደቒቕ:- “ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮና እዩ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። መንእሰያት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምእታው ክረኽብዎ ዝኽእሉ በረኸት ንኽሓስቡሉ ኣተባብዓዮም። እቲ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-20 ዝርከብ “ኣረኣእያ ሕብረተሰብን ሕልናን ክጋጮ ኸሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት እውን ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ጡረታ ንዝያዳ ንጥፈታት መገዲ ዝኸፍት ድዩ፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ንሓደ ጡረታ ምስ ወጸ ንየሆዋ ብዝያዳ ዘገልገለ ኣስፋሒ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ግበረሉ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ምትዕርራያትን ዘምጽኣሉ በረኸታትን ሕተቶ።
መዝሙር 25 (204)ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
25 ደቒቕ:- “ተጊህካ ምሉእ ‘ምስክርነት’ ሃብ።” ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ቍጽሪ 5ን 6ን ድሕሪ ምቕራብካ: ንሓደ ብዓል ድኳን እታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክብርከተሉ ኸሎ ዘርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። ቍጽሪ 7ን 8ን ቅድሚ ምምይያጥኩም እዘን ሕጡብ ጽሑፍ ይነበባ። ኣብ መወዳእታ እታ “ኣይትረስዓዮም!” ዘርእስታ ሳጹን ትነበብን ትገለጽን።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13 (124)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ።
20 ደቒቕ:- ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥም እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-9 እተመርኰሰ ዀይኑ ነቲ “ሰናይ ኣመለኻኽታ ምዕቃብ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ እውን ዘጠቓለለ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ነቲ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእል ሓሳባትን ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳን ግለጽ። ሓደ ወይ ክልተ ኣሳልጦ ዝረኸቡ ኣስፋሕቲ ኻብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ሓጐስ ንምዕቃብ እንታይ ከም ዝሓገዞም ንኽገልጹ ኣዳሉ።
15 ደቒቕ:- “ኣብዛ ወትሩ እትቀያየር ዓለም ምስባኽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 2ን 3ን ክትመያየጡለን ከለኹም: ነቶም ተኣከብቲ ኣብቲ ዞባኹም ዝርርብ ንምጅማር እንታይ እዋናዊ ፍጻመ ኽጥቀሙ ኸም ዝኽእሉ ሕተቶም። ቍጽሪ 4 ክትመያየጡላ ኸለኹም: በቲ ኣብኡ ተሓቢሩ ዘሎ ኣቀራርባታት ሓደ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 8 (53)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሰነ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ኣብ ሓምለን ነሓሰን ዝዕደል ጽሑፋት ጥቐስ። ኣብ ናይ ጉባኤኹም መኽዘን ዘሎ ኽልተ ብሮሹራት ኣጕልሕ። ነዚ ብሮሹራት ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እተበርክቶ ዘርኢ ኽልተ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ መርኣያ ኸም ዝቐርብ ግበር። ንኣቀራርባ ብዝምልከት ሓሳባት ንምርካብ ናይ ሓምለ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ከምኡውን ናይ ሓምለ 1999 ገጽ 3 ተወከስ። ኣብቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንዴክስ ዝበሃል መወከሲ (እንግሊዝኛ) “ኣቀራርባታት [Presentations]” ኣብ ዝብል ክፋል “ብጽሑፋት እተሰርዐ [List by Publication]” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ተወሳኺ ኣቀራርባታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
15 ደቒቕ:- “ስንኩላን ግን ከኣ ኣፍረይቲ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ናይ 22 ነሓሰ 1990 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 22-3 ዝርከብ “እንታይ ክግበር ይከኣል፧” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ: ካልኦት እንታይ ክገብሩ ኸም ዝኽእሉ ሓሳባት ሃብ።
20 ደቒቕ:- ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ንቓል ኣምላኽ ብዝግባእ ተጠቐመሉ። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣብ ኣገልግሎት ንእንረኽቦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሃናጺ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ክንነግሮ ንደሊ ኢና። ይኹን እምበር: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ምንባብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ውልቀ-ሰብ ነታ ጥቕሲ እቲኣ ኽንገልጸሉን ከነብርሃሉን ኣወዓዕላኣ ኸነረድኦን ኣሎና። በቲ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን (እንግሊዝኛ) ገጽ 154-5: ኣብ ትሕቲ እቲ ብሰያፍ ተጻሒፉ ዘሎ “ሰብኣውያን ገዛእቲ ነቲ ንደቅሰብ ብህጹጽ ዘድልዮም ነገራት ኣየማልኡን እዮም ዘለዉ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝርከብ ጥቕስታት ጌርካ እዚ ብኸመይ ክግበር ከም ዝከኣል ኣርኢ። ድሕሪ እቲ ምይይጥ ሓደ ግቡእ ምድላው ዝገበረ ኣስፋሒ: ንሓንቲ ኻብዘን ጥቕስታት ተጠቒሙ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንዝገብረሉ ሰብ ኣገዛዝኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንዕኡ ብብሕቲ ብኸመይ ከም ዝጠቕሞ ንምሕባር ሓጺር መግለጺ: ቀሊል መረዳእታ: ከምኡውን ሕጽር ዝበለ ኣወዓዕላ ብምሃብ ብኸመይ ብግቡእ ከም ዝጥቀመላ መርኣያ የቕርብ። እቲ ኣስፋሒ ጥቕሲ እናኣንበበ እዩ እቲ መርኣያ ዝጅምር። ድሕሪ እቲ መርኣያ እታ ጥቕሲ ብኸመይ ከም እተገልጸት: ብኸመይ መብርሂ ኸም እተዋህባ: ከምኡውን ኣወዓዕላኣ ብኸመይ ከም ዝነጸረ ጥቐስ። ኵላቶም ንቓል ኣምላኽ ብግቡእ ናይ ምጥቃም ክእለት ከማዕብሉ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን
7 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6 (45)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- ስርዓታት የሆዋ ኽሕልዉ ተለዓዒሎም። መራሒ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-19 ቍጽሪ 11-18 ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ። ንገለ ኻብቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ኣብቲ ዝርርብካ ሓቲትካ: ንጹር መልሲ ሃብ። ቍጽሪ 13 ድሕሪ ምግላጽካ: ካብታ ኣብ ናይ ሰነ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ሕቶ ሳጹን ዝርከብ ብዛዕባ ንቤትኤል ክትበጽሕ ከለኻ ኽትክደኖ ዘለካ ግቡእ ክዳን እተወሰነ ሓሳባት ኣቕርብ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዝበዝሑ በጻሕቲ ጥንቁቓት እኳ እንተዀኑ: ሕጂውን እንተዀነ ናብ ኣኼባታት ክንከይድ ወይ ንቤትኤል ክንበጽሕ ከለና ጅንስ ተኸዲንካ ምምጻእ ዘይግቡእ ምዃኑ ኸነነጽሮ ንደሊ ኢና። ኣብ ቍጽሪ 16 ምስ በጻሕካ: ኣብ ዓድና እውን ከይተረፈ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታትን ሸየጥትን ደቂ ኣንስትዮ ንኣካላተን ብዝግባእ ዘይሽፍን ክዳውንቲ ክኽደና ትጽቢት ከም ዝግበረለን: እዚውን ምስ ስርዓታት የሆዋ ዘይሰማማዕ ምዃኑ ጥቐስ። ምስ ቍጽሪ 18 ብምትሕሓዝ በከዳድና ዝመጸ ኵሎም ሰባት ልዑል ስርዓታት የሆዋ ኽስዕቡ ኣተባብዓዮም።
20 ደቒቕ:- “ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባር።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ቍጽሪ 4 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ነቲ ኣብታ ፕሮክለይመርስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 124 “ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ምግባር” ኣብ ዘርእስቱ ሳጹን ዝርከብ ሓሳባት እውን ኣቕርብ። ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብር ከሎ ዘርኢ መርኣያ ኸም ዘቕርብ ግበር። ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን (እንግሊዝኛ) ገጽ 196-7 ዝርከብ ክልተ ወይ ሰለስተ ጥቕስታት ጌርካ: ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምፍላጡን ምጥቃሙን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ሓብር።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእሊ]
(ናብ 7ይ ገጽ ይቕጽል )
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
(ካብ 2ይ ገጽ ዝቐጸለ)