ነታ ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ተጠቐመላ
እታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ: ሓደስቲ ሰባት ኣብ ሓቂ ዘለዎም ፍልጠት ከምኡውን ንየሆዋን ንማሕበሩን ዘለዎም ሞሳ ንኸዕምቑ እያ ተዳልያ። ንተማሃሮና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህሮም ከሎና: ከም ካልአይቲ መጽሓፍ ኰይና ኸተገልግል ትኽእል እያ። ብዛዕባዚ ናይ ሰነ 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 4 ከምዚ ዝብል መግለጺ ሃበት:- “ሓደ ሰብ ዋላ እውን ቀስ እናበለ ይኹን: ምምሕያሽ ይገብር ምህላዉን ነቲ እተማሃሮ ነገር ዘለዎ ሞሳ ይዓቢ ከም ዘሎን ንጹር እንተድኣ ዀይኑ: ነታ ብሮሹር ብቕዓት ከምኡውን መጽሓፍ ፍልጠት ድሕሪ ምውዳኡ ብኻልእ መጽሓፍ ጽንዓት ቀጽለሉ። . . . ኵሎም ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ቅድም ንብሮሹር ብቕዓት ከምኡውን መጽሓፍ ፍልጠት ከጽንዑ ኣለዎም። ዋላ እውን እቲ ተማሃራይ ነታ ኻልኣይቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምውድኡ እንተ ተጠምቀ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን ነቲ ጽንዓት ንምቕጻል እነሕልፎ ግዜ ጸብጻብ ክወሃበሉ ኣለዎ።”
በታ ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ ምግባር ንኻልኦት ንመን ክጠቅም ይኽእል፧ እዛ ኣብ ላዕሊ ተገሊጻ ዘላ ሕታም እዚኣ ኸምዚ ትብል:- “[በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ከምኡውን] ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ገይሮም ህይወቶም ናብ ምውፋይን ናብ ጥምቀትን ዘይበጽሑ ሰባት ትፈልጥ እንተድኣ ዄንካ: እንደገና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝደልዩ እንተ ዀይኖም ንምሕታት ተበግሶ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።” እምበኣር ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን በታ ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ ጌርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ሰባት ንምርካብ ፍሉይ ጻዕሪ ንግበር።