ሓቂ ብኸመይ ሓራ ኸም እተውጽኣና
1 የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። (ዮሃ. 8:32) ካብቲ ንዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር ብሓፈሻ ዝኽበረሎም ሓርነት ብዛዕባ እትበልጽ ነገር እዩ ዝዛረብ ነይሩ: እዚኣ ኸኣ ሃብታም ኰነ ድኻ: እተማህረ ዀነ ዘይተማህረ: ኰታስ ኵሉ ሰብ ክረኽባ ዝኽእል ሓርነት እያ። የሱስ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ እተውጽእ ሓቂ እዩ ምሂሩ። ከምቲ የሱስ ዝገለጾ “ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ: ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።” (ዮሃ. 8:34) ኵሎም እዙዛት ደቅሰብ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ዝወጹሉ’ እዋንሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሃረርታ እንጽበዮ ዘሎና!—ሮሜ 8:21
2 ብዛዕባ የሱስን ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደን እትገልጽ ሓቂ: ከምዚ ዝዓይነቱ ሓርነት እያ እተምጽእ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዳና ዝኸፈሎ በጅነታዊ መስዋእቲ ፍልጠት ምጥራይ እውን ተጠቓልል። (ሮሜ 3:24) ሕጂውን እንተዀነ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ምስ እንቕበሎን ምስ እንሕልዎን ካብ ፍርሂ: ካብ ተስፋ ምቝራጽ: ከምኡውን ካብ ካልእ ጐዳኢ ልማዳት ብእተወሰነ ደረጃ ሓራ ኽንወጽእ ንኽእል ኢና።
3 ካብ ፍርህን ተስፋ ምቝራጽን ሓራ ምውጻእ:- እከይ ዝሃለወሉ ምኽንያትን ድሕሪ ሓጺር እዋን ካብ ምድሪ ኽጠፍእ ምዃኑን ስለ እንፈልጥ: በዚ ናይ ዓለም ኵነታት ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። (መዝ. 37;10, 11፣ 2 ጢሞ. 3:1፣ ራእ. 12:12) ኣብ ርእሲ እዚ: እታ ሓቂ ኻብቲ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዝምልከት ናይ ሓሶት ትምህርትታት ሓራ ተውጽኣና። ምዉታት ክጐድኡና ኸም ዘይክእሉ: ንዘለኣለም ኣብ ዝሳቐዩሉ ቦታ ኸም ዘየለዉ: ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ናይ መንፈስ ዓለም ምስኡ ክዀኑ ኢሉ ኸም ዘይወሰዶም ንፈልጥ ኢና።—መክ. 9:5፣ ግብ. 24:15
4 እዚ ሓቅታት እዚ ወዶም ብሓደጋ ንዝሞቶም ኣቦን ኣደን ኣጸናኒዕዎም እዩ። ብዛዕባዚ እታ ኣደ ኸምዚ በለት:- “ወድና ብትንሳኤ እንደገና ኽሳዕ እንርእዮ ኣብ ህይወትና ክምላእ ዘይከኣል ሃጓፍ ኣሎ። ስቓይና ግዝያዊ ምዃኑ ግን ንፈልጥ ኢና።”
5 ካብ ጐዳኢ ልማዳት ሓራ ምውጻእ:- ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኣተሓሳስባን ባህርያትን ሓደ ሰብ ክቕይሮ ስለ ዝኽእል: ካብቲ ኽውገድ ዝከኣል ጸገማት ሓራ ይገብሮ። (ኤፌ. 4:20-24) ሓቀኛን ጻዕራምን ምዃን ብእተወሰነ ደረጃ ኻብ ድኽነት የድሕን። (ምሳ. 13:4) ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ፍቕሪ ምንጽብራቕ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ከም ዝመሓየሽ ይገብሮ። (ቈሎ. 3:13, 14) ክርስትያናዊ ርእስነት ምኽባር ነቲ ኣብ ስድራቤት ዝፍጠር ጸገማት ይንክዮ። (ኤፌ. 5:33–6:1) ኣልኮላዊ መስተ ዘይምብዛሕ: ጾታዊ ርኽሰት ዘይምፍጻም: ሽጋራ ዘይምትካኽ: ከምኡውን ሓሽሽ ዘይምውሳድ ንጽቡቕ ጥዕና ኣበርክቶ ይገብር።—ምሳ. 7:21-23፣ 23:29, 30፣ 2 ቈረ. 7:1
6 ሓደ ሰብኣይ ንትሽዓተ ዓመት ዝነበሮ ወልፊ ሓሽሽ ምግዳፍ ኣብይዎ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ መገዲ ምስክርነት እናሃበ ኸሎ ረኸቦ። እቲ ሰብኣይ ጽሑፋት ወሰደ: ኣብ ቤቱ ምብጻሕ ንኽግበረሉ ድማ ቈጸራ ገበሩ። ድሕርዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ክልተ ወርሒ ዝኸውን ጸኒሑ እቲ ሰብኣይ ሓሽሽ ምውሳድ ኣቋረጸ: ንሸሞንተ ወርሒ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባር ከኣ ተጠምቀ። ሓዉን ሰበይቲ ሓዉን ካብቲ ወልፉ ሓራ ወጺኡ ስለ ዝረኣይዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ።
7 ካልኦት ሓራ ንኽወጹ ሓግዞም:- እቶም ዕድሚኦም ምሉእ ብናይ ሓሶት ትምህርትታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ: ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝህቦ ሓርነት ምርድኡ ኸጸግሞም ይኽእል እዩ። እቲ ዝምህሮም ሰብ ልቦም ንምትንካፍ ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብርን ብዝግባእ ክዳሎን ኣለዎ። (2 ጢሞ. 4:2, 5) እዚ ዘሎናዮ ግዜ ‘ንምሩኻት ሓርነት ናይ ምእዋጅ’ ዕዮና እነዛሕትለሉ እዋን ኣይኰነን። (ኢሳ. 61:1) ክርስትያናዊ ሓርነት ክብርቲ እያ። ነዛ ሓርነት እዚኣ ምስ እተጥርያ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ትረክብ።—1 ጢሞ. 4:16