መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ 2002
“ሰባት ዝፈትዉዎ ሰብ ክሞቶም ወይ ክሓሞም ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ‘ኣምላኽ ነዚ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ እዮም። ምናልባት ንስኻውን ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲትካ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣምላኽ ነቶም መከራ ዝወርዶም ኸም ዝድንግጸሎም ይነግረና። [ኢሳይያስ 63:9ሀ ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ንሓሳረ መከራ መወዳእታ ኸም ዝገብረሉ ኽንተኣማመነሉ እንኽእል ምኽንያት ትገልጽ።”
ንቕሑ! ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2002
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻን ግብረ-ሽበራን ብዙሕ ይጭነቑ እዮም። ምናልባት ንስኻውን ምስቲ ኣብ መክብብ 8:9 ዘሎ ቓላት ትሰማማዕ ትኸውን። [ኣንብብ: መልሲ ኸኣ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ብዛዕባ ኻብ ታሪኽ እንረኽቦ ትምህርቲ ትገልጽ: እዚ ዘሎ ኣገባብ ብኸመይ ከም ዝጠፍእ ድማ ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ 2002
“ነዚ ዅሉ ምፍሳስ ደም ኣብ ግምት ብምእታው: እከይ ንሰናይ ዝሰዓሮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል እሞ ርአ። [መዝሙር 83:18ለ ኣንብብ።] ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ካብ ኰነ: ብሓቂዶ እከይ ክዕወት ይኽእል እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ዘዕግብ መልሲ ናይዛ ሕቶ ኽትህበካ እያ።”