ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን:-
ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኽንጽሕፈልኩም ከለና ባህ ይብለና። ፍቕርን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ምንጽብራቕ ስለ ዘየቋረጽኩም ክንንእደኩም ንፈቱ። ኣብ ዓመት መጽሓፍ እንተ ርኢኹም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ተዓሚሙ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሰባት ንየሆዋ ንክቐርብዎ ብቐጥታ ብምትብባዕ ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፍና። መዓይይቲ እቲ ግርማዊ ኣምላኽናን ሰማያዊ ኣቦናን ክንከውንሲ ዓብዪ ኽብሪዶ ኸይኰነ፧—1 ቈረ. 3:9
ነቲ ብሕጂ ዝጽበየና ዘሎ ዕዮ ኽንጥምት ኸሎና: ንቕንኣትን እምነትን ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስዓብ ከም ዘይተቋርጹ ርግጸኛታት ኢና። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ዝከኣሎ ንምግባር ህንጡይ ነበረ። ኣብታ ኣብ ኤፌሶን ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ዓመት ከኣ እዩ ነታ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ጽሒፉ ክኸውን ዘለዎ። “ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ: ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ: ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘውጽኦ መደባት ጠቐሰ።—1 ቈረ. 16:8, 9
ጳውሎስ ናብ መቄዶንያን ቈረንቶስን ክገይሽ መዲቡ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ ኤፌሶን እተወሰነ ግዜ ብምጽናሕ ጠቓሚ ዕዮ ንኽዓዪ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተሉ ኣስተውዓለ። ተዓጻጻፊ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከስፍሓሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ምስ ረኣየ: መደቡ ኣተዓራረየ። ዓብዪን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱሉ ነበረ: ንሱ ድማ ነቲ እተኸፍተሉ ኣጋጣሚ ንኽጥቀመሉ ሃንቀውታ ነበሮ።
ነቲ ብስራት ምስባኽን ንጉባኤ ኤፌሶን ምህናጽን ብዙሕ ዕዮ ዝሓትት እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ኸተማ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዝነበሩ ሽማግለታት ከምዚ በሎም:- “ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ እናመስከርኩ: ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።”—ግብ. 20:20, 21
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን: ሓያሎ ኻባኻትኩም እውን ነቲ እተኸፍተሎም ኣጋጣሚ ተጠቒሞሙሉ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ብገምጋም 798,938 ኣሕዋትን ኣሓትን ኵነታቶም ብምትዕርራይ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተሳቲፎም እዮም። ገሌኻትኩም ሚስዮናውያን ኴንኩም ንምግልጋል ክሳዕ ወሰን ምድሪ ተጓዒዝኩም ኢኹም። ብቕንኣት ብስራት ትእውጁን ጉባኤታት ትሃንጹን ኣለኹም። ገሌኻትኩም ድማ ነቶም ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዝዛረቡ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ተማሂርኩም ኢኹም። ገሌኻትኩም እውን ጉባኤታት ኣብ ዘይተመደባሉ ዞባ ንምግልጋል ወይ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልዩሉ ቦታ ኼድኩም ንምግልጋል ምትዕርራይ ጌርኩም ኢኹም። ንገሊኣቶም ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ከም ናይ ተሌፎን ምስክርነት ዝኣመሰለ ግቡእ ምስክርነት ክወሃበሉ ኣብ ዝኽእል ካልእ ኣጋጣሚታት ዓብዪን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱሎም እዩ። ካብ መላእ ዓለም እተረኽበ ተመክሮታት ከም ዝሕብሮ: መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዝርከቡ ሰባት ፍልጠት ሓቂ ንምክፋል ተጊሆም ኣጋጣሚታት የናድዩን ይረኽቡን ኣለዉ።
የሆዋ ንጻዕርታትኩም ከም ዝርእዮን ኣጸቢቑ ኸም ዘማስወሉን ኣይትጠራጠሩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ብሕጂውን ንጹህ ኣምልኾ ንምስፋሕ ዘኽእለኩም ኣጋጣሚታት ብንቕሓት ተኸታተሉ። ገሌኻትኩም ድማ ኣገልግሎትኩም ከተስፍሑ ትኽእሉ ትዀኑ። ኵላትና ኣገልግሎትና ብዝያዳ ውጽኢታዊ ንክኸውን ክንጽዕር ንኽእል ኢና።
ንኽንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ወትሩ ምጽራር የጋጥሞ ኣሎ። ጳውሎስ ዓብዪን ብርቱዕን ደገ ኸም እተኸፈተሉ ምስ ገለጸ “ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም” ከም ዝበለ ኣይንረስዕ። እዞም ተጻረርቲ ኢሉ ዝጸውዖም ገሊኣቶም ብቐጥታ መጥቃዕቲ ዘውረዱሉ: ገሊኣቶም ከኣ ሰላሕ ኢሎም ውዲት ዝኣለሙሉ ኣይሁድን ኣህዛብን እዮም።—ግብ. 19:24-28፣ 20:18, 19
ንሕናውን ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢና ዘሎና። ናብ ጥፍኣት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን: ዝያዳ ምጽራር ከም ዘጋጥመና ንፈልጥ ኢና። ሰይጣን “ብብርቱዕ ቍጥዓ” ተመሊኡ ኣሎ: ቍጠዓኡ ኸኣ ብፍላይ ኣብቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዘተኰረ እዩ። (ራእ. 12:12) “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ምዃኑውን ኣይንረስዕ። ብዘይካዚ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።”—ዮሃ. 14:30፣ 15:19
ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ወይ ናይ ስብከት ዕዮና ኸዳኽም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ቦታ ኸይንህቦ ቈሪጽና ኢና። ወትሩ ዘጥቅዑናን ውዲት ዝኣልሙልናን ሰባት ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ንሰይጣንን ጭፍራኡን ከም ዝጭፍልቖም ብምትእምማን: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኣይከነቋርጽን ኢና። እቶም ተጻረርቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ስቕ ኣየበልዎን: ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ስቕ ኣይከብልዎምን እዮም። ቍጥዓ ሰይጣንን ጽልኢ ዓለምን ብዘየገድስ: መንፈስ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኣጸቢቑ ይዓዪ ኣሎ። ብዝሒ ናይቶም ነቲ ብስራት ዝሰብኩ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ 6,304,645 ዝበጽሐ ምዃኑ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!
በቲ ተኸፊቱልኩም ዘሎ ኣጋጣሚታት ተጠቒምኩም ብሕጂውን ረብሓታት ናይታ እተደንቕ መንግስቲ የሆዋ ኸተደንፍዑ ጸሎትና እዩ። ኣብ ኣገልግሎት እቲ ልዑል ኣምላኽና የሆዋ ‘ሓቢርና’ ኽንቀውም ከሎና: ብብሕቲ ኸም እንሓልየልኩም ኣይትጠራጠሩ።—ጸፎ. 3:9
ኣሕዋትኩም:
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር