መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትበጽሓሉ እትኽእል መገድታት
1. ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት እዩ ዘለዎም፧
1 ከም ክርስትያን መንእሰይ መጠን: እቲ ኣብ ህይወትካ እተውጽኦ ሸቶታት ንየሆዋ ብዘለካ ፍቕርን በቲ ንዅሎም ክርስትያናት እተዋህበ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ’ ዚምዕድ ቃላት የሱስን ከም ዚጽሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴ. 6:33) ሸቶኻ ፓይነር ኴንካ ወይ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልይሉ ቦታ ኼድካ ኣገልግሎትካ ምስፋሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ መንእሰያት እውን ኣብ ኣህጉራዊ ዕዮ ህንጸት ፍቓደኛ ምዃን: ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ወይ ሚስዮናዊ ዄንካ ወይ ከኣ ኣብቲ ዓየይቲ ዜድልይሉ ዞባ ኼድካ ናይ ምግልጋል ሸቶታት ኣለዎም። እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብልን ዚነኣድን ሸቶታት ኰን እዩ!
2. መንፈሳዊ ሸቶታትካ ንኽትበጽሖ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
2 ነቲ ዘውጻእካዮ መንፈሳዊ ሸቶታት ክትበጽሖ ዚሕግዝ መገዲ: ንሸቶታትካ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር እዩ። ናይ 15 ሓምለ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ትብል:- “ንዘይንጹር ሓሳብና ንምግላጽ ቃላት ምስ እንመርጽ: እቲ ሓሳባትና ንጹር እዩ ዚዀነልና። እምበኣር: . . . ሸቶታትናን ነዚ ንምብጻሕ እንጥቀመሉ ሜላታትን ኣብ ወረቐት ክንጽሕፎ ንደሊ ንኸውን።” ብተወሳኺ: ኣብ ሓጺር ግዜ ኽትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት ምውጻእ: እትገብሮ ዕቤት ንኽትግምግምን ኣብቲ ንነዊሕ-እዋን ዘውጻእካዮ ሸቶታት ንኸተቕልብን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
3. ገለ ኻብቲ ንሓደ ሰብ ኣብ ጥምቀት ንኺበጽሕ ዚሕግዞ ኣብ ሓጺር ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ጥቐስ።
3 ኣብ ሓጺር ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት:- ዘይተጠመቕካ እንተደኣ ዄንካ: ናብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ሕሰብ። ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ክትርድኦ የድልየካ ይኸውን። ከምዚ ንምግባር: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ምስ ኵሉ እቲ ኣብኣ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምዝማድ ከተጽንዓ ሸቶኻ ግበሮ። (1 ጢሞ. 4:15) ከምቲ ቤትኤላውያንን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ዚሕተትዎ: ንብምልእታ መጽሓፍ ቅዱስ ማለት ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ከተንብባ መደብ ኣውጽእ። ብድሕርዚ: ስሩዕ መደብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ይሃልኻ። (መዝ. 1:2, 3) እዚ ብመንፈስ ንኽትዓቢ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሕግዘካ እሞ ሕስብ ኣብሎ! መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ ብጸሎት ጀሚርካ ብጸሎት ዕጾ። ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ድማ ኵሉ ግዜ ጽዓር።—ያእ. 1:25
4. ሓደ ቤትኤላዊ ወይ ሚስዮናዊ ዀይኑ ንምግልጋል ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶ ዘለዎ ክርስትያን: ኪበጽሖ ዘለዎ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታት እንታይ እዩ፧
4 ድሮ እተጠመቕካ እንተደኣ ዄንካኸ እንታይ ካልእ ሸቶታት ክትስዕብ ትኽእል፧ ናይ ምስባኽ ክእለትካ ኸተመሓይሽ የድልየካዶ፧ ንኣብነት: ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኣጠቓቕማ ቓል ኣምላኽ ዝመጸ ኽኢላ ንምዃን ሸቶኻ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ (2 ጢሞ. 2:15) ኣገልግሎትካ ብኸመይ ከተስፍሕ ትኽእል፧ ምስ ዕድሜኻን ኵነታትካን ዚሰማማዕ ኣብ ሓጺር ግዜ ኽትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት ኣውጽእ: እዚ ድማ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶኻ ንኽትበጽሖ ኺሕግዘካ እዩ።
5. ንሓደ ሓው ኣብ ሓጺር ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ምውጻእ: ነቲ ኣብ ቤትኤል ናይ ምግልጋል ሸቶኡ ኺበጽሖ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧
5 ዕዉት ተመክሮ:- ቶኒ ወዲ 19 ዓመት ከሎ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ምስ ገበረ: ኣብ ቤትኤል ናይ ምግልጋል ባህጊ ሓደሮ። እንተዀነ ግን: ፋሉልን ርእሱ ንኣምላኽ ዘይወፈየን እዩ ነይሩ። ቶኒ: ምስ መገድታት የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ወሰነ: ንጥምቀት ብቕዓት ንኺህልዎ ድማ ሸቶ ገበረ። ነዚ ሸቶ እዚ ምስ በጽሖ: ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ፈለማ ሓጋዚ ፓይነር ዝዀነሉ: ጸኒሑ ድማ ስርዓታዊ ፓይነር ዝዀነሉ ዕለት ምልክት ገበረ: በብተራ ድማ ፈጸሞ። ንእተወሰነ እዋን ፓይነር ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ: ኣብ ቤትኤል ኬገልግል ምስ ተዓደመ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ!
6. መንፈሳዊ ሸቶታትካ ንኽትበጽሖ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
6 ንስኻ እውን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተደኣ ደሊኻ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። “ተግባርካ” ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣቕርቦ: ንምብጻሑ ድማ ተጊህካ ጽዓር።—ምሳ. 16:3፣ 21:5