ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
13 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። እዋናዊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ንምብርካት ካብቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ብምውሳድ ፍሉይ መርኣያ ኣቕርብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ነቲ “ብስራሕ ትሑዝ ኢየ” ንዝብል ኰላፊ ዘረባ ከመይ ጌርካ ከም እትምልሰሉ ዘርኢ እተፈላለየ መገድታት ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11-12 ርአ።
20 ደቒቕ:- “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—ንዓበይትን ንኣሽቱን ኣድላዪ ኢዩ።” ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9-12 ካብ ቍጽሪ 6-16 ዘሎ ሓሳባት ብሕቶን መልስን የቕርቦ። ጥቕስታትን ኣገደስቲ ነጥብታትን እናዕረፍካ ኣጕልሕ።
15 ደቒቕ:- ኣብቲ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-21 ዝርከብ “ምጥርጣር ንእምነትካ ከማስና ስቕ ኢልካ ኣይትግደፎ” ዝብል ዓንቀጽ እተመስረተ ዝርርብ።
መዝሙር 23 (200)ን መዕጸዊ ጸሎትን
20 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 1(13)
9 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
18 ደቒቕ:- እቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ሓው “መጽናዕቲ ከም ናይ ኣምልኾ ተግባር” ንዝብል ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15-16 ካብ ቍጽሪ 9-13 እተመስረተ ሓሳባት ብሕቶን መልስን የቕርቦ። ኵሎም ንብሕታዊ መጽናዕትን ናይ ጉባኤ ምድላዋትን ቀዳምነት ንኽህቡ ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- ኣብቲ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9-12 ዝርከብ “ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦም ምብጻሕ” ዝብል ኣርእስቲ እተመርኰሰ ዝርርብ። እዚ ምስ ናይ ጉባኤኻ ዅነታት ኣተሓሒዝካ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ።
መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን
27 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17 (187)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ነቶም ሕማምን ካልእ ጸገማትን ዘለዎም እሞ ከምቲ ዝደለይዎ ገይሮም ከገልግሉ ብዘይምኽኣሎም ጸብጻብ ምሃብ ዝስከፉ ኣስፋሕቲ: እቲ ብዓቕሞም ዝገበርዎ ኣገልግሎት ውሑድ እውን ይኹን ጸብጻብ ክህቡ ኣተባብዓዮም። ካብቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ብምውሳድ: ሓደ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ እዋናዊ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ: ሓደ መንእሰይ ኣስፋሒ ኸኣ እዋናዊ መጽሔት ንቕሑ! ከመይ ገይሮም ከም ዝዕድሉ መርኣያ ኣቕርብ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ኣብቲ ኣቀራርባ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጠቕሰ ርእይቶ ሃብ።
15 ደቒቕ:- “ጉባኤኻ ሰፊሕ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ኣለዋዶ፧” ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ብዝግበር ምይይጥን የቕርቦ። (እተን ሰፊሕ ዞባ ዘይብለን ጉባኤታት ነቲ “ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ” ዝብል ኣብ ናይ ሰነ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ዓንቀጽ ክመያየጣሉ ይኽእላ ኢየን።) እታ ጉባኤ ክንደይ ዝኸውን ዞባ ኸም ዘለዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብኡ ኽንደይ ከም እተሸፈነን ሓብር። እቲ ዝቐርብ ሓሳባት ኣብታ ጉባኤ ብኸመይ ከም ዝትግበር ግለጽ። ካብ መጋቢት ንነጀው ኣብ ዝገበርናዮ ወፍሪ እንታይ ኣሳልጦ ከም እተረኽበን ነቲ ብዙሕ ዘይተዓየ ዞባ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምሽፋን እንታይ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎን ተመያየጠሉ።
18 ደቒቕ:- “ጽንዓት ንምጅማር ነታ ብቕዓት እትብሃል ብሮሹር ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧” (እዚ ኽፍሊ እዚ ክውሰድ ከሎ ኵሎም ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ክሕዙ ኣለዎም።) ኣብ መእተዊኻ ሓደ ብግቡእ እተዳለወ ኣስፋሒ በቲ ኣብ ቍጽሪ 3 ዘሎ ኣብነት ተጠቒሙ ብኸመይ ጽንዓት ከም ዘጀምር መርኣያ ከም ዘቕርብ ግበር። ብድሕርዚ ኻብታ ብሮሹር ሓድሓደ ነጥብታት ኣጕልሕ እሞ እዛ ብሮሹር እዚኣ ጽንዓት ንምጅማር ብግቡእ ከም እተዳለወት ግለጽ። ኣብቲ ናይ ጥሪ 2002 እታው እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣቀራርባታት ምምርማሩ ዘለዎ ረብሓ ኣርኢ። ነቶም ሰማዕቲ ኣስላጢ ዀይኑ ዝረኸብዎ ሓሳባት ክገልጹ ሕተቶም። እቶም ኣብ መእተዊ መርኣያ ዘቕረቡ ኣስፋሕቲ እንደገና ከም ዘቕርቡ ብምግባር ደምድም።
መዝሙር 20 (93)ን መዕጸዊ ጸሎትን
3 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28 (224)
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ኣኮምፕልሽ ኣዋር ሚኒስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 102-3 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ጸብጻብ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ብኸመይ ከም ዝቐርብ ዝዕየየሉ ዘሎ ኣብነት እናጠቐስካ ንሒደት ደቓይቕ ኣብርህ። ኣስፋሕቲ ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ወይ ግንቦት ሓገዝቲ ፓይነራት ወይ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋሎም ዝረኸብዎ በረኸታት ከዘንትዉ ኣቐዲምካ ንገሮም።
15 ደቒቕ:- መጽሓፍ ምምርማር ንኻልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት እትጥቀመሉ መገዲ። ብናይ ሰማዕቲ ምይይጥ እተሰነየ ሕጽር ዝበለ ዝርርብ። ካብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) እቲ ኣብ ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዘሎ ብምንባብ: ኣብ ኣገልግሎትና ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይን ብኸመይን ኣዘውቲርና ክንጥቀመሉ ኸም ዘሎና ግለጽ። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ናይ እተፈላለየ መጽሓፍ ቅዱሳት ዝርዝር ሓጺር ኣጸሓሕፋ ሓብር እሞ ካብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እንጠቕሰሉ ምኽንያት ግለጽ። ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 ቍጽሪ 2 ከምኡውን ገጽ 20 ቍጽሪ 15 ተጠቒሱ ዘሎ መዘኻኸሪታት ተመያየጠሉ። ሰማዕቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምምርማር ዘሎ “እናተተክኡ ዝመጹ ሃዋርያት” (“Apostolic Succession”): “ምስልታት” (“Images”): ከምኡውን “ስላሴ” (“Trinity”) ዝብል ኣርእስትታት ተጠቒሞም: እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ምንጽጻር ፍልጠት ሓቂ ንምምሃር ክሳዕ ክንደይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል መብርሂ ኽህቡ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- “እምነትና ንሰናይ ግብሪ ትድርኸና።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ቍጽሪ 2 ምይይጥ ክትገብር ከሎኻ ንሓደ መንፈሳዊ ቕንኢ ዘለዎ ሓው (ወይ ሓብቲ) ኣሕጽር ኣቢልካ ቃለ-መጠይቕ ግበረሉ። ንኻልኦት ሰባት ምስክርነት ብምሃቡ እምነቱ ንምግላጽን ንምድልዳልን ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ይግለጽ።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን