ብመንፈስ ድልዱላት ስድራቤታት—ብኸመይ፧
1 ክርስትያን ስድራቤታት ‘ኣብ ስድራቤት ፍርሃት እግዚኣብሄር ብምርኣይ’ ዝመጸ ይንኣዳ ኢየን። (1 ጢሞ. 5:4) ይኹን እምበር: ኣብ ከባቢና ንእምነትና ኸዳኽም ዝኽእል ብዙሕ ሕማቕ ጽልዋታት ስለ ዘሎ: ስድራቤታት ብመንፈስ ድልዱላት ኰይነን ንኽቕጽላ ኣበርቲዐን ክዓያ ኣለወን። ነዚ ብኸመይ ክገብርኦ ይኽእላ፧
2 ንርእስነትኩም ከም ናይ ክርስቶስ ተጠቐሙሉ:- ርእስታት ስድራቤት ንስድራቤቶም ኣብ ምድልዳል ዘለዎም ሓላፍነት ክፍጽሙ ኸለዉ ንየሱስ ክርስቶስ ክመስልዎ ኣለዎም። የሱስ መስዋእታዊ ሞት ብሙማት ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ሓንሳእ ገሊጹልና ጥራይ ዘይኰነስ: ብቐጻሊ ንማሕበሩ ‘ይምግባን ይከናኸናን’ ኢዩ። (ኤፌ. 5:25-29) ፈቃራት ወለዲ ነዚ ኣብነት እዚ ብምስዓብ ንስድራቤቶም ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ይሓልዩሎም ኢዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ሰሰሙን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዓሚቝ መንፈሳዊ ምይይጥ ምግባር: ከምኡውን ጸገማት ክፍጠር ከሎ ኣቓልቦ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ።—ዘዳ. 6:6, 7
3 ኣብ ግራት ኣገልግሎት:- ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ምስባኽ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾና ምዃኑ ኽግንዘብዎ ኣለዎም። (ኢሳ. 43:10-12) ወለዲ ዘበልኩም ውሉዳትኩም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ክዀኑ ትደልዩ እንተደኣ ዄንኩም: ካብ ንእስነቶም ኣትሒዝኩም ኣልባቦም ንኣገልግሎት ከተዳልዉዎ ይግባእ። ኣብ ኣገልግሎት ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ንምንታይ ከም ዘድልን ኣብ ሰሰሙን ከነገልግል ዘድለየሉ ምኽንያትን ግለጹሎም። (ማቴ. 22:37-39) ድሕሪኡ ወትሩ ምሳኹም ንኸገልግሉ ምድላዋት ግበሩ።
4 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣስላጢ ኣቀራርባ ንምድላውን ንምልምማድን ግዜ ብምምዳብ ኣገዳስነት ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ንኽግንዘብዎ ሓግዝዎም። ንደቅኹም ከከም ዕድሚኦምን ክእለቶምን ዕቤት ክገብሩ ብምሕጋዝ በብውልቂ ኣብ ኣገልግሎት ኣሰልጥንዎም። ብሓባር ኣገልግሎት ድሕሪ ምኻድ ሕያውነት የሆዋ ኸመይ ከም ዝረኸብዎ ኣመያይጥዎም። እምነት ዘደልድል ተመክሮታት ኣዘንትዉሎም። ስድራቤታት ‘እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ዝያዳ ብዝጠዓምኦ መጠን:’ “ንዅሉ ኽፍኣት” ብምቅዋም ናብ የሆዋ ዝያዳ ይቐርባ ኢየን።—1 ጴጥ. 2:1-3
5 ኣብ ኣኼባታት:- ኣባላት ስድራቤት ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምእንቲ ኽካፈሉ ብፍላይ ሓደ ኻባታቶም ክደክም: ተስፋ ክቘርጽ: ወይ ጸቕጢ ኽበዝሖ ኸሎ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙስ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ “ኣቦይ ካብ ስራሕ ደኺሙ ኢዩ ዝመጽእ። እንተዀነ ግን: በታ ምሸት እቲኣ ኣብ ጉባኤ እንወስዶ ጽቡቕ ነጥብታት ብምንጋር ኣኼባ ክኸይድ አተባብዖ። ኣነ ኽደክም ከለኹ ኸኣ ንሱ የተባብዓኒ ኢዩ” በለት።—እብ. 10:24, 25
6 ብሓባር ምዕያይ:- ኣባላት ስድራቤታት ከም ዋኒን ገዛ ዝኣመሰለ ነገራት ብሓባር ክዓያ ኣለወን። ብግቡእ እተመርጸ ምዝንጋዕ ንምግባር እውን ግዜ ኽምደብ ኣለዎ። ዙረት: ጸወታ: ከምኡውን ኣዝማድ ወይ ኣዕሩኽ ምብጻሕ ዘሐጕስ መዘናግዒ ክኸውንን ባህ ዘብል ተዘክሮታት ክሓድግን ይኽእል ኢዩ።—መክ. 3:4
7 ጽኑዓት ክርስትያን ስድራቤታት ኣብ መዓልታዊ ናብርአን ኣብ መንፈሳውነተን ንዘጋጥም ብድሆታት ይዋጽኣሉ ኢየን። ናብ የሆዋ ብዝያዳ ብምቕራብ: እቲ ንሱ ዝህቦ ሓይሊ ይረኽባ ኢየን።—ኤፌ. 6:10