ስድራቤታት: ንኣምላኽ ከም ክፍሊ ጉባኤኡ መጠን ወድሳኦ
“ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።”—መዝሙር 26:12
1. ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ገዛ እንገብሮ መጽናዕትን ጸሎትን ካልእ ኣገዳሲ ክፍሊ ኣምልኾና እንታይ ኢዩ፧
ንየሆዋ ምምላኽ ኣብ ቤት ዝግበር ጸሎትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ጥራይ ዘይኰነስ ከም ክፍሊ ጉባኤ ኣምላኽ ኴንካ ዝግበር ንጥፈታት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ጥንታዎት እስራኤላውያን ብመገድታቱ ንምምልላስ ዝሕግዞም ሕጊ ኣምላኽ ምእንቲ ክማሃሩ ‘ነቲ ህዝቢ: ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ክእክብዎም’ ተኣዚዞም ኢዮም። (ዘዳግም 31:12፣ እያሱ 8:35) ዓበይትን ‘ንኣሽቱን ጐራዙትን’ ንስም የሆዋ ኣብ ምውዳስ ክካፈሉ ተተባቢዖም ኢዮም። (መዝሙር 148:12,13) እዚ መደባት እዚ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ዝውዕል ኢዩ። ኣብተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ኣደራሻት መንግስቲ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብቲ ንሰማዕቲ ዝወሃብ ክፍልታት ብናጻ ይዋስኡ: መብዛሕትኦም ድማ ኣብኡ ግደ ብምርካቦም ኣዝዮም ሕጕሳት ኢዮም።—እብራውያን 10:23-25
2. (ሀ) ምድላው: እቶም ቈልዑ ንኣኼባታት ከም ዝሕጐስሉ ንምግባር ዝሕግዝ ቀንዲ ረቛሒ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መን ኣብነት ኢዩ ኣገዳሲ ዝኸውን፧
2 ንንኣሽቱ ምስቲ ጽቡቕ ልምዲ ዝዀነ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ከተለማምዶም በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘይከሓድ ኢዩ። ገለ ካብቶም ምስ ወለዶም ዝእከቡ ቈልዑ ነቲ ኣኼባታት ዘይሕጐስሉ እንተድኣ መሲሎም: እቲ ሽግር እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧ ርግጽ ኢዩ: መብዛሕትኦም ቈልዑ ሓጺር ናይ ምቕላብ ክእለት ስለ ዘለዎም ብቐሊሉ ኢዩ ዝስልችዎም። ምድላው ነዚ ግድል እዚ ክፈትሖ ይኽእል ኢዩ። ቈልዑ እንተ ዘይተዳልዮም ኣብ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። (ምሳሌ 15:23) ዘይዳለዉ እንተድኣ ዀይኖም ዕግበት ከምጽእ ዝኽእል መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ከጸግሞም ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:12,15) እንታይ ክግበር ምተኻእለ፧ መጀመርታ እቶም ወለዲ ንገዛእ ርእሶም ዝዳለዉ እንተ ዀይኖም ንነብሶም ክውከሱዋ ኣለዎም። ኣብነቶም ብርቱዕ ጽልዋ ኢዩ ዘሕድር። (ሉቃስ 6:40) ካልእ ኣገዳሲ ነገር ከኣ ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ጥንቃቐ ዝመልኦ መደብ ምውጻእ ኢዩ።
ንልቢ ምህናጽ
3. ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ኣልባብ ንምህናጽ ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ምግባር ይሓትት፧
3 ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣእምሮ ብፍልጠት ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ ኣልባብ ንምህናጽ እውን ክውዕል ኣለዎ። እዚ ድማ ኣባላት ስድራቤት ንዘጋጥሞም ግድላት ፈሊጥካ ንነፍሲ ወከፎም ፍቕራዊ ሓልዮት ምግባር ዝሓትት ኢዩ። የሆዋ “ልቢ ዝምርምር” ኢዩ።—1 ዜና መዋእል 29:17
4. (ሀ) ‘ልቢ ዘይብሉ’ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ‘ልቢ ምጥራይ’ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
4 የሆዋ ኣልባብ ደቅና ክምርምር ከሎ እንታይ ኢዩ ዝረክብ፧ መብዛሕትኦም ንኣምላኽ ከም ዘፍቅርዎ ይዛረቡ ኢዮም: እዚ ድማ ዝነኣድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ወይ ከኣ ሓደ ሓድሽ ብዛዕባ የሆዋ ዝማሃር ዘሎ ሰብ ብመገድታት የሆዋ ዝመጸ ብዙሕ ተመክሮ የብሉን። ተመክሮ ስለ ዘይብሉ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ‘ልቢ ዘይብሉ’ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ኵሉ ድራኸታቱ ሕማቕ ከይከውን ይኽእል: ይኹን እምበር ንልቢ ሓደ ሰብ ምስቲ ንኣምላኽ ከሐጕስ ዝኽእል ኵነታት ንኸተሰማምዖ ግዜ ይወስድ ኢዩ። እዚ ድማ ዘይፍጹማት ደቅሰብ ክበጽሕዎ ብዝኽእሉ ደረጃ: ንናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባ: ባህግታት: ፍትወታት: ስምዒታትን ሸቶታትን ምስቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ ህይወት ከም ዝሰማማዕ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ ሰብ ብኣምላኻዊ መገዲ ከምዚ ዝበለ ውሽጣዊ ቅርጺ ምስ ዝሕዝ ‘ልቦና ኢዩ ዘጥሪ’ ዘሎ።—ምሳሌ 9:4 NW ፣ 19:8
5, 6. ወለዲ ንደቆም ‘ልቦና ከጥርዩ’ ብኸመይ ክሕግዝዎም ምኸኣሉ፧
5 ወለዲ: ደቆም ‘ልቢ ንኸጥርዩ’ ክሕግዝዎም ይኽእሉዶ፧ ሓቂ ኢዩ: ሓደ እኳ ይኹን ኣብ ልቢ ናይ ካልእ ሰብ ሰናይ ድራኸ ከእቱ ኣይክእልን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍና ናጻ ድሌት ተዋሂቡና ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብቲ እንሓስቦ ሓሳብ እተመርኰሰ ኢዩ። ይኹን እምበር: ወለዲ ብምስትውዓል ንደቆም ሓሳባቶም ከም ዝገልጹ ክገብርዎም: በዚ ኸምዚ ኣብ ልቢ ደቆም እንታይ ከም ዘሎን እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ክፈልጡ ይኽእሉ። ‘ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልካ፧’ ‘ብሓቂ እንታይ ክትገብር ኢኻ እትደሊ፧’ ዝኣመሰለ ሕቶታት ተጠቐም። ድሕሪኡ: ብትዕግስቲ ስምዓዮም። ኣይትቈጥዓዮም። (ምሳሌ 20:5) ልቦም ክትረኽቦ እንተድኣ ደሊኻ ሕያውነትን ምርድዳእን ፍቕርን ዘለዎ ሃዋሁ ኣድላዪ ኢዩ።
6 ጥዑይ ዝንባለታት ከም ዝህሉ ንምግባር ኵሉ ግዜ ነተን ፍረ መንፈስ በብሓንቲ ተመያየጡለን ከም ስድራቤት ኴንኩም ንኽትኵስኩስወን ከኣ ሓቢርኩም ዕየዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ምስ የሆዋን ምስ የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ከም ዝህልዎም ግበሩ: እዚ ድማ ከነፍቅሮም ኣሎና ብምባል ጥራይ ዘይኰነስ ስለምንታይ ከነፍቅሮም ከም ዘሎና ዝገልጽ ምኽንያታት ከምኡውን ነዚ ፍቕሪ እዚ ብኸመይ ከነንጸባርቖ ከም እንኽእል ብምምይያጥ ክኸውን ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ነቲ ብእኡ ዝርከብ ረብሓታት ብምጕላሕ ቅኑዕ ናይ ምግባር ባህጊ ኣሕድረሎም። እኩይ ኣተሓሳስባ: ዘረባ: ጠባይ ዘምጽኦ ሳዕቤን ብምምይያጥ ነዚ ባህርያት እዚ ናይ ምርሓቕ ባህጊ ኣሕድረሎም። (ኣሞጽ 5:15፣ 3 ዮሃንስ 11) ሓሳባት: ዘረባ: ጠባይ—ጽቡቕ ይኹን ክፉእ—ንሓደ ሰብ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብኸመይ ከም ዝትንክፎ ግለጸሎም።
7. ውሉዳት ንዘጋጥሞም ግድላት ንኽዋጽእሉን ምስ የሆዋ ዘቀራርቦም ውሳነ ንኽገብሩን ብኸመይ ክሕገዙ ምተኻእለ፧
7 ሓደ ቘልዓ ግድል እንተድኣ ኣጋጢምዎ ወይ ከኣ ሓደ ኣገዳሲ ውሳነ ክገብር ምስ ዘድልዮ: ከምዚ ኢልና ክንሓቶ ንኽእል:- ‘የሆዋ ነዚ ብኸመይ ይርእዮ ኢልካ ትሓስብ፧ ከምኡ ንኽትብል ዝደረኸካ እንታይ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ የሆዋ እተማሃርካዮ ኢዩ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሊኻዶ ትፈልጥ፧’ ከምዚ ዝበለ ምክትታል ብእተኻእለ መጠን ኣቐዲምካ ምጅማሩ: ደቅኻ ኵሉ ግዜ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዎ ኢሎም ክጽዕሩ ክድርኾም ኢዩ። ምስ የሆዋ ጥብቂ ዝዀነ ብሕታዊ ርክብ እናኣማዕበሉ ምስ ከዱ ድማ ብመገድታቱ ምምልላስ ሓጐስ ከምጽኣሎም ኢዩ። (መዝሙር 119:34, 35) እዚ ድማ ነቲ ምስ ጉባኤ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኽሓብሩ ረኺቦምዎ ዘለዉ መሰል ከም ዘማስውሉ ክገብሮም ኢዩ።
ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላው
8. (ሀ) ንዅሉ እቲ ቈላሕታ ዘድልዮ ነገራት ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ንኸነማልኦ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዚ መጽናዕቲ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ፧
8 ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ቈላሕታ ዘድልዮ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዘሎ። ነዚ ዅሉ ብኸመይ ኢኻ ከተማልኦ እትኽእል፧ ንዅሉ ነገራት ብሓደ ግዜ ክትፍጽሞ ስለ ዘይከኣል ናይቲ ክትገብሮ ዘድልየካ ነገራት ዝርዝር ምጽሓፍ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 21:5) በብግዚኡ ነዚ ዝርዝር እዚ እናርኣኻ ነቲ ብፍላይ ቈላሕታ ዘድልዮ ኣተኵረሉ። ኣብ ዕቤት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ዓሚቝ ተገዳስነት ኣርኢ። እዚ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ እዚ: ኣብ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ዓቢ ግደ ኢዩ ዘለዎ: ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን የዳልወና።—1 ጢሞቴዎስ 4:8
9. ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ንኣኼባታት ምድላው ዝምልከት በብቝሩብ እንዓየሉ እንታይ ሸቶታት ኢና ክንገብር እንኽእል፧
9 ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላው እውን ዝሓቍፍ ድዩ፧ ሓቢርኩም ከተጽንዑ ከሎኹም በብግዜኡ ክትዓይሉ እትደልዩ መደባት ክህልወኩም ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብዚ ድማ ሰሙናት: ኣዋርሕ: አረ ዓመታት እውን ከይተረፈ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል። ነዚ ዝስዕብ ሸቶታት ኣብ ግምት ኣእትውዎ:- (1) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት መልሲ ንምሃብ ክዳሎ፣ (2) ብናይ ገዛእ ርእሱ ቓላት ገይሩ መልሲ ንምሃብ ክጽዕር፣ (3) መልሲ ክህብ ከሎ ጥቕሲ ክጠቅስ ከምኡውን (4) ነቲ ጽሑፍ ብብሕቱ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብዝብል ዕላማ ምርምር ክገብር። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ሓደ ሰብ ንሓቂ ናቱ ክገብራ ይሕግዞ።—መዝሙር 25:4, 5
10. (ሀ) ንነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትና ብኸመይ ቈላሕታ ክንገብረሉ ምኸኣልና፧ (ለ) እዚ ጠቓሚ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዘተኰረ እኳ እንተዀነ: ንጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኰነ ብስድራቤት መልክዕ ምድላው ኣድላዪ ምዃኑ ዕሽሽ ኣይትበልዎ። እዚ ኣኼባታት እዚ እውን ኣድላዪ ክፍሊ ናይቲ ብመገድታት የሆዋ ንኽንመላለስ ዝምህረና ፕሮግራም ኢዩ። ነቲ ኣኼባታት ብስድራቤት ደረጃ ስርዓታውያን ኴንኩም በብግዜኡ ክትዳለውሉ ትኽእሉ ትዀኑ። ሓቢርኩም ብምዕያይኩም ናይ ምጽናዕ ክእለትኩም ክመሓየሽ ይኽእል ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ካብቲ ኣኼባታት እውን ከይተረፈ ብዙሕ ሰናይ ፍረ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ርእሲ እቲ ብዛዕባ ካልእ ነገራት እትገብርዎ ምምይያጥ: ነዚ ኣኼባታት እዚ ምድላው ዘለዎ ጥቕምን ንዕኡ ተባሂሉ እተፈለየ ውሱን ግዜ ምምዳብን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ተመያየጥሉ።—ኤፌሶን 5:15-17
11, 12. ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዝዝመር መዝሙራት ምድላው ብኸመይ ክጠቕመና ይኽእል: እዚኸ ብኸመይ ክግበር ምተኻእለ፧
11 ኣብቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ዓቢ ኣኼባ: ንኻልእ መዳይ ናይ ኣኼባታትና እውን ክንዳለወሉ ከም ዘሎና ምትብባዕ ተዋሂቡና ኢዩ: እዚ ድማ መዝሙር ኢዩ። ነዚ ክትዓዩሉዶ ጸኒሕኩም፧ ከምዚ ምግባር ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ንኽቕረጽ ይሕግዝ: ምስናይዚ እውን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምእካብ ንእንረኽቦ ሓጐስ ይውስኸሉ።
12 ኣብ ምድላውና ቃላት ናይቲ ኣብ ፕሮግራም ወጺኡ ዘሎ መዝሙራት እናንበብና ትርጕሙ ምስ እንመያየጠሉ ካብ ልቢ ተለዓዒልና ንኽንዝምር ከኽእለና ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ኣብ ኣምልኾ ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ኣብ ኵሉ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 25:1፣ መዝሙር 28:7) ካብ ስድራቤትካ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ዝጥቀም ሰብ ኣሎዶ፧ ነቲ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ንዝዝመር መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምልምማድን ብስድራቤት ሓቢርኩም ንምዝማርን ዘይትጥቀምሉ፧ ካልእ ኣማራጺ ድማ ነቲ ኣብ ካሴት እተመልአ መዝሙራት ምጥቃም ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋትና ብዘይ ናይ ሙዚቃ ሓገዝ ጽቡቕ ገይሮም ይዝምሩ። ነቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክዝመር እተመደበ መዝሙራት: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መገዲ እናኸዱ ወይ ኣብ ግራውቶም እናዓየዩ ብምዝማር የስተማቕርዎ ኢዮም።—ኤፌሶን 5:19
ንግራት ኣገልግሎት ዝግበር ናይ ስድራቤት ምድላው
13, 14. ልብና ንግራት ኣገልግሎት ከም ዝዳሎ ዝገብር ናይ ስድራቤት ምምይያጥ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ምምስካር: ኣገዳሲ ክፍሊ ህይወትና ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:10-12፣ ማቴዎስ 24:14) ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ነዚ ዕዮ እዚ ኣዚና ኢና እንሕጐሰሉ: እንተድኣ ተዳሊና ድማ ብዙሕ ሰናይ ፍረ ንዓጽድ። ነዚ ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ብኸመይ ኢና ክንገብሮ እንኽእል፧
14 ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኣምልኾና እተተሓሓዘ ነገራት ንልብና ከነዳልዎ ኣድላዪ ኢዩ። እንታይ ከም እንገብር ጥራይ ዘይኰነስ ስለምንታይ ከም እንገብሮ እውን ክንመያየጠሉ ከድልየና ኢዩ። ኣብ መዓልትታት ንጉስ ዮሳፋጥ: እቶም ህዝቢ ብመለኮታዊ ሕጊ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ልቦም . . . ኣየቕንዑን” ይብለና። እዚ ድማ ናብቲ ካብ ሓቀኛ ኣምልኾ ከዘንብሎም ዝኽእል መስድዒታት ከም ዝቃልዑ ገበሮም። (2 ዜና መዋእል 20:33፣ 21:11) ሸቶና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ሰዓታት ንምምዝጋብ ወይ መጽሔት ንምዕዳል ጥራይ ኣይኰነን። ኣገልግሎትና ንየሆዋን ነቶም ህይወት ናይ ምምራጽ ኣጋጣሚ ክወሃቡ ዘድልዮም ሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ንምግላጽ ክኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 13:15) ነዚ ኣገልግሎት እዚ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ኴንና ኢና እንዓዮ። (1 ቈረንቶስ 3:9) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከሎና: ምስቶም ቅዱሳት መላእኽቲ ንሓብር ኢና። (ራእይ 14:6, 7) ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዘሎና ሞሳ ከነዕብየሉ እንኽእል ካብቲ ሰሙናዊ መጽናዕትና ወይ ከኣ ካብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ዝሰማማዕ ጥቕሲ ክንመያየጥ ከሎና እንገብሮ ናይ ስድራቤት ምምይያጥ ንላዕሊ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኣበይ ክህሉ ይኽእል!
15. ብስድራቤት ሓቢርና ንግራት ኣገልግሎት መዓስ ክንዳሎ ምኸኣልና፧
15 ንኣባላት ስድራቤትካ ነቲ ሰሙናዊ ግራት ኣገልግሎት ንኸተዳልዎም ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም በብግዜኡ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧ ከምዚ ምግባር ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ንኣገልግሎቶም ትርጕም ዘለዎን ውጽኢታውን ንኽገብርዎ ክሕግዞም ይኽእል። ሓድሓደ እዋን: ንብምሉኡ እቲ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ነዚ ምድላው እዚ ክትምድቦ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እዋን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣብቲ መወዳእታ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዘሎ ካልእ ግዜያት ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት መዳያት ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ።
16. ጥቕሚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ቍጽሪ እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ስጕምትታት ተመያየጥሉ።
16 እቲ ናይ ስድራቤት እዋናት ኣብዚ ዝስዕብ እተፈላለየ መዳያት ዘተኰረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:- (1) ኣጋጣሚ እንተድኣ ተረኺቡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ሓደ ጥቕሲ ብምንባብ ግቡእ ምልምማድ እተገብረሉ ኣቀራርባ ኣዳሉ። (2) እንተ ተኻኢሉ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ዘይተበላሸወ ናይ ግራት ኣገልግሎት ቦርሳ: መጽሓፍ ቅዱስ: ወረቐት: ብርዒ ወይ ርሳስ: ትራክትን ካልእ ጽሑፋትን ከም ዝህልዎ ምግባር። እቲ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳ ጽሩይ ድኣ እምበር ግድን ክቡር ዝዋግኡ ክኸውን ኣየድልን ኢዩ። (3) ኣበይን ብኸመይን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክግበር ከም ዘለዎ ተመያየጡ። ንዅሉ እዚ መምርሒ እዚ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ሓቢርኩም ኣብ እትዓይሉ እዋናት ተኸታተሎ። ሓጋዚ ርእይቶታት ሃብ: ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ነገራት ኣይትምዓድ።
17, 18. (ሀ) ግራት ኣገልግሎትና ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ንምግባር እንታይ ዓይነት ናይ ስድራቤት ምድላው ኢዩ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል፧ (ለ) ኣየናይ መዳይ ናይዚ ምድላው እዚ ኢዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክግበር ዝኽእል፧
17 እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ዕዮ: ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ከኣ ካብ ስብከት ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣመሃህራ እውን ይሓትት ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ስሉጣት ምእንቲ ክትኰኑ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ብኸመይ ክሕግዘኩም ይኽእል፧
18 ብስድራቤት ኴንኩም ንመነመን ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብርሎም ዝሓሸ ምዃኑ ተመያየጡሉ። ገሊኣቶም ጽሑፋት ተቐቢሎም: ገሊኦም ከኣ ሰሚዖም ጥራይ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እተገብረ ዕዮ ወይ ከኣ ኣብ ዕዳጋ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብእተገብረ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ተረኺቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ቃል ኣምላኽ ክመርሓኩም ኣፍቅዱሉ። (መዝሙር 25:9፣ ህዝቅኤል 9:4) ነፍሲ ወከፍኩም ኣብታ ሰሙን እቲኣ ንመን ክበጽሕ ከም ዝደሊ ወስኑ። ብዛዕባ እንታይከ ኢኹም ክትዘራረቡ፧ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ንኽዳሎ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት እተካፍልዎም ውሱን ጥቕስታትን ካብታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ወይ ካብ መጽሓፍ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝረኸብኩምዎ ዝሰማማዕ ነጥብታትን መዘኻኸሪታት ሓዙ። ኣብ ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብዙሕ ንምዝራብ ኣይትፈትኑ። ክትፈላለዩ ከሎኹም ነቲ በዓል ቤት ኣብቲ ዝቕጽል ምብጻሕ ዝምለስ ሕቶ ሕተትዎ። ነፍሲ ወከፍ ንመን ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብረሉ ከም ዘለዎ: መዓስ ክገብሮ ከም ዘለዎ: እንታይ ክዓምም ከም ዝደሊ ውጥን ንምውጻእ ክፍሊ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ዘይትገብርዎ፧ እዚ ምግባር እታ ስድራቤት ብምልእታ እትገብሮ ግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ንኽኸውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
ብቐጻሊ መገድታት የሆዋ ምሃርዎም
19. ኣባላት ስድራቤት ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ ምእንቲ ክቕጽሉ እንታይ የድልዮም: ነዚ ዝሕግዝከ እንታይ ኢዩ፧
19 ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ርእሲ ስድራቤት ምዃን በዳሂ ኢዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን መንፈሳውነት ኣገልገልቲ የሆዋ ንምብልሻው ይጽዕሩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:8) ብዘይካዚውን: ሎሚ ኣብቶም ወለዲ ዘበልኩም ብፍላይ እኳ ኣብቶም ንጽል ዝዀንኩም ወለዲ ብዙሕ ጸቕጥታት ኢዩ ዘሎ። ንዅሉ እቲ ክትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ንምፍጻም ዝኣኽለኩም ግዜ ክትረኽቡ ኣጸጋሚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብዚ እተዋህበ ርእይቶታት ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ክትፍጽሙ እንተድኣ ክኢልኩም እሞ በብቝሩብ ድማ ነቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም እናመሓየሽኩሞ እንተድኣ ኬድኩም እቲ እትረኽብዎ ዓስቢ ብዙሕ ኢዩ። እቶም ምሳኹም ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ሰባት ብተኣማንነት ብመገድታት የሆዋ ክመላለሱ ከለዉ ምርኣይ ዘሐጕስ ዓስቢ ኢዩ። ኣባላት ስድራቤት ብመገድታት የሆዋ ብዓወት ምእንቲ ክመላለሱ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምክፋልን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምስታፍን ሓጐስ ክረኽቡ የድልዮም። ነዚ ሓጐስ እዚ ንምርካብ ግን ምድላው ይሓትት። እዚ ኸኣ ንልቢ ዝሃንጽን ነፍሲ ወከፍ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ንምግባር ዘዕጥቖን ምድላው ክኸውን ኣለዎ።
20. ወለዲ ነቲ ኣብ 3 ዮሃንስ 4 ተገሊጹ ዘሎ ሓጐስ ከስተማቕርዎ ብዝያዳ ክሕግዞም ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
20 ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ዝሓገዞም ክዛረብ ከሎ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ብምባል ጸሓፈ። (3 ዮሃንስ 4) ኣብ ኣእምሮኻ ንጹር ሸቶታት ብምሓዝ ዝምራሕ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ከምኡውን ድሌት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ንምምላእ ብሕያውነትን ሓጋዚ ብዝዀነ ኣገባብን ዝሓሊ ርእሲ ዘለወን ስድራቤታት ከምዚ ዝበለ ሓጐስ ክረኽባ ይኽእላ ኢየን። ወለዲ ንውሉዳቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ዘለዎም ሞሳ ብምዅስኳስ: ነቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንኸስተማቕርዎ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም።—መዝሙር 19:7-11
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላው ንደቅና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ወለዲ ንደቆም ‘ልቦና ንኸጥርዩ’ ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ፧
◻ ናይ ስድራቤት መጽናዕትና ንዅሉ ኣኼባታት ንምድላው ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧
◻ ከም ስድራቤት መጠን ንግራት ኣገልግሎት ምድላው: ዝያዳ ኣስለጥቲ ንኽንከውን ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላው ዘጠቓልል እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዝዝመር መዝሙር ኣቐዲምካ ምልምማድ ጠቓሚ ኢዩ