ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
ካብ 7 ጥሪ ክሳዕ 22 ሚያዝያ 2002 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ንዝዋሃብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት መጽሓፍ ከይገንጸልካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ ናይቲ ጽሑፋዊ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሐበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ:-
1. ኣብ መክብብ 2:2 ሰሎሞን ሰሓቕን ታሕጓስን ክውገድ ከም ዘለዎ ኢዩ ገሊጹ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w87 15/9 (እንግሊዝኛ) ገጽ 24 ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ።]
2. መጽሓፍ መክብብ ኣሉታዊ መልእኽቲ እተመሓላልፍ መጽሓፍ ዘይኰነትስ: ናይ መለኮታዊ ጥበብ ክቡር ሓቅታት ብብዝሒ ዝርከባን ንኣምላኽ ዕሽሽ ዝብልዎ ሰባት ድማ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘለዉ እትገልጽን ኢያ። [si ገጽ 114 ቍ. 15]
3. ኣብ ኢሳይያስ 1:7 እቲ ነብዪ ነቲ ኣሃዝ ነጊሱሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዘጋጠመ ናይ ይሁዳ ምብዳም ኢዩ ጠቒሱ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 (እንግሊዝኛ) ገጽ 17 ቍ. 16 ርአ።]
4. እቶም ኣብ ራእይ 7:9 “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ተባሂሉሎም ዘሎ ኣብ ሰማይ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዘመልክት። [rs ገጽ 167 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
5. ብዘሎና ዅሉ ማለት ብግዜና: ክእለትና: ጕልበትና: ከምኡውን ብጥሪትና ‘ንእግዚኣብሄር ምስ እነኽብሮ:’ ካብኡ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ንረክብ ኢና። (ምሳ. 3:9, 10) [w00 15/1 ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
6. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 28:21 ብትንቢት እተነግረሉ ‘መስተንክር ዕዮን ዘደንቕ ተግባርን’ ነቲ ኣህዛብ ብኣርማጌዶን ዝጠፍእሉ ዅነት ኢዩ ዘመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 295 ቍ. 16፣ ገጽ 301 ቍ. 28 ርአ።]
7. ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:38, 39 ተጠቒሱ ዘሎ: ምብላዕን ምስታይን ካልእ ደቅሰብ ዝፍጽምዎ ንጥፈታትን ነቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ብማይ ኣይሂ ከም ዝጠፍኡ ገይርዎም ኢዩ። [w00 15/2 ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 6]
8. የሆዋ ንልመና ናይቶም ብዘይስስዐ ዘገልግልዎ ባሮቱ ወትሩ ምላሽ ይህበሉ ኢዩ። [w00 1/3 ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
9. እቶም ኣብ ኢሳይያስ 60:3 ተጠቒሶም ዘለዉ “ኣህዛብ” ነተን ናብ ብርሃን ኣምላኽ እተሳሕባ ፖለቲካውያን ሃገራት ኢዩ ዘመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w00 1/1 ገጽ 12 ቍ. 4 ርአ።]
10. የሆዋ ንኤርምያስ ከይተወልደ ‘ቀዲስዎ’ ክበሃል ከሎ ናይ ኤርምያስ ዘለኣለማዊ ዕድሎት ኣቐዲሙ ወሲንዎ ማለት ኢዩ። (ኤር. 1:5) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 1/4 (እንግሊዝኛ) ገጽ 10 ቍ. 2 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት መልስ:-
11. ኣብ መክብብ 11:1 “እንጌራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ስደዶ” ኽብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w87 15/9 ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ።]
12. ኣብ ኢሳይያስ 6:8 የሆዋ “ኪኸደልና” ኽብል ከሎ ‘ንዓና’ ዝብል ክንድስም እተጠቕመ ንመን ሓዊሱ ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 93-4 ቍ. 13 ርአ።]
13. ኢሳይያስ 9:2 ፍጻሜኣ ኽትረክብ ከላ: ኣብ ገሊላ “ዓብዪ ብርሃን” ዝበርሀ ብኸመይ ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 126 ቍ. 17 ርአ።]
14. ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ምውዳቓን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ፈጺማ ምጥፍኣን ኣብዚ ግዜና ምስ እንታይ ኵነታት ክመሳሰል ይኽእል፧ (ኢሳ. 13:19, 20፣ 14:22, 23) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 188 ቍ. 30-1 ርአ።]
15. እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኸምቲ ኣብ ኢሳይያስ 21:6 ተጠቒሱ ዘሎ “ሓላዊ” ዀይኑ ዝዓዪ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ (ማቴ. 24:45) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 221-2 ቍ. 11 ርአ።]
16. ኣብ ምሳሌ 31:10 ሓዳር ክገብር ንዝደሊ መንእሰይ እንታይ ጥበባዊ ማዕዳ ኢዩ ዘሎ፧ [w00 1/2 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
17. ኣብ ኢሳይያስ 43:9 ንኣማልኽቲ ኣህዛብ እንታይ ብድሆ ኢዩ ቐሪብሎም፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 1/2 (እንግሊዝኛ) ገጽ 16 ቍ. 3 ርአ።]
18. በየናይ መገዲ ኢየን ኣእጋር ናይቶም ብዛዕባ እታ መንግስቲ ብስራት ዘውርዩ “ጽቡቓት” ዝዀና፧ (ኢሳ. 52:7) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 15/4 ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።]
19. ልብና ምእንቲ ኸየታልለና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ኤር. 17:9) [w00 1/3 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
20. እቶም ‘ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ’ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ (ኤር. 7:23) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 15/8 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት: ብቓል (ብቓላት ) ወይ ብሓረግ ገይርካ ምልኣዮ:-
21. “ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ” ኽበሃል ከሎ “የማን” መብዛሕትኡ ግዜ _____________________________ የመልክት፣ ስለዚ: ______________ ሰናይን ሞገስ ዘምጽኣሉ መገድን ንኽስዕብ ከም ዝድርኾ ኢዩ ዘመልክት። (መክ. 10:2፣ ማቴ. 25:33) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w87 15/9 ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ።]
22. ንስርዓታት ኣምላኽ _________________________ ከምኡውን _________________________ ገለ ኻብቲ ኻብ መሃልየ መሃልይ ክንረኽቦ እንኽእል ጠቓሚ ትምህርትታት ኢዩ። [si ገጽ 117 ቍ. 16]
23. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 33:1 ንኸተማታት ይሁዳ ዝዘምት ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ: ነታ ንተቐማጦ ______________ ‘ከም ድድዕ ዝኣከብዎ’ ብዙሕ ምርኮ ገዲፋትሎም ብ632 ቅ.ኣ.ዘ. ዝዓነወት ______________ ኢዩ ዘመልክት። (ኢሳ. 33:4 NW ) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 343 ቍ. 4፣ ገጽ 345 ቍ. 6 ርአ።]
24. ንኢሳይያስ 54:1 ምስ ገላትያ 4:26, 27 ከነወዳድሮ ኸሎና እታ “መኻን” ነታ _________________________ ከተመልክት ከላ: ‘እታ ምርዕውቲ’ ኸኣ ነቶም ________________________ ኢያ እተመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w95 1/8 ገጽ 11 ቍ. 8 ርአ።]
25. ኣብ ኣገልግሎትና ላግጽን ምንጻግን ከጋጥመና ኸሎ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ________________________ ዘይኰነስ ነቲ ምንጪ መልእኽትና ዝዀነ ______________ ምዃኑ ኽንዝክር ይግብኣና። (2 ቈረ. 4:1, 7) [w00 15/1 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ነቲ ቕኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኽብሪ የሱስ ዝረኣዮ ራእይ ክጽሕፍ ከሎ ንገዛእ ርእሱ “ቍላዕ” ምባሉ (ሓድሽ ብመንፈስ እተወልደ ምዃኑ፣ ንኣህዛብ ሃዋርያኦም ንኽኸውን ብኣጋኡ መዝነት ከም እተዋህቦ፣ ኣብ መጻኢ መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ናይ ምውላድ ወይ ካብ ሞት ናይ ምትንሳእ መሰል ቅድሚ ግዚኡ ከም ዝረኸበ ) ኢዩ ዘመልክት። (1 ቈረ. 9:1፣ 15:8) [w00 15/1 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 6]
27. እቲ “ኣቦ ዘለኣለም” ዝብል መዓርግ: እቲ መሲሓዊ ንጉስ ንሰባት (መንፈሳዊ ህይወት፣ ኣብ ሰማይ ዘይመውት ህይወት፣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ) ኽህቦም ሓይልን ስልጣንን ከም ዘለዎ ኢዩ ዘመልክት። (ኢሳ. 9:6፣ ዮሃ. 11:25, 26) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 131 ቍ. 26 ርአ።]
28. ዘመናዊ ፍጻሜ ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:7 ተጠቒሱ ዘሎ “ወዲ” (ንየሱስ ክርስቶስ፣ ንመሲሓዊት መንግስቲ፣ ብ1919 ንእተወልደ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ) ኢዩ ዘመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w95 1/1 ገጽ 11 ቍ. 3 ርአ።]
29. ንማቴዎስ 10:28 ብምስትውዓል ምስ እነንብባ እቲ ገሃነም ሓዊ (መሳቐዪ ቦታ ምዃኑ፣ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ከም ዘመልክት፣ ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ ከም ዘመልክት) ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። [rs ገጽ 173 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
30. እቲ ኣብ ኤርምያስ 7:28 “ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዘይሰምዕ” ተባሂሉ ዘሎ “ህዝቢ” ኣብ ዘመናዊ ፍጻሜ (ንዓባይ ባቢሎን፣ ንህዝበ-ክርስትያን፣ ንሻውዓይ ሓይሊ ዓለም) ኢዩ ዘመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 1/4 ገጽ 18 ቍ 10 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ጥቕስታት ምስቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ኣዛምዶ:-
ምሳ. 24:16፣ መክ. 3:11፣ ኢሳ. 40:8፣ ሮሜ 10:15፣ 1 ጴጥ. 4:6
31. ኣምላኽ ዝገብሮ ዘበለ ግብሪ ኣብቲ ግዜኡ ምስ ዕላምኡ ተሰማሚዑ ዝፍጸም ምዃኑ ይግለጽ ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w87 15/9 ገጽ 24 ቍ. 8 ርአ።]
32. ነቶም ብመንፈስ ምዉታት ዝዀኑ እቲ ብስራት ምስባኽ: ንኽንስሑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። [rs ገጽ 163 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
33. ኣብ ህይወት ወትሩ ዕንቅፋት ዘጋጥም እኳ እንተዀነ: ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ግን ንሰናይ ግብሪ ኣይስልክን ኢዩ። [w00 1/2 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
34. ቃል ኣምላኽ ወይ እቲ ኣምላኽ ዝገለጾ ዕላምኡ ከይተፈጸመ ኽተርፍ ወይ ክዕገት ኣይክእልን ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ip-1 ገጽ 401-2 ቍ. 10 ርአ።]
35. ሃዋርያት የሱስ ንትንቢት ኢሳይያስ ኣብ ኣገልግሎቶም ብምውዓል ብጽቡቕ ተጠቒሞምላ ኢዮም። [si ገጽ 123 ቍ. 37]