ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስን ጥርን:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቀደም እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኢዩ።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ ታሕሳስ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ ገይረን ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታት ክጅምራ ኣለወን። ዓመት መጽሓፍ ብዓረብኛ: እንግሊዝኛ: ፈረንሳይኛ: ከምኡውን ጣልያንኛ ኽርከብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዓመት መጽሓፍ ክሳዕ ዝመጽእን ዝለኣኽን: ኣብቲ ናብ ጉባኤ ዝለኣኽ ናይ ጽሑፋት ዝርዝራት “ውዙፍ” ተባሂሉ ኽጸንሕ ኢዩ። ዓመት መጽሓፍ ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተት ጽሑፍ ኢዩ።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ ታሕሳስ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ ገይረን ናይ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት ምሕታት ክጅምራ ኣለወን። እቲ ጥሙር ጥራዛት ክሳዕ ዝመጽእን ዝለኣኽን: ኣብቲ ናብ ጉባኤ ዝለኣኽ ናይ ጽሑፋት ዝርዝራት “ውዙፍ” ተባሂሉ ኽጸንሕ ኢዩ። ጥሙር ጥራዛት ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተት ጽሑፍ ኢዩ።
◼ ንናይ 2002 በዓል ዝኽሪ ዝኸውን ናይ ዕድመ ወረቐት ድሕሪ ሓጺር እዋን ክለኣኽ ኢዩ። በዓል ዝኽሪ ሓሙስ 28 መጋቢት 2002 ክውዕል ኢዩ።
◼ ናይ 2002 ዓመታዊት ጥቕሲ እዛ እትስዕብ ኢያ:- “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።”—ማቴ. 11:28
◼ ዓመታዊ ብኣየር ናይ ዝመጽእ መጽሔት ኵንትራት እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ናይ ኣምሓርኛ ወይ ትግርኛ ግምቢ ዘብዐኛ ካብ ኢጣልያ:- 162 ናቕፋ/ብር፣ ኣምሓርኛ ንቕሑ!:- 81 ናቕፋ/ብር፣ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ ወይ ፈረንሳይኛ) ካብ ብሪጣንያ:- 69 ናቕፋ/ብር፣ ካብ ካናዳ:- 139 ናቕፋ/ብር፣ ካብ ሕ.መ.ኣ.:- 151 ናቕፋ/ብር። ሓደ ሰብ ብኣየር ዝመጽእ ኵንትራት ክኣቱ ኸሎ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ መጠን ገንዘብ ክኽፈል ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ዋጋ እቲ መጽሔታት ዝሽፍን ወፈያ ምግባር ዝተባባዕ ኢዩ። ነቲ ኣብ ኣውድዮ ካሴታት እተቐድሐ ኣብ ወርሒ ኽልተ ግዜ ዝወጽእ መጽሔታት ናይ እንግሊዝኛ: ፈረንሳይኛ: ቋንቋ ስጳኛ: ወይ ጣልያንኛ ዅንትራት ንምእታው ዘድሊ ገንዘብ 126.50 ናቕፋ/ብር ኢዩ።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓደስቲ:- ኣምሓርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2002፣ ዓረብኛ:- ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ ጥራዝ 2፣ እንግሊዝኛ:- ኤ ሳትስፋዪን ላይፍ—ሃው ቱ ኣተይን ኢት፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2002፣ ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ ጥራዝ 2፣ ትግርኛ:- መንእሰያት ዝሓትዎ።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ኣምሓርኛ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ ጥራዝ 1፣ T-19፣ T-20፣ T-21፣ እንግሊዝኛ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ኮንኮርዳንስ፣ ሲዲ:- ኪንግደም ሜሎዲስ ቍ. 8: 9፣ ሲንግ ፕረይዝስ (8 ሲዲ)፣ ቪድዮ ካሴታት:- ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን፣ ዘ ባይብል—ኣኩሬት ሂስትሪ፣ ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ።