ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
ካብ 3 መስከረም ክሳዕ 24 ታሕሳስ 2001 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ንዝዋሃብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት መጽሓፍ ከይገንጸልካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ ናይቲ ጽሑፋዊ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሐበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ:-
1. እምነት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: እቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት ነዚ መንፈስ እዚ ኽረኽቡ ኣይጽዕሩን ኢዮም ዘለዉ: ወይ እቲ መንፈስ ክወሃቦም ዝልምኑ ዘለዉ ንግጉይ ዕላማ ኢዮም: ወይ ድማ ኣብ ህይወቶም ንኸይዓዪ ይጻረርዎ ኣለዉ። (ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22) [rs ገጽ 129 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
2. ተመን ብተፈጥሮኡ ጸማም ስለ ዝዀነ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ‘ኣእዛን’ ከም ዘለዎ መዝሙር 58:4 ትሕብር ኢያ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ Rbi8 ገጽ 1583 ርአ።]
3. እተን ኣብ መዝሙር 68:11 ተጠቒሰን ዘለዋ “ዓብዪ ጭፍራ” እስራኤላውያን ንጸላእቶም ክስዕርዎም ከለዉ ሓራ ዝወጻ ጓኖት ባሮት ኢየን። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w86 15/10 (እንግሊዝኛ) ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።]
4. ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅድሚ ምውላዱ ወይ ክውለድ ከሎ ዝሞተላ እዋንን ኣማውትኡን እተወሰነ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣብ ሓደጋ ኻብ ዘእቱ ነገራት ምርሓቕ ወይ ክንክን ጥዕናን ጥንቃቐን ምግባር ንብዝሒ ሞት ኣይምቐነሶን ነይሩ። [rs ገጽ 138 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
5. ጳውሎስ “ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ” ምባሉ: ጢሞቴዎስ ኰተቴ ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር። (1 ጢሞ. 4:12) [w99 15/9 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3፣ ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
6. እታ ኣብ መዝሙር 110:1 ዘላ “ንጐይታይ” እትብል ቃል ንየሱስ ኢያ እተመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w94 1/6 (እንግሊዝኛ) ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ።]
7. ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ስም የሆዋ 700 ዝኸውን ሳዕ ክጥቀስ ከሎ: እቲ “ያህ” ዝብል ሓጺር ኣጸሓሕፋ ድማ 43 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ፣ ስለዚ መለኮታዊ ስም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ብገምጋም 5 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። [si ገጽ 104 ቍ. 23]
8. የሱስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣምላኽ” ከምኡውን “ብርቱዕ ኣምላኽ” ተባሂሉ እኳ እንተሎ: ኵሉ ዝኽእል ግን ተባሂሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዮሃ. 1:1፣ ኢሳ. 9:6፣ ዘፍ. 17:1) [rs ገጽ 150 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
9. መጽሓፍ ምሳሌ ኸተጽንዕ ከለኻ ሰሎሞን ባዕሉ ዘጥረዮ ጥበብ ኢኻ እተጽንዕ። [si ገጽ 106 ቍጽሪ 1]
10. እቲ ኣብ ምሳሌ 21:17 ዝርከብ ‘ጣዕሚ ንብረት ካብ ምፍታው’ ክንርሕቕ እተዋህበ ምኽሪ: ምዝንጋዕ ንኻልእ ኣገዳሲ ጕዳያት ዝኸውን ግዜ ስለ ዝሰርቀልና ጌጋ ኸም ዝዀነ ኢያ እትሕብር። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 1/10 ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት መልስ:-
11. እቲ የሱስ ንማርታ ዝሃባ ልዙብ ማዕዳ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ (ሉቃ. 10:40, 41) [w99 1/9 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 7]
12. የሆዋ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ ከመይ ዝበለ “ክብሪ” ኢዩ እተቐበሎ፧ (መዝ. 73:24) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w86 15/12 (እንግሊዝኛ) ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ።]
13. ከምቲ ኣብ መዝሙር 84:1-3 ተመዝጊቡ ዘሎ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ መሰል ኣገልግሎት እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 15/3 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 5-7 ርአ።]
14. ራእይ 22:17 ከምኡውን ሮሜ 2:4, 5 የሆዋ ብዛዕባ ደቅሰብ ኵሉ ነገር ኣቐዲሙ ኸም ዘይፈልጥን ከም ዘይውስነሎምን ዝሕብራ ብኸመይ ኢየን፧ [rs ገጽ 141 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2]
15. ቀዳሞት ክርስትያናት ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ይኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ: ከሓድቲ ክርስትያናት ነዚ መለኮታዊ ትምህርቲ እዚ ቐስ እናበሉ ንኽነጽግዎ ጽልዋ ዝገበረሎም እንታይ ኢዩ፧ [w99 1/12 ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 7 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
16. ክርስትያናት ንኻልኦት ‘ዝሓይሽ’ ክገብሩ ኸለዉ እንታይ ደረት ኢዮም ክጥሕሱ ዘይብሎም፧ (ፊል. 2:4) [w99 1/12 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
መ17. ኣብ መዝሙር 128:3 ውሉዳት ኣብ ዙርያ መኣዲ ሰብኣይ “ኸም [“ጫሌዳ:” NW ] ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ” ኽብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w00 15/8 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ።]
18. ግብርታት ኣምላኽ መስተንክር ኰይኑ እንተድኣ ረኺብናዮ ብኸመይ ኢዩ ኽትንክፈና ዘለዎ፧ (መዝ. 139:14) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w93 1/10 ገጽ 9 ቍጽሪ 18 ርአ።]
19. ምሳሌ 5:3, 4 ሳዕቤን ጾታዊ ርኽሰት “ከም ዕረ መሪር: ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ” ዝበለት ስለምንታይ ኢያ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w00 15/7 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
20. ከምቲ ኣብ ምሳሌ 14:29 ተገሊጹ ዘሎ: ምስትውዓል ካብቲ ዅራን ሕርቃን ዘይምቍጽጻርን ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክባልሃና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 15/3 ገጽ 13 ቍጽሪ 7-8 ርአ።]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት: ብቓል (ብቓላት ) ወይ ብሓረግ ገይርካ ምልኣዮ:-
21. ሓቀኛታት ነብያት _______________________________________ ኢዮም ዝዛረቡ: ___________________________________________ ድማ የፍልጡ ኢዮም። (ዘዳ. 18:18-20፣ 1 ዮሃ. 4:1-3) [rs ገጽ 132 ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ገጽ 133 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
22. ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዝርከብ ምስላታት ድርብ ዕላማ ኣለዎ: ንሱ ኸኣ ______________________________ን ______________________________ን ንምሃብ ኢዩ። (ምሳ. 1:1-4) [w99 15/9 ገጽ 13 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
23. እቲ “[“ምስጢራዊ:” NW ] ጸግዒ እቲ ልዑል” ተባሂሉ ዘሎ እቶም ብዛዕባ _________________________________ ኣብ እተላዕለ ጕዳይ ኣብ ጐኒ ኣምላኽ ተሰሊፎም ዘለዉ ሰባት _________________________________ ዝረኽቡሉ ቦታ ኢዩ፣ “ምስጢራዊ” እተባህለ ድማ እቶም_________________________ ሰባት ስለ ዘይፈልጥዎ ኢዩ። (መዝ. 91:1) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w86 15/12 (እንግሊዝኛ) ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።]
24. የሆዋ ‘ዝገበረልና ሰናይ ኵሉ ዘይምርሳዕን’ ‘ንግብርታቱ’ _________________________ን እተኣሳሰረ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ: ገለ ኻብቲ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ድማ ኣብ መዝሙር መበል 103 ተጠቒሱ ኣሎ። (መዝ. 103:2) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 15/5 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ።]
መ25. ምስላ ኽበሃል ከሎ __________________________________ ዝገልጽ ሓጺር ብሂል ኰይኑ __________________________________ ገይርካ ኢዩ ዝዳሎ። [si ገጽ 107 ቍጽሪ 6]
ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ነቲ ቕኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. ዳዊት በቲ ሳኦል ዝገበሮ ነገር ንኽቝጣዕ ምኽንያት እኳ እንተ ነበሮ: (ሳኦል ዘይፍጹም ምዃኑን ኣገልገልቲ ኣምላኽ መሓርቲ ክዀኑ ከም ዘለዎምን ስለ ዝፈለጠ፣ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ግምት ስለ ዘእተዎ፣ ፈራዲ ምዃን ጌጋ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ) ነብሱ ተቘጻጺሩ ኢዩ። (1 ሳሙ. 24:7, 16) [w99 15/8 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 7]
27. (ጥበብ፣ ተግሳጽ፣ ጽድቂ) ንኸም ምርዳእ: ምስትውዓል: ብልሂ ምዃን: ክእለት ኣተሓሳስባ ምጥራይ ዘጠቓልል ኢዩ፣ (ሰናይ ምግባር፣ ምርዳእ፣ ጽቡቕ ውሳነ) ክብሃል ከሎ ኸኣ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡን ኵልንትናዊ ምትእስሳሩን ብምዕዛብ ሓፈሻዊ መልክዑ ኣለሊኻ ንሓደ ነገር ናይ ምግንዛብ ክእለት ኢዩ። (ምሳ. 1:1-4) [w99 15/9 ገጽ 13 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
28. ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ክፍጽሞ እትሓቶ ዝነበረት ርኽሰት ክቃወሞ ዝኸኣለ (ሕጊ ሙሴ ንምንዝር ከም ዝዅንን ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ፣ ንሰብኣያ ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮ ኢዩ፣ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣኽቢሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ኢዩ)። (ዘፍ. 39:7-9) [w99 1/10 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
29. እቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፈ ሰብ ነቲ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ጠቒስዎ ዘሎ (ቃል ወይ ሕጊ ኣምላኽ፣ ውህበት ህይወት፣ ተስፋ ድሕነት) ዓሚቝ ሞሳ ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 1/11 ገጽ 10 ቍ. 5፣ w87 15/3 (እንግሊዝኛ) ገጽ 24 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
መ30. ኣብተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ምዕራፋት ናይታ ጳውሎስ ናብ (ሰብ ሮሜ፣ ሰብ ገላትያ፣ እብራውያን) ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ብዛዕባ ናይ የሱስ ክርስቶስ (ልዑል ቦታ፣ ጥምቀት፣ ምድራዊ ኣገልግሎት) ካብ መዝሙር እተጠቕሰ ብዙሕ ጥቕስታት ይርከብ ኢዩ። [si ገጽ 105 ቍጽሪ 28]
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ጥቕስታት ምስቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት ኣዛምዶ:-
ምሳ. 2:19፣ 14:15፣ 18:17፣ ሮሜ 10:17፣ እብ. 13:18
31. ሓደ ሰብ እምነት ንኸጥሪ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ክፈልጥን ተጠንቂቑ ኽምርምሮን ኣለዎ። [rs ገጽ 130 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
32. ክርስትያናት ምድልሃቕ ዘለዎ ናይ ንግዲ ጕዳያት ኣየካይዱን ወይ ነቲ ካልኦት ክረኽብዎ ዘለዎም ሕጋዊ መኽሰብ ሸለል ኣይብሉን ኢዮም። [w99 15/9 ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
33. እቶም ጾታዊ ርኽሰት ዝፍጽሙ ክምለስሉ ኣብ ዘይክእሉ ዅነታት ማለት ኣብ ሞት ክበጽሑ ይኽእሉ ኢዮም። [w99 15/11 ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
34. ጥበበኛን መስተውዓልን ሰብ ተግባራቱ ዘምጽኣሉ ሳዕቤናት የመዛዝን: ገበርዎ ኢሉ እውን ንሓደ ሓድሽ ነገር ሃንደራእ ኢሉ ኣይገብርን ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ g94 8/12 (እንግሊዝኛ) ገጽ 16 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ።]
35. ሓደ ሰብ ዘቕርቦ መጐተ ሓቅን ቅኑዕን ዝመስል እኳ እንተዀነ: ኣብ መደምደምታ ቕድሚ ምብጻሕካ ካብ ክልቲኡ ወገን ምስማዕ ጥበባዊ ኢዩ። [si ገጽ 111 ቍ. 36]