ናይ 2002 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
1 መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ናይ ምዝራብ ክእለቶም ከም ትሑዝ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ይኹን እምበር: ናይ ምዝራብ ክእለት የሆዋ ዝሃበና ውህበት ኢዩ። ምስ ካልኦት ሓሳብ ንሓሳብ ንኽንለዋወጥ: ሓሳባትናን ስምዒታትናን ድማ ንኽንገልጽ የኽእለና ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንኣምላኽና ኽንውድሰሉ ንኽእል ኢና።—መዝ. 22:22፣ 1 ቈረ. 1:4-7
2 ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ስም የሆዋ ንኽእውጁ ስልጠና ይወሃቦም ኢዩ። (መዝ. 148:12, 13) ናይ 2002 ፕሮግራም ናይዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብብሕቲ ኽጠቕመና ዝኽእልን ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉን እተፈላለየ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ነጥብታት ዝሓዘ ኢዩ። ተዳሊና መጺእና ተሳትፎ ብምግባር ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ፍልጠትናን ክእለትናን ከነማዕብል ንኽእል ኢና።—መዝ. 45:1
3 መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኣንብብ:- መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ሳዕ ኣብ ጥቓና እንተልዩ: ነጻ ኣብ እንዀነሉ እዋን ከነንብብ ንኽእል ኢና። መብዛሕትና መዓልታዊ ንንባብ ኸነውዕሎ እንኽእል ሒደት ደቓይቕ ኣሎና። እንተ ወሓደ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ገጽ ምስ እነንብብ: ነቲ ኣብዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ፕሮግራም ወጺኡ ዘሎ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሽፋን ስለ ዘኽእለና: ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንጥቀም!—መዝ. 1:1-3
4 ጽቡቕ ናይ ምንባብ ክእለት: ንልቢ ሰማዕቲ ንኽንትንክፍን ንየሆዋ ኽውድሱ ንኸነለዓዕሎምን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ክፍሊ ቍ. 2 ዘቕርብ ሓው ነቲ እተዋህቦ ኽፍሊ ኣቐዲሙ ዓው ኢሉ ደጋጊሙ ኸንብቦ ኣለዎ። ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቲ ንባቡ ኽንእዶ ንምምሕያሹ ድማ ሓሳባት ክህቦ ኢዩ።
5 መጽሓፍ ምምርማር ተጠቐም:- ክፍሊ ቍ. 3 ከምኡውን ቍ. 4 ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) እተመርኰሰ ኢዩ። መብዛሕትና ነዚ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝጠቕመና ግብራዊ ሓገዝ ንኽንጥቀመሉ ዝያዳ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። እተን ክፍሊ ዘቕርባ ኣሓት ምስ ዞባአን ዝሰማማዕ ኣቀራርባ ኽመርጻ ኣለወን። ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ብኸመይ ከም ዝምህራን ነቲ ጥቕስታት ብኸመይ ከም ዝጥቀማሉን ከተኵረሉ ኣለዎ።
6 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምዝራብ ክእለት: ብስራት ንኽንሰብከሉን ነቲ ዓቢ ኣምላኽና የሆዋ ንኽንውድሰሉን ንዅላትና ይሓግዘና!—መዝ. 34:1፣ ኤፌ. 6:19