ንቓል ኣምላኽ ብግቡእ ኣማቕል
1 ፊልጶስ ንሓደ በዓል ስልጣን ክምስክረሉ ኸሎ ‘ኣፉ ኸፈተ: ካብ [ሓደ] ጽሕፈት ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ።’ (ግብ. 8:35) ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና [“ብግቡእ:” NW ] ኢዩ ኣማቒሉ።’ (2 ጢሞ. 2:15) ሎሚ ግን ብዙሓት ኣስፋሕቲ ምስክርነት ክህቡ ኸለዉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኸም ዘይጥቀሙሉ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ተዓዚቦም ኢዮም። ንስኻኸ ኣብ ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀም ዲኻ፧
2 ኵሉ እቲ እንኣምኖን እንምህሮን ነገራት ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ቃል ኣምላኽ ሰባት ናብ የሆዋ ኸም ዝሰሓቡ ይገብሮም: ኣብ ምሉእ ህይወቶም ድማ ትምህርቲ ይህቦም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ ኣገልግሎት ንዓና ብዛዕባ ዘገድሰና ጕዳይ ምዝርራብ ጥራይ ዘይኰነስ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክንጥቀም ዘድልየና። (እብ. 4:12) ዝበዝሑ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይብሎም: ነቲ ዝህቦ ጠቓሚ መምርሕን ንደቅሰብ ሒዝሎም ዘሎ ተስፋን ምእንቲ ኸነርእዮም ካብኡ ኸነንብበሎም ኣሎና።
3 ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብበሎም:- ዓቢ ቦርሳ ኸይሓዝካ ኣገልግሎት ምኻድ ክትፍትኖ ትደሊ ትኸውን። ነቲ ዝዕደል ጽሑፍ ኣብ ንእሽቶ ማህደር ኣእቲኻ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣብ ኢድካ ወይ ኣብ ጁባኻ ሒዝካ ኣገልግሎት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ: ንሓደ ሰብ ኸተዘራርብ ከሎኻ: ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ስብከት ትገብር ከም ዘሎኻ ዀይኑ ንኸይስምዖ ብምጥንቃቕ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጽል። እቲ ዝሰምዓካ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ንኽከታተለካ ናብ ዝጥዕሞ ገጽካ ዙር። ምናልባት እውን ነታ ጥቕሲ ዓው ኢሉ ንኸንብባ ሕተቶ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዘሎ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዓይኑ እውን ምስ ዝርእዮ ዝዓመቘ ጦብላሕታ የሕድረሉ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ነታ ጥቕሲ ንምንታይ ከም ዝጠቐስካያ ንኽርድኦ ነቲ ፍረ ነገር ዘመሓላልፍ ቃላት ከተጕልሓሉ ኣሎካ።
4 ብሓንቲ ጥቕሲ እተዳለወ ኣቀራርባ:- ምስ ተፋለጥካ: ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ:- “ሰባት ካብ እተፈላለየ ምንጭታት ንህይወቶም መምርሒ ንኽረኽቡ የናድዩ ኢዮም። ዝበለጸ ጠቓሚ መምርሒ ግን ኣበይ ዝርከብ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዛ ቐጺለ ዘንበበልካ እንታይ ሓሳባት ኣሎካ፧ [ምሳሌ 2:6, 7 ኣንብብ: መልሲ ድማ ተጸበ።] ሰብኣዊ ጥበብ ብዙሕ ጕድለት ዘለዎን ንብዙሓት ሰባት ናብ ተስፋ ምቝራጽ ዝመርሕን ኰይኑ ኢዩ ተረኺቡ። ቃል ኣምላኽ ግን ኵሉ ሳዕ ክትውከሎ ትኽእልን ጠቓምን ኢዩ።” ድሕሪኡ እቲ እትዕድሎ ጽሑፍ ኣርእዮ: ካብቲ ጽሑፍ ከኣ ጥበብ ኣምላኽ ግብራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ኣብነት ኣጕልሓሉ።
5 የሱስ: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንምሕጋዝ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሙ ኢዩ። (ሉቃ. 24:32) ጳውሎስ ከኣ ነቲ ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መርትዖ የቕርብ ነበረ። (ግብ. 17:2, 3) ቃል ኣምላኽ ብግቡእ ኣብ ምምቓል ዝያዳ ኽእለት እናጥረና ምስ ከድና ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ርእሰ-ተኣማንነትን ሓጐስን ክውስኽ ኢዩ።