ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳ ብምርኣይ ዝርከብ በረኸት —1ይ ክፋል
1 ሃዋርያ ዮሃንስ “ንሱ [የሆዋ] ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (1 ዮሃ. 4:19) የሆዋ ዝሃበና ዅሉ ኽንሓስበሉ ኸሎና: ዓሚቝ ሞሳ ንኸነርኢ ንድረኽ ኢና። የሱስ ብተኣዛዝነት ብዛዕባ ስም ኣምላኽን መንግስቱን ብምስባኹ: ኣብዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ። (ዮሃ. 14:31) ንሕናውን ነቲ የሆዋ ዘርኣየና ፍቕርን እዚ ዘምጽኦ በረኸትን ሞሳና እነርእየሉ ገለ መገድታት እንተ መርመርና ሰናይ ኢዩ።
2 ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝፍጽምዎ መሃሮም። ኣብቲ ዝሃቦም መምርሒታት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ብስራት ክነግሩ ኸም ዘለዎም ብንጹር ተሓቢሩ ነበረ። (ሉቃ. 9:1-6፣ 10:1-7) ዘይምግዳስን ምጽራርን እናኣጋጠመና ስርዓታውያን ኴንና ካብ ቤት ናብ ቤት ንምኻድ: ንኣምላኽን ንብጻይናን ፍቕሪ ኽህልወና የድሊ። ከምዚ ብምግባርና ድማ እምነትና ስለ እትድልድልን ምርዳእና ስለ ዝዓምቝን ተስፋና ዝያዳ ብሩህ ስለ ዝኸውንን ብብሕቲ ንጥቀም ኢና።
3 ብመላእኽቲ እናተመራሕና ስለ እንዓዪ: ብዙሓት ንሓቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ሰባት ረኺብና ኢና። (ራእ. 14:6) ገሊኣቶም ሰብ ቤት ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤቶም ምስ ከዶም ሓገዝ ክወሃቦም ይጽልዩ ምንባሮም ገሊጾም ኢዮም። ኣብ ደሴት ካሪብያን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሓደ ቘልዓን ካብ ቤት ናብ ቤት ይኸዱ ነበሩ። እተን ኣሓት በታ መዓልቲ ዝገብራኦ ኣገልግሎተን ከብቅዓ ምስ ወሰና: እቲ ቘልዓ ናብቲ ዝቕጽል ገዛ ባዕሉ ኸይዱ ዃሕኵሐ። ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ማዕጾ ኸፈተቶ። እተን ኣሓት ነዚ ምስ ረኣያ: ናብታ ሰበይቲ ኸይደን ኣዘራረብኣ። ናብ ቤት ኽኣትዋ ዓደመተን እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምህሩዋ ምእንቲ ኽሰደላ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸም ዝጸንሐት ድማ ገለጸትለን!
4 ኣብ መገዲ ምስክርነት ምሃብ:- ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ቤቶም ስለ ዘይርከቡ: ናይ መገዲ ምስክርነት ኣስላጢ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ኣብ እተሓጽረ ቦታታት ወይ ከቢድ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ህንጻታት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እውን ኣለዉ: ኣብዚ ቦታታት እዚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ንፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ሞሳ: ኵሉ መዳያት ተጠቒምና ንሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነብጽሓሎም ይድርኸና ኢዩ፣ ሓደ ኻብዚ መዳያት እዚ ድማ ናይ መገዲ ምስክርነት ኢዩ።—ምሳ. 1:20, 21
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር:- ነቶም “መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ” ሰባት ስለ እነናዲ: ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ንደሊ ኢና። (ማቴ. 5:3) እዚ ኸኣ ነቲ ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓቂ ተመሊስና ማይ ምስታይ ዝሓትት ኢዩ። (1 ቈረ. 3:6-8) ሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሓብቲ ንሓንቲ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብላ እትመስል ዝነበረት ሰበይቲ ትራክት ኣበርከተትላ። ይኹን እምበር: እታ ሓብቲ ተመሊሳ ንኽትረኽባ ኸይተሓለለት ጸዓረት። ኣብ መወዳእታ ምስ ረኸበታ: ካብታ መጀመርታ እተራኸባላ ግዜ ንነጀው እታ ሰበይቲ ኽቡር ዝዋግኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዓደገት ፈለጠት። ጽንዓት እውን ጀመረትላ!
6 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ:- እዚ ኣዝዩ ዘሐጕስን ዓስቢ ዘለዎን ክፍሊ ኣገልግሎትና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽፈልጡ ምምሃር: ንኸሐጕስዎ ኢሎም ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኽገብሩ ምርኣይ: ከምኡውን ህይወቶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ብክርስትያናዊ ጥምቀት ከርእዩ ኸለዉ ምዕዛብሲ: ከመይ ዝበለ ዓቢ በረኸት ኰን ኢዩ!—1 ተሰ. 2:3፣ 3 ዮሃ. 4
7 ኣብታ እትቕጽል ሕታም: ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳ ብምርኣይ እተባረኽናሉ ካልእ መገድታት ክንርኢ ኢና።