ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳ ብምርኣይ ዝርከብ በረኸት —2ይ ክፋል
1 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ኽንመያየጠሉ ኸሎና ንፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኣብ ኣገልግሎት እነርእየሉ ኣርባዕተ መገድታት ኣጕሊሕና ነይርና። (1 ዮሃ. 4:9-11) ሕጂ ድማ ሓሙሽተ ተወሳኺ መገድታት ክንርኢ ኢና። ንኻልኦት ብመንፈሳዊ ነገር ኣብ ምሕጋዝ ምሉእ ብምሉእ ምስ እንካፈል: ንባረኽ ኢና።
2 ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት:- ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ሰባት ንምርካብን ሓጋዚ ጽሑፋት ንምብርካትን ዘኽእል ኣስላጢ መገዲ ኢዩ። እምበኣር ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንእንረኽቦም ሰባት ‘ግዜ ዓዲግና’ ምስ እንምስክረሎም ሰናይ ኢዩ። (ኤፌ. 5:16) ኣብዚ መዳይ ምስክርነት እዚ ንምክፋል ትብዓት የድልየና ይኸውን: እንተዀነ ግን ንፍቕሪ የሆዋን ሰባት ንዘድልዮም ነገራትን ንግንዘቦ እንተድኣ ዄንና ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ክንምስክር ኢና።—2 ጢሞ. 1:7, 8
3 ሓደ ሚስዮናዊ ብታክሲ እናተጓዕዘ ኸሎ ጥቕኡ ንዝነበረ ተጓዓዚ ብምዝርራቡ ተባሪኹ ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ተገዳስነት ስለ ዘርኣየ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ተገብረሉ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተጀመረሉ። ናብ ሓቂ ከኣ መጸ: ዕቤት ብምግባር ድማ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀነ!
4 ደብዳበታት ምጽሓፍ:- ምናልባት ብሰንኪ ኣካላዊ ጸገማት ወይ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ኣይንኽእልን ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንእንፈልጦም ሰባት: ዘፍቅርዎ ሰብ ንዝሞቶም ዘበለ: ወይ ኣብ ገዝኦም ክንረኽቦም ንዘይከኣልና ሰባት: ብደብዳበ ሕጽር ዝበለ ምስክርነት ክንጽሕፈሎም ንኽእል ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝምስጥ መልእኽቲ ዘለዋ ሓንቲ እዋናዊት ትራክት ክንሰድድን እቲ ተቐባሊ ዝዀነ ይኹን ሕቶ እንተ ሃልይዎ ንኽጽሕፍ ከነተባብዖን ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ብሕትኹም ወይ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ኣድራሻ ተጠቐሙ፣ በጃኹም ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣድራሻ ኣይትጠቐሙ።
5 ናይ ተሌፎን ምስክርነት:- እዚ መዳይ እዚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከሎና ኣብ ቤቶም ንዘይጸንሑና ሰባት ንምርካብ ዘኽእል ጽቡቕ ሜላ ኢዩ። ጥንቃቐ: ሕያውነት: ሜላ: ከምኡውን ብልሓት እንተ ኣዘውቲርና ጽቡቕ ምላሽ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
6 ሓንቲ ሓብቲ ብተሌፎን እናመስከረት ከላ: ንሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ መጻኢኣን መጻኢ ስድራቤታን ኣርዚና ሓሲባትሉ ትፈልጥ እንተ ዀይና ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብኣወንታ መለሰት። ተስፋ ስለ ዝቘረጸት: ኣብ ቤታ ተገሊላ ኸም እትነብር ከኣ ገለጸት። በቲ እታ ሓብቲ ዘርኣየቶ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ስለ እተተንከፈት ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ዕዳጋ ንኽራኸባ ተቛጸራ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እታ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ፍቓደኛ ዀነት!
7 ኣጋይሽ ምቕባል:- ንሰባት ነፍቅር እንተድኣ ዄንና: ኣብ መአከቢና ዝመጸ ዝዀነ ይኹን ሓድሽ ሰብ ከነስተውዕለሉን ንኸይጋየሽ ክንሓልየሉን ኢና። (ሮሜ 15:7) ኣብ መንጎ እቶም ንመንፈሳዊ ድሕንነቱ ኣጸቢቖም ዝግደሱ ሰባት ከም ዘሎ ነርእዮ። ልባዊ ሓልዮትና ከምኡውን ናይ ብሕቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብረሉ ፍቓደኛታት ከም ዝዀንና ምግላጽና ሓገዝና ንኽቕበል ከለዓዕሎ ይኽእል ኢዩ።
8 ጽቡቕ ኣካይዳና:- ጽቡቕ ኣካይዳና ንሓቂ ስልማት ይዀኖ ኢዩ። (ቲቶ. 2:10) ዓለማውያን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንእድዎም ከለዉ: ንኣምላኽ ኢዮም ክብሪ ዝህብዎ። (1 ጴጥ. 2:12) እዚውን ሰባት ብመገዲ ህይወት ምምልላስ ንኽጅምሩ ኽሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
9 ነቲ የሆዋ ኣባና ዘለዎ ዓቢ ፍቕሪ ሞሳ ንኸተርኢ: ነዚ ሓሙሽተ መገድታት ንምንታይ ዘይትሓስበሉን ኣብ ግብሪ ዘይተውዕሎን፧ (1 ዮሃ. 4:16) ከምኡ ምስ እትገብር ብዙሕ በረኸታት ክትዓጽድ ኢኻ።