ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/01 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 12 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 19 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 26 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 5 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 2/01 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

12 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። እተን ዘ ባይብል​—⁠ማንካይንድስ ኦልደስት ሞደርን ቡክ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክረኽባ ዝኽእላ ጉባኤታት: ኣብታ 26 ለካቲት እትጅምር ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክመያየጣላ ኢየን። እቲ ምይይጥ ኣብቲ ኣብ ገጽ 2 ናይዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶታት እተመስረተ ክኸውን ኢዩ።

15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ብሰናይ ግብርኻ ወድሶ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ካብታ ፕሮክለይመርስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 187 ሕጡብ ጽሑፍ 2-3 ዝርከብ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ከተእምነሉ እትኽእል መገድታት።” ሓደ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍን ሓደ ፓይነርን ወይ ንጡፍ ኣስፋሕን ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-3 ተመርኲሶም ዝገብርዎ ምይይጥ። ነቲ ኣብ ገጽ 23 ዝርከብ “ናይ ተማሃራይካ ልቢ ምትንካፍ” ዘርእስቱ ሳጹን ግለጽዎ። ንገለ ካብቲ ኣብ ዞባኹም ልሙድ ዝዀነ ናይ ሓሶት እምነታት መሪጽኩም: ንሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ እንታይ ከም ዝብል ብኸመይ ከም እተእምንዎ ተመያየጡሉ።

መዝሙር 208ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 221

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

22 ደቒቕ:- “ስም የሆዋን ግብርታቱን ኣዘንትዉ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ሽማግለ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ዝህሉ ንጥፈታት ወሰኽ ንምግባር ፍሉይ መደባት ከም ዝወጸ ይገልጽ: ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነራት ምእንቲ ክዀኑ ንምትብባዕ ዝግበር ጻዕርታት ድማ ይሕብር። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት እተጸምዱ ዝረኸብዎ ዕግበት ከም ዝገልጹ ግበር። ንዅሎም ብቕዓት ዘለዎም ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ንኽሓብሩና: ቈልዑን ካልኦት ጽንዓታትን ከኣ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ኣብ ምሕጋዝ ኣተኵር።​—⁠ናይ ሕዳር 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕቶ ሳጹን ርአ።

መዝሙር 27ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 48

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ለካቲት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ነቲ ዞባታት ናይ ምሽፋን ፍሉይ ወፈራ ተባሂሉ እተገብረ ምድላው ሓብር።

12 ደቒቕ:- መጽሓፍ ፍልጠት ክትዕድል ከሎኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባታት። ኣብ ወርሒ መጋቢት መጽሓፍ ፍልጠት ክትዕድል ከሎኻ ክትጥቀመሉ ዝሓሰብካ ኣቀራርባ ኣሎዶ ኢዩ፧ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ ዝሓለፈ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እንተድኣ ርኢኻ: ንሰባት መጀመርታ ክትረኽቦም ከሎኻ እንታይ ከም እትብል ዝገልጽ ሓሳባት ኣሎ። መብዛሕትኡ እዚ ሕታማት ከኣ ተመሊስካ ክትበጽሖም ከሎኻ እንታይ ከም እትብሎም ዝሓዘ ኢዩ። ክልተ ወይ ሰለስተ ካብዚ ኣቀራርባታት እዚ ግለጽ። (መጋቢት: ሰነ: ሕዳር 1996፣ ሰነ 1997፣ መጋቢት 1998) ነቲ ኣብ ናይ ሕዳር 1996 ዝርከብ ብቐጥታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዘኽእል ክልተ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ሓደስቲ ጽንዓታት ንምርካብ ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብር ኣተባብዕ።

25 ደቒቕ:- “ነታ ዘ ባይብል​—⁠ማንካይንድስ ኦልደስት ሞደርን ቡክ ዘርእስታ ቪድዮ ምምሳው።” (እዛ ቪድዮ ካሴት እዚኣ እንተ ዘይብልኩም ነታ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ “ካብ ጽንዓት ዝርከብ ዓወት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ክትመያየጡላ ትኽእሉ ኢኹም።) በቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ሕቶታት ገይርካ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ብ37 ቋንቋታት ስለ እተተርጐመን ልዕሊ 100 ሚልዮን ቅዳሓት ስለ እተሓትመን ሓደ ካብቲ ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዘለዎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ኣጕልሕ። ኣብ ሚያዝያ እታ ቐጺላ ዘላ ዘ ባይብል​—⁠ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ ዘርእስታ (እንግሊዝኛ) ሳልሰይቲ ክፍሊ ናይዚ ተኸታታሊ ቪድዮ ካሴታት ክንመያየጠላ ኢና።

መዝሙር 64ን መዕጸዊ ጸሎትን

5 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 81

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

18 ደቒቕ:- “የሆዋ ሓይሊ ይህብ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ብዛዕባ ኣወዓዕላ ናይቲ ጥቕስታት ሰማዕቲ ሓሳብ ከም ዝህቡ ግበር።

22 ደቒቕ:- ነታ “ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ​—⁠እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣቕርብ።

መዝሙር 108ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ