ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/00 ገጽ 9
  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 8/00 ገጽ 9

ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት

◼ ጥምቀት:- እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት እቲ ናይ ቀዳም ንግሆ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ እተመደበሎም ቦታ ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ክጥመቕ መደብ ዘለዎ ሰብ ግቡእ ክዳንን ሽጎማኖን ከምጽእ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ: ገሊኣቶም ምስቲ ኣጋጣሚ ዘይከይድን ዘይግቡእን ክዳውንቲ ተኸዲኖም ኢዮም። ካብ ፖሊስተር እተሰርሐ ክዳን ክግበር የብሉን: እቲ ሕጹይ ክገብሮ ዝሓሰበ ክዳን እውን ምስ ጠልቀየ ኣካላት ዘርኢ ወይ ዘይእዱብ ከይከውን ምርግጋጽ የድሊ። ሽማግለታት: ነቲ ኣብ መባእታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እትበሃል ጽሕፍቲ ዘሎ ሕቶታት ምስቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኰይኖም ክመያየጥሉ ኸለዉ: ነፍሲ ወከፍ ነዚ ነጥብታት እዚ ከም እተረድኦ ከረጋግጹ ይግብኦም። ጥምቀት ሓደ ሰብ ህይወቱ ከም ዝወፈየ ዘርእየሉ ኣጋጣሚ ስለ ዝዀነ ኣብ መንጎ እቲ ውልቀ⁠-​ሰብን የሆዋን ዝግበር ናይ ማሕርሮን ብሕታውን ጕዳይ ኢዩ። ስለዚ: ንስእሊ ተባሂሉ ዝዀነ ይኹን ምድንጓያት ክህሉ የብሉን።

◼ ባጅ ካርድ:- ኣብታ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረላ ከተማ ኰነ ናብታ ከተማ ክትከይድን ካብኣ ክትምለስን ከሎኻ ነቲ ናይ 2000 ባጅ ካርድ በጃኻ ግበሮ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና ኢዩ። ባጅ ካርድን ናይ ባጅ መትሓዝን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ስለ ዘይርከብ: ብጉባኤኻ ገይርካ ክትረክብ ኣሎካ። ንዓኻን ንስድራ​ቤትካን ዝኸውን ካርድ ንምሕታት እቲ ኣኼባ ሒደት መዓልትታት ክሳዕ ዝተርፎ ኣይትጸበ። ነቲ እተሓደሰ ቅድመ⁠-​ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ምሓዝ ኣይትረስዕ።

◼ ናይ መደቀሲ ክፍሊ:- እቶም ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ኣብቲ ናይ መደቀሲ ክፍሊ መሕተቲ ቅጥዕታት ስም: ዕድመ: ከምኡውን ካልእ መሰረታዊ ሓበሬታ ብምምላእ ብቕልጡፍ ናብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ክልእኽዎ ኣለዎም። በዚ ምድላው እዚ እተታሕዘልካ መደቀሲ ክትገድፎ እንተ​ድኣ ደሊኻ: እቲ ኽፍሊ ንኻልእ ምእንቲ ክወሃብ ብኡንብኡ ነቲ ወናኒ ናይቲ መሕደር ኣጋይሽ ወይ ሆቴል ከምኡውን ነቲ ናይቲ ኣኼባ ክፍሊ ምድላው መደቀሲ ከተፍልጥ ኣሎካ።

◼ ወለንታዊ ኣገልግሎት:- ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ሓደ ካብቲ ክፍልታት ንምሕጋዝ ገለ ግዜ ክትምድብ ምኸኣልካዶ፧ ንሒደት ሰዓታት እውን ይኹን ንኣሕዋትካ ምግልጋል ሓጋዝን ብዙሕ ዕግበትን ዘምጽእ ኢዩ። ክትሕግዝ ትኽእል እንተ​ድኣ ዄንካ በጃኻ ነቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝርከብ ናይ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ኣፍልጥ። ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ እውን ኣብ ትሕቲ መምርሒ ናይ ወላዲ ወይ ካልእ ሓላፍነት ዝቕበል ዓቢ ሰብ ኰይኖም ብምስራሕ ጽቡቕ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

◼ መጠንቀቕታ:- መኪናኻ ኵሉ ግዜ ዕጽውቲ ምዃና ኣረጋግጽ ከምኡውን ብሓይሊ ከፊቶም ንኽወስዱ ዝደፋፍእ ዝዀነ ይኹን ዝርአ ነገር ፈጺምካ ኣይትሕደግ። ሰረቕቲ ኣብቲ ሰብ ብብዝሒ ዝእከበሉ ኢዮም ኣቓልብኦም ዝገብሩ። ዝዀነ ይኹን ክቡር ኣቕሓ ኣብ ኮፍ መበሊኻ ክትገድፍ ጥበባዊ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ክርስትያን ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንምንታይ ፈታኒ ነገር እትቕርብ፧ ገለ ካብ ደገ ዝመጹ ሰባት ንቘልዑ ኣታሊሎም ክወስድዎም ፈተነ ከም ዝገበሩ ጸብጻብ በጺሑና ኢዩ። ንደቅኻ ኵሉ ሳዕ ካባኻ ኣይትፍለዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ