ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ:- ካብዘን ዝስዕባ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ዝዀነት ትኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ከምኡውን ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ። መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!። ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ሕዳር:- እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት። እቶም እንረኽቦም ሰባት እዚ ጽሑፋት እዚ እንተልይዎም ንዘለኣለም ምንባር ወይ ክሪኤሽን (እንግሊዝኛ) ዝበሃላ መጻሕፍቲ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ መስከረም ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዐን ገይረን ናይ 2001 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታት ክጅምራ ኣለወን። እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ብዓረብኛ: እንግሊዝኛ: ፈረንሳይኛ: ከምኡውን ብጣልያንኛ ክርከብ ይከኣል።
◼ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንናይ 2001 ዓመት ኣገልግሎት ዝኸውን እኹል ቅጥዕታት ይልኣኽ ኣሎ። በጃኹም ነዚ ቅጥዕታት እዚ ብጥንቃቐ ተጠቐሙሉ። ነቲ እተመደበሉ ዕላማ ጥራይ ክውዕል ኣለዎ።
◼ ዓመታዊ ፍቕዲ ናይቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋትን መጽሔታትን ኣብ 31 ነሓሰ 2000 ወይ ብእተኻእለ መጠን ካብዚ ዕለት እዚ ከይርሓቐ ክግበር ኣለዎ። እዚ ፍቕዲ እዚ ምስቲ እቲ ኣተሓባባሪ ጽሑፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝገብሮ ምፍቃድ ዝመሳሰል ኢዩ: እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ (S-18) ክምዝገብ ኣለዎ። ጠቕላላ ድምር ናይቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልገልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ሰለስተ ቅዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ ቅጥዒ (S-18) ክትቅበል ኢያ። በጃኹም ነቲ ቐንዲ ቅዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ማሕበር ልኣኽዎ። ናይ ካርቦን ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም መስርሒ ወረቐት ኰይኑ ከገልግል ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ናይታ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ነቲ ፍቕዲ ክቈጻጸሮ ይግባእ። እቲ ጸሓፍን እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛብን ናይታ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ነቲ ቅጥዒ ይፍርሙሉ።
◼ ናብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ ሓደስቲ:- ዓረብኛ:- ትንቢት ዳንኤል፣ እንግሊዝኛ:- ኢንደክስ 1999፣ ፈረንሳይኛ:- ናይ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት።
◼ እንደገና ናብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- እንግሊዝኛ:- ኦል ስክሪፕቸርስ: ክሪኤሽን (ንእሽቶ): ዲቫይን ጋይዳንስ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም:- ዴሉክስ (Dbi12): መወከሲ ዘለዎ (Rbi8)፣ ኣውድዮ ካሴታት:- ዝዓበየ ሰብኣይ: ኪፕ ዮር ኣይ ሲምፕል: ማቴዎስ: ኪንግደም ሜሎዲስ 1-4: ሲንጊን ኪንግደም ሶንግስ: ሲዲ ኪንግደም ሜሎዲስ ቍ. 2።