ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ካብዞም ዝስዕቡ 32 ገጽ ዘለዎም ብሮሹራት ዝዀነ ምዕዳል ይከኣል ኢዩ:- ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት . . .፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ከምኡውን እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም። ካብ መስከረም-ታሕሳስ:- ንዘለኣለም ምንባር።
◼ ወርሒ ነሓሰ ሓሙሽተ ምሉእ ቀዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነራት ንኽዀኑ ምቹእ ግዜ ኢዩ።
◼ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም “ምስ ኣምላኽዶ ትማላለስ ኣሎኻ ኢኻ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ ኢዮም።
◼ ናይ ጉባኤ ጸብጻብ መመዝገቢ ካርድ (S-1) ከም ኣብ ፋይል ዝቕመጥ ቅዳሓት ገይርካ ንኽትጥቀመሉ እተገብረ ምድላው ከም ዘየለ ንዅሎም ጸሓፍቲ ነዘኻኽሮም። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ካብዚ ካርድታት እዚ ንሓንቲ ወርሒ ሓንቲ ካርድ ይዋሃባ ኢዩ። ነቲ ብS-1 እተዋህበ ጸብጻብ ንጥፈት ኣብ መዝገብ ንምሓዝ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ሰለስተ S-21 (ሓደ ንስርዓታውያን ፓይነራት: ሓደ ንሓገዝቲ ፓይነራት: ሓደ ኸኣ ንናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ) ዝዳሎ ካርድታት ምቕዳሕ ኢዩ።