ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንግንቦት
4 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና። ኣብ እዋን በዓላት ክግበር እተመደበ ፍሉይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ንገር።
15 ደቒቕ:- “መንፈስ የሆዋ ምሳና ኢዩ።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 3 ምስ ሸፈንካ: ኣብ ዓመት መጽሓፍ ካብ ዘሎ ዝሰማማዕ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
22 ደቒቕ:- “ናይ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ንምርካብ ዓንቀጻት ምረጽ።” ነቲ ኣብቲ ዓንቀጽ ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርቦ። እቲ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘሎ ናይ ቀደም ሕታማት እውን ከይተረፈ በዚ መገዲ እዚ ክዕደል ከም ዝከኣል ግለጽ። ዓዲሎም ጽቡቕ ፍረ ዝረኸቡሎም ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃኖም ንኽነግሩ ንኣስፋሕቲ ዓድሞም። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 7 ዘሎ ኣቀራርባ ብመርኣያ ገይርካ ኣቕርቦ።
መዝሙር 212ን መዕጸዊ ጸሎትን
11 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 197
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
12 ደቒቕ:- “ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ መደባትካ እንታይ ኢዩ፧” ሓደ ሽማግለ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ መደባቶም እንታይ ከም ዝዀነ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ኰይኑ ይመያየጥ። ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታቶምን ካልእ ቲኦክራሲያዊ ሸቶታቶምን ንምውሳኽ ዝገበርዎ ምድላዋት ይዛረቡ።
25 ደቒቕ:- “መንፈስ ዓለም ይምርዘካዶ ኣሎ ኢዩ፧” ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ እተመስረተ ዝርርብ። ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ሕቶን መልስን ወሲኽካ ኣቕርቦ።
መዝሙር 48ን መዕጸዊ ጸሎትን
18 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 141
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ኣብ ‘ስጋኻ ግራጭ’ ኣሎካዶ፧” ሕቶን መልስን። ካብቲ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 29 ዘሎ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ሓሳባት ሃብ።
22 ደቒቕ:- “ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ትምገብዶ ኢኻ፧” ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ እተመስረተ ዀይኑ ብናይ ድግማ ሕቶን መልስን ሓዊስካ ዝቐርብ ዝርርብ።
መዝሙር 139ን መዕጸዊ ጸሎትን
25 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 137
7 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
18 ደቒቕ:- “ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ምስክርነት ምሃብ።” ሕቶን መልስን። ገለ ኣብነት ዝዀኑ መንእሰያት ኣዘራርብ። በቲ ክርስትያናዊ ጠባዮም ካልኦት ብኸመይ ኣዝዮም ከም እተመሰጡ ይንገሩ። ካብ ናይ 1 ጥሪ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 24-5 ሓደ ወይ ክልተ ተመክሮ ንገር።
20 ደቒቕ:- ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣኽቢረ ዝርእየሉ ምኽንያት። ሓደ ሽማግለ ኣብነት ብምዃኖም ነታ ጉባኤ ዝውክሉ ምናልባት ሰብኣይን ሰበይትን: ብዕድመ ዝደፍአን ኮተቴን ዘለውዎም ስርዓታውያን ጕጅለ ተኣከብቲ ብምዃን ነቲ ምይይጥ ይምርሓዮ። ኵሉ ግዜ ዝእከብሉ ምኽንያት: ነቲ መዓልታዊ ዘጋጥም ግድላት ንኽዋጽእሉን ብመንፈስ ንቑሓት ኰይኖም ንኽቕጽሉን ዝሓገዞም ጽቡቕ ዕርክነትን መለኮታዊ መምርሕን ጥዑይ ምኽርን ምዃኑ ይግለጹ። እቲ ዝዋሃብ ሓሳባት ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋልና ኵላትና ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ምዃንና ዘጕልሕ ይኹን።
መዝሙር 222ን መዕጸዊ ጸሎትን