ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ) ከምኡውን/ወይ ድማ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት (እንግሊዝኛ)። ጥሪ:- ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ቅድሚ 1985 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ። እተን ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ከበርክታ ይኽእላ ኢየን። ለካቲት:- ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ)።
◼ ጉባኤታት: ነቲ ቀዳም 11 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር ናይዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ዝጥዕም ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ክግበር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ምዛር ግን ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ ክጅምር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሕተቱ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ዝኽሪ በዓል ክትገብር ዝድለ እኳ እንተዀነ: ኵሉ ግዜ ዝከኣል ግን ኣይኰነን። ብዝሕ ዝበላ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀና ጉባኤታት ነታ ምሸት እቲኣ ካልእ መአከቢ ቦታ ክረኽባ ይኽእላ ኢየን። ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ክካፈሉ ምእንቲ ክኽእሉ እቲ ዝኽሪ በዓል ኣዝዩ ደንጕዩ ክጅምር የብሉን። ወይ ድማ እቲ መደብ ኣዝዩ እተጻበበ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ቅድሚ እቲ በዓል ወይ ድሕሪኡ በጻሕቲ ሰላም ንምባል: ንተገደስቲ ሰባት ቀጻሊ መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ መደባት ንምግባር: ወይ ድማ ሓፈሻዊ ምትብባዕ ንምሃብ ዘይጥዕም ክኸውን የብሉን። ኵሉ ረቛሒታት ኣጸቢቑ ምስ ተጸንዐ: እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣብቲ ዝኽሪ በዓል ዝካፈሉ ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽጥቀሙ ብዝበለጸ ዝሕግዝ ምድላዋት ንምግባር ከም ዝኸውን ክውስኑ ኣለዎም።
◼ እቲ ናይ 1998 ናይ ዝኽሪ በዓል ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝዋሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 29 መጋቢት ክቐርብ ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክዋሃብ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ናይታ ሰሙን እቲኣ ምብጻሕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: ወይ ድማ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ክዋሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 29 መጋቢት 1998 ክትወስዶ የብላን።
◼ እታ ጉባኤ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝግበር ኣሰምብሊታት ክትካፈል ከላ እዚ ዝስዕብ ምትዕርራያት ምግባር ከም ዘድሊ እቶም ኣካል ሽማግለታት ክግንዘቡ ኣለዎም:- ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ምስ ተመደበ: እታ ጉባኤ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብዘይካ ህዝባዊ ዝርርብ ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ካልእ ኵሉ ስሩዕ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክትገብር ኣለዋ። እታ ጉባኤ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ክትካፈል ምስ ዝምደብ ድማ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን እውን ኣይግበርን፣ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ጥራይ ይግበር።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ ታሕሳስ መሕተቲ ጽሑፋት ቅጥዒ ገይረን ናይ እንግሊዝኛ ናይ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት ምእዛዝ ክጅምራ ኣለወን። ጥሙር ጥራዛት ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተቱ መጻሕፍቲ ኢዮም።
◼ እቲ ኣቦ መንበር ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።
◼ ናይ 1999 በዓል ዝኽሪ ሓሙስ 1 ሚያዝያ ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ክኽበር ኢዩ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: እቶም ሽማግለታት ናይቲ በዓል ዝኽሪ ተዛራባይ ክምድቡ ኸለዉ: ኣብ ክንዲ በብተራ ዝህቡ ወይ ድማ ዓመት-ዓመት ሓደ ሓው ጥራይ ዝጥቀሙ ካብቶም ብቑዓት ዝዀኑ ሽማግለታት ሓደ ክመርጹ ኣለዎም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝጅምር ንኽልተ መዓልቲ ዝግበር ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ቀንዲ ኣርእስቲ “ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኻ ኣቕሪብካ ምሓዝ” ዝብል ክኸውን ኢዩ። (2 ጴጥ. 3:12 NW ) እዚ ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ንምልዕዓል ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ነበርቲ ምድሪ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ፍርዲ የሆዋ ክርእዩ ኢዮም። ካብታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” መን ኢዩ ኽድሕን፧ እቶም ብመንፈስ ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑን እቶም ኣብ ህይወቶም ‘ቅዱስ ጠባይን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን’ እናኣርኣዩ ዝመላለሱን ኢዮም።—ራእ. 16:14፣ 2 ጴጥ. 3:11,12 NW
ሓደ ሰብ ካብ መዓልቲ የሆዋ ንኽድሕን ክጥመቕ ኣድላዪ ኢዩ። (1 ጴጥ. 3:21) እቶም ኣብቲ ኣሰምብሊ ክጥመቑ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ: ነቲ ኣድላዪ ምድላዋት ዝገብር ኣቦ-መንበር ተዓዛቢ ክነግርዎ ኣለዎም።
እቲ “እንታይ ዓይነት ሰባት ክንከውን ከም ዘሎና” ዘርእስቱ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ: ነታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮ ኣቕሪብካ ምሓዝ ከመይ ዝበሉ ስጕምትታት ምውሳድ ከም ዘጠቓልል ኣነጺሩ ከርኢ ኢዩ። እቲ “መዓልቲ የሆዋ ክትቀርብ ከላ ብጥበብ ተመላለሱ” ዝብል ህዝባዊ ዝርርብ: ደሓንቲ ምእንቲ ኽንከውን ‘ንእግዚኣብሄር: ንጽድቅን ንትሕትናን ምድላይ’ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ክገልጸልና ኢዩ።—ጸፎ. 2:3
እቲ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: “ናብራና ኣብታ ሓቂ ዘተኰረ ድዩ፧” ከምኡውን “ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ኣቐዲምካ ምምዳብ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ብገየሽቲ ተዓዘብቲ ዝዋሃብ ክልተ ዘለዓዕል ዝርርባት ክዛዘም ኢዩ። እዚ ዝርርባት እዚ ህይወትና ንኽንምርምርን ዝዀነ ይኹን ኣድላዪ ምትዕርራያት ድማ ንኽንገብርን ከለዓዕለና ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢትን ናይ ዓለም ፍጻመታትን መዓልቲ የሆዋ ከም ዝቐረበት ኣነጺሩ ዝሕብር ኢዩ። እዚ ናይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም እዚ: ‘ጥንቁቓትን ንቑሓትን’ ክንከውን ከተባብዓና ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:8) ኣብ ክልቲአን መዓልትታት ንምክፋል ጽኑዕ መደብ ኣውጽእ።