ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/97 ገጽ 8
  • ብስራት ብኢንተርነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት ብኢንተርነት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 12/97 ገጽ 8

ብስራት ብኢንተርነት

ኣብዚ ብቴክኖሎጂ ላዕሊ በጺሑ ዘሎ መዋእልና: ገለ ሰባት ኢንተርነት ሓዊስካ ካብ ኤለክትሮኒካዊ ምንጭታት ሓበሬታ ይረኽቡ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ማሕበር ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትምህርትታትን ንጥፈታትን ርጡብ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ከም ዝኣቱ ገይራ ኣላ።

እቲ ናትና ናይ ኢንተርነት ወብ ሳይት : http://www.watchtower.org ዝብል ኣድራሻ ኣለዎ: እተመርጹ ትራክትታት: ብሮሹራት: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዓንቀጻት ብእንግሊዝኛ: ብቛንቋ ቻይና (ብዝቐለለ): ብጀርመን: ብሩስያ: ብስጳኛ: ከምኡውን ብኻልኦት ቋንቋታት ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ኣብዚ ወብ ሳይት ዘሎ ጽሑፋት ድሮ ኣብ ጉባኤታት ዘሎን ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ዘሎናን ኢዩ። ዕላማ ናይዚ ወብ ሳይት : ሓደስቲ ጽሑፋት ንምፍላጥ ዘይኰነስ ብመገዲ ኤለክትሮኒክስ ገይርካ ሓበሬታ ንህዝቢ ምድላው ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ውልቀ⁠-​ሰብ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዛዕባ ንጥፈታትና: ወይ ድማ ብዛዕባ ትምህርታትና ናይ ኢንተርነት ሓበሬታ ኸዳሉ ኣየድልዮን ኢዩ። እቲ ናትና ወግዓዊ ሳይት ንዝደለየ ዝዀነ ይኹን ሰብ ርጡብ ሓበሬታ ዝህብ ኢዩ።

እቲ ናትና ሳይት ኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ (E-mail) ንምስዳድ እተገብረ ምድላው ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ናይተን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ናይ ጶስጣ ኣድራሻታት ዝርርዝ ዝሓዘ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ሰባት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ወይ ድማ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ መሰኻኽር ብሕታዊ ሓገዝ ንምርካብ ክጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ ተጠቒሙ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽማሃር ድሌት ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ከይተሰከፍካ ሃቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ