ናይ ምሉእ ግዜ ምስክር ዲኻ፧
1 ነዚ ሕቶ እዚ እወ ብምባልዶ ምመለስካዮ፧ ሽሕ እኳ ዅሎም እቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣትዉ ዘይክእሉ እንተዀኑ: ኵላትና ንገዛእ ርእስና ከም ናይ ምሉእ ግዜ መሰኻኽሩ ገይርና ክንርእያ ዘይምኽንያታዊ ድዩ፧ ብርግጽ ይግብኣና ኢዩ።
2 ናይ ክፍለ-ግዜ ክርስትያን ዝበሃል የለን። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ብምባል ተዛረበ። (ዮሃ. 8:29) እቲ ተመሳሳሊ ስምዒት ዝነበሮ ጳውሎስውን ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ’ ተላብዩና ኢዩ። (1 ቈረ. 10:31) ብርግጽ እምበኣር: ኵላትና ንገዛእ ርእስና ከም ናይ ምሉእ ግዜ መሰኻኽር የሆዋ ገይርና ክንርእያ ይግብኣና ኢዩ። ከምዚ ገይርና ምሕሳብና: ኣብቲ እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ንጥፈት ንጽቡቕ ክጸልወና ኢዩ።
3 ነቲ መርትዖ ሕሰበሉ:- ኣካላዊ ትርኢትና: ኣዘራርባና: ከምኡውን ጠባይና ብሓቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንኻልኦት ሰባት ክሕብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከንዓዪ ኸሎና ወይ ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና ኣብ ዝዀነ እዋን: ኣድላይነት ናይ ግቡእ ኣከዳድና: ጥዑይ ኣዘራርባ: ከምኡውን ጽቡቕ ጠባይ ጥንቁቓት ኢና። ይኹን እምበር: ናብ ቤት ትምህርቲ ክንከይድ ከሎና ይኹን: ኣብ ዓለማዊ ዕዮ ክንዓዪ ኸሎና: ወይ ድማ ክንዘናጋዕ ከሎና ኵሉ ነገራትና ብናይ የሆዋ ጽድቃዊ መለክዒታት ከም እንነብር መርትዖ ክህብ ይግብኦ።
4 የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከአላን እዩ። . . . ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴ. 5:14-16) እዚ ኣብቲ እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገርን ኵሉ ግዜን ክርአ ኣለዎ። ብምኽንያት እቲ ዘሎናዮ ቦታ ወይ ድማ እንገብሮ ዘሎና ግብሪ: ምስክርነት ንምሃብ ነዕጠጢ ምዃንና እንተድኣ ፈሊጥና ‘ንየሆዋ ብኽፍለ-ግዜ ድየ ወይስ ብምሉእ ግዜ ኢየ ዘገልገሎ ዘሎኹ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ የድሊ። ብዛዕባ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ንምዝራብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ፈጺምና ዘይነሕልፍ ይግበረና።
5 ነቲ “ናይ ምሉእ ግዜ ምስክር ዲኻ፧” ዝብል ሕቶ ብዓቢ ድምጺ “እወ!” ኢልና ክንምልሶ ምስ እንኽእል ንየሆዋ ነኽብሮን ነሐጕሶን ምህላውና ዘክር።