ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/97 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 10/97 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ ተመላሊስካ ምብጻሕ: ኵንትራት ከም ዝኣትዉ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ካብ 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክትዝርጋሕ ኢያ። ሕዳር:- ምዝርጋሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ክቕጽል ኢዩ። ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ዘለዉ ሰብ ቤትን ኣብኡ ዝቕመጡ ሰባትን በታ ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ተጠቒመን ብምብጻሕ ዞባአን ዝሸፈና ጉባኤታት መጽሓፍ ፍልጠት ከበርክታ ይኽእላ ኢየን። ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ) ወይ ድማ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ (እንግሊዝኛ)። ጥሪ:- ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ክህሉ ዝኽእል ዝዀነ 192 ገጽ ዘለዎ ቅድሚ 1985 እተሓትመ መጽሓፍ። እተን ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ከበርክታ ይኽእላ ኢየን።

◼ እታው ናይዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታም: “ናይ 1998 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ኢዩ: ኣብ 1998 ብምልኡ ድማ ከም መወከሲ ክተሓዝ ኣለዎ።

◼ ወርሒ ሕዳር ሓሙሽተ ቐዳመ⁠-​ሰንበት ዘለዋ ብምዃና: ብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ምቹእ ጊዜ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

◼ ናይ ብዙሓት ጉባኤታት ናይ ኣኼባ ሰዓታት ኣብ 1 ጥሪ ክቕየር ኢዩ። ስለዚ: ነቲ እተቐየረ ናይ ኣኼባ ሰዓታት ንምሕባር ሓድሽ ናይ ምልክታ ወረቐት ምእዛዝ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

◼ ን1998 ዝኸውን ናይ ዝኽሪ ዕድመ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ በቲ እትጥቀመሉ ቋንቋ ምስቲ ዓመታዊ ዝለኣኽ ቅጥዕታት እቱው ኢዩ።

◼ ጉባኤታት በቲ ናይ ጥቅምቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲአን ተጠቒመን ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር​—⁠1998 ምሕታት ክጅምራ ኣለወን። እዚ ብኣምሓርኛ: እንግሊዝኛን ትግርኛን ክህሉ ኢዩ። እዚ ንኣሽቱ ጽሑፋት እዚ ፍሉይ ትእዛዝ ኢዩ: ከምኡውን ክሳዕ እቲ ምልኣኽ ዝካየድ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ጥርኑፍ ዝርዝራት ከም “ውንዙፍ” ኰይኑ ክዓዪ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ