ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሓምለ
7 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ብእተኻእለ መጠን ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ክጥቀሙላ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ነቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ናይታ ጉባኤ ሓሳብ ሃበሉ።
15 ደቒቕ:- “ተኣማንነት ዓስቢ ኣለዎ።” ሕቶን መልስን። ኣብ ናይ 22 ጥሪ 1993 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-21 ቀሪቡ ዘሎ ኣብነት ወስኸሉ።
20 ደቒቕ:- ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ እተዳሎኻ ኵን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ: ነቶም እንረኽቦም ሰባት ንምምስካር ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና። ኣጋጣሚ ምስ ረኸብና: መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጽሑፋት ዘይብልና ክንከውን ንኽእል። ኣቐዲምና መደብ ነውጽእ። ኣብ ቤት: ኣብቲ ኣጋይሽ እትቕበለሉ ጥቓ እቲ ማዕጾ ብቐሊሉ ክርከብ ዝኽእል ገለ ጽሑፋት ኣቐምጥ። ኣብ ሳንጣኻ ወይ ናይ ኢድ ቦርሳኻ እተፈላለየ ዓይነት ጽሑፋት ኣቐምጥ: ነዚ ድማ ኣብ ማኪናኻ: ኣብ ስራሕካ: ወይ ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ከብሕኻ ግበሮ። ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ክትጥቀም ከሎኻ ገለ ጽሑፍ ተማላእ። ብስራሕ ክትገይሽ ከሎኻ: ናብ ዓቢ ኣኼባ: ወይ ንዕረፍቲ ክትጓዓዝ ከሎኻ ገለ ጽሑፋት ተማላእ። ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 80-2 ቍጽሪ 11-16 ዝርከብ ተወሳኺ ሓሳባት ተመያየጠሉ። ንሓደ ሸያጢ: መሳርሕቲ: መማህርቲ: ካልእ መጋይሽቲ: ወይ ኣብ ዕረፍቲ ዘሎ ሰብ እትቐርበሉ እተፈላለየ መገድታት ዝገልጽ ሕጽር ዝበለ መርኣያታት ኣዳሉ።
መዝሙር 70ን መዕጸዊ ጸሎትን።
14 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ኣብ ምብርካት እተረኽበ ተመክሮታት ኣዘንቱ።
18 ደቒቕ:- “ኣብቲ ሰባት ዝርከብሉ ዘበለ መስክር።” ብዝርርብ ዝቐርብ። ግዜ ዘፍቅድ ምስ ዝኸውን: ካብ ናይ 1997 ዓመታዊ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 43-6 ተወሳኺ ተመክሮታት ክንገር ይከኣል ኢዩ።
15 ደቒቕ:- ወለዲ—ንደቅኹም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝኩም ማሃርዎም። ሓደ ሽማግለ ነቲ ወለዲ ንደቆም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ክምህርዎም ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ይመያየጠሉ። (ምሳ. 22:6፣ 2 ጢሞ. 3:14, 15) ገሊኦም ወለዲ ቈልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ንምግባር እኹላት ክሳዕ ዝዀኑ ዕቱብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ክወሃቡ የብሎምን ዝብል ስምዒት ኣለዎም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ብዙሓት ቈልዑ ብመገዲ ዓለም ክኸዱ ጀሚሮም ኢዮም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ካብ ሕጻንነቶም ኢዩ ክጅምር ዘለዎ። ( g 97 3/8 ገጽ 26-7 [እንግሊዝኛ]፣ w88 8/1 ገጽ 12-13 [እንግሊዝኛ]) ብዛዕባ መንፈሳውነት ደቆም ተገዳስነት ንዘርእዩ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ኣቦ ብኸመይ መሪሕነት ከም ዝወስድ: ክልቲኦም ወለዲ ግን ደቆም ንምምሃር ዘየቋርጽ: ምሉእ ፕሮግራም ኣብ ምድላው ከመይ ገይሮም ግዲኦም ከም ዝገብሩ ግለጽ። እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ማሕበር ኣብ ቤት ንምምሃር ውጽኢታውን ተግባራውን ፕሮግራም ምህላው ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ንደቆም ሓቂ ምእንቲ ክምህርዎም ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ የዘንትዉ። እቲ ሽማግለ ቃል ኣምላኽ ንወለዲ ክገብርዎ ዝምሕጸኖም ነገራት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ።—w85 4/1 ገጽ 23 (እንግሊዝኛ)፣ ኤፌ. 6:1-4
መዝሙር 71ን መዕጸዊ ጸሎትን።
21 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ንምዕዳል ዘሎና ሸቶ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም: ንኣተዓዳድላኣ ዝምልከት መርኣያ ድማ ኣዳሉ።
13 ደቒቕ:- “መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ኣዎንታዊ መንፈስ ዘንጸባርቕ ዝርርብ። ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ኣተባብዕ: ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ቍጽሪ 16-17 ዝርከብ ተመክሮ ድማ ወስኸሉ። እቶም ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ዘይክእሉ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ዓመት ኣበየነይቲ ወርሒ (ወርሓት) ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ከም ዝደልዩ ክምድቡ ይኽእሉ ኢዮም።
20 ደቒቕ:- ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 5-8 እተመስረተ ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝዋሃብ ዝርርብ። ነቲ ከም ኣገልገልቲ መጠን ዘለዎም ሓላፍነት ኣርዚኖም ክርእይዎ ንዅሎም ብምንቕቓሕ: ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ዕዮ ስብከት ኣጕልሕ።
መዝሙር 72ን መዕጸዊ ጸሎትን።
28 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም። ኣብ ነሓሰ ንዝዕደል ብሮሹር ተዘራረበሉ። (ክልተ ብሮሹራት እውን እንተዀነ ብሓንሳእ ክዕደል ይከኣል ኢዩ።) ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ጻዕሪ ብምግባር: ነቶም ብሮሹራት ዝዓደልካዮም ሰባት ተመሊስካ ብምብጻሕ ተኸታተሎም። ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ብምጥቃም: ንገለ ካብቲ ኣስላጢ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዘድሊ ነጥብታት ግለጽ። በታ ብቕዓት (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ጽንዓታት ክጅመር ኣለዎ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
18 ደቒቕ:- “ ‘ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር’ ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ” ካብ ቍጽሪ 1-9 ተመያየጠሉ።
መዝሙር 75ን መዕጸዊ ጸሎትን።