ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሰነ
2 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 181
8 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ነቲ ናይ መጋቢት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ናይታ ጉባኤ ሓሳብ ሃበሉ።
15 ደቒቕ:- “ተጋደሉ።” ሕቶን መልስን።—ከምኡውን ናይ 15 ሚያዝያ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 28-30 ርአ።
22 ደቒቕ:- “ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ።” ኣቦ መንበር ሓደ መንእሰይ ወሲኹ: ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ብምዃን ነታ ዓንቀጽ ይመያየጠላ። መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ሕቶታት ንምምላስ ኣብ ምሕጋዝና ገና ኣስላጢት ዝዀነትሉ ምኽንያት ኣጕሊሕካ ብምዝራብ: ንቝጽሪ 1 ሓሳብ ሃበላ። ንልምምድ ዝኸውን መርኣያ ኣዳሉ: ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣቀራርባ ድማ ንምምሕያሽ ዝኸውን ርእይቶታት ሃብ።
መዝሙር 200ን መዕጸዊ ጸሎትን።
9 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 189
10 ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ናይ ግዜ ዕረፍቲ መዘኻኸሪታት። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። መብዛሕትና ሓድሓደ እዋን ተወሳኺ ንጥፈታት ክንገብር ንምድብ ኢና: እዚ ድማ ካብ ስራሕ ምዕራፍ: ኣዝማድ ምብጻሕ: ወይ ምዝንጋዕ ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ሸለል ምእንቲ ከይብሃል ንነገራት ብኸመይ ከነማሓድሮ ምኸኣልና፧ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ተመያየጠሉ:- (1) ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኻፈል። (2) ኣብ ዓድኻ ይኹን ወይ ካብኡ ርሒቕካ ኣብ ዘለኻሉ ቦታ: ስርዓታዊ ኴንካ ኣኼባታት ተኻፈል። (3) ኣብቲ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ተሳታፍነት ንኽህልወካ መድብ: ካብ ዓድኻ ወጻኢ ምስ እትህሉ ድማ: ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ናብታ ጉባኤ ልኣኽ። (4) ክትጓዓዝ ከሎኻ ንናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ምእንቲ ክጠቕመካ ጽሑፋት ተማላእ። (5) ኣብቲ መዓልቲ ነዊሕ ዝዀነሉ እዋናት ኣብቲ ናይ ምሸት ምስክርነት ዝያዳ ዕየ። (6) ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓጋዚ ፓይነር ብምዃን ተመዝገብ። (7) ሽማግለታት ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ብጽቡቕ ከማሓድርዎ: ሓደ ሰብ ምስ ዝጐድል ነፍሲ ወከፍ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ የማልኦ ከም ዘሎ ከረጋግጹ ኣለዎም።
20 ደቒቕ:- ንኻልኦት ምምሃር—ብህጹጽ ዘድሊ ነገር። ብሓደ ሽማግለ ዝዋሃብ ዝርርብ። ነቲ ኣብ ናይ 1997 ዓመታዊ መጽሓፍ ገጽ 33 ወይ ድማ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ናይ 1996 ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ተመያየጠሉ። ንሰባት ኣብቲ ክርከብሉ ዝኽእሉ ቦታታት ኬድካ ንምምስካር ዝግበር ብርቱዕ ጻዕሪ ፍረ የፍሪ ኢዩ ዘሎ። እቲ ሕጂ ብህጹጽ ዘድሊ ዘሎ ነገር ነቶም ጽሑፋት ዝዓደልናዮም ሰባት ምክትታልን ሓቂ ድማ ምምሃሮምን ኢዩ። ኣብቲ ህዝቢ ብብዝሒ ዘለዎ ቦታታት ምስ እንረኽቦም: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ምእንቲ ኽንክእል: ብሜላ ስምን ኣድራሻን ንሕተቶም ወይ: ኣዝዩ ርሑቕ እንተድኣ ዘይኰይኑ ገዝኦም ከም ዘርእዩና ንግበር። ንዘርኢ ናይታ መንግስቲ ካብ ምትካል ንላዕሊ ክንፍጽም ኢዩ ዘድልየና፣ ማይ እውን ከነስትዮ ኣሎና። (1 ቈረ. 3:6-8) ዘርኢ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ምስ ዝዝራእ: ጽቡቕ ዝዀነ ኣማሃህራ እቲ ሰብ ንመልእኽቲ ናይቲ ቓል ምእንቲ ክርድኦ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። (ማቴ. 13:23) ኣብቲ ናይ ምምሃር ዕዮ ብዝከኣለና መጠን ምሉእ ብምሉእን ኣስላጢ ብዝዀነ መገድን ክንካፈል ኣሎና። (እብ. 5:12ሀ) ካብቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ቍጽሪ 25-26 ዘሎ ነጥብታት ወስኸሉ። በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ወይ መጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ጽንዓታት ንምጅማር ጻዕሪ ክግበር ከም ዘለዎ ኣጕልሕ።
መዝሙር 204ን መዕጸዊ ጸሎትን።
16 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 192
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋናዊ መጽሔታት ዘሎ ንመዘራረቢ ዝኸውን ነጥብታት ሓሳብ ሃብ።
15 ደቒቕ:- ነቲ ኸባቢ ዘድሊ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- ሃይማኖትካ ሓቀኛ ወይ ናይ ሓሶት ምዃኑ ምልላይ። ሓደ ሽማግለ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ኰይኑ: ኣብ ናይ 22 ታሕሳስ 1989 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 18 እተመስረተ ምይይጥ ይገብር። ቅኑዓት ዝመስሉ ብዙሓት ሰባት ብተደጋጋሚ ኢዮም ዝብጽሑ ዘለዉ። ይኹን እምበር: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ፈጺሞም ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። እቲ ኣብታ ናይ ንቕሑ! ዓንቀጽ ዘሎ ነጥብታት ምስቲ ርጡብ ፍልጠት ብምስምማዕ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ኣድላይነት ንኽግንዘቡ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ተመያየጠሉ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ምዕራፍ 5 “ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ ኣገዳሲ ነጥብታት ጥቐስ። ንቝጽሪ 20 ኣንብባ። ንኸምዚኦም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ጽንዓት ንኽገብሩ ኣኼባታት ድማ ንኽካፈሉ ብሕያውነትን ሜላን ንምትብብዖም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
መዝሙር 201ን መዕጸዊ ጸሎትን።
23 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 193
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ሰባት ብዛዕባና እንታይ ኢዮም ዝብሉ፧ ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት መሐበሪ 1986-1990 ገጽ 268-9 ከምኡውን ናይ 1991-1994 ገጽ 84-5 ዝርከብ ሓበሬታ እተመስረተ ዝርርብ። ካብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ማለት ንጠባይናን ዕዮናን ኣመልኪቶም “ካልኦት ሰባት ዝሃብዎ ርእይቶታት” ምረጽ። ካልኦት ሰባት በቲ ኣባና ዝርእይዎ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ከም እተተንከፉ ሓብር። እዚ ኵሉ ግዜ ገዛእ ርእስና ብግቡእ ንኽንእድብን ኣብ ስራሕና ድማ ትግሃት ንኸነርእን ስለምንታይ ከለዓዕለና ከም ዘለዎ ግለጽ። ምስቶም ብዛዕባና ዝያዳ ክፈልጡ ዝደልዩ መቕረባናን ተገደስቲ ሰባትን ክንዛረብ ከሎና ንኸምዚ ዝበለ ጽቡቕ ርእይቶታት ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ጥቐስ።
20 ደቒቕ:- “ወለዲ—ንደቅኹም ምስባኽ ኣለማምድዎም።” ሕቶን መልስን። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 99-100 “ንመንእሰያት ምሕጋዞም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ መምርሒ ወስኽ።
መዝሙር 211ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 197
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሰነ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም።
20 ደቒቕ:- “መንእሰያት—መንፈሳዊ ሸቶታትኩም እንታይ ኢዩ፧” ክልተ ኣቦታት ነታ ዓንቀጽ ይመያየጡላ። ደቆም ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ስጋዊ ድሌታት ዝስዕቡ: መንፈሳዊ በረኸታት ዘምጽእ ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ምውጻእ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ንኽርድኡ ብኸመይ ከም ዝሕግዝዎም ይዘራረቡ።—ከምኡውን መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 116-18 ርአ።
15 ደቒቕ:- ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣብቲ ወፈራና ከመይ ንኸይድ ከም ዘሎና ይመያየጠሉ። ክሳዕ ሕጂ ተዓዲሉ ዘሎ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ተዘራረበሉ: ከምኡውን ምስ መርኣያ ገይርካ ኣብቲ ነዚ ወፈራ እዚ ተባሂሉ ብማሕበር እተላእከ ደብዳበ እተመስረተ ተግባራዊ ርእይቶታት ሃብ።
መዝሙር 109ን መዕጸዊ ጸሎትን