ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝያዳ ኣሕዋት የድልዩ ኣለዉ
1 ጳውሎስ ‘ብዕዮ ጐይታ ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ክንከውን’ ተላብዩና ኢዩ። (1 ቈረ. 15:58) ንብዙሓት እዚ ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምሓዙ ማለት ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዙሓት ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተወሲኾም ኣለዉ!
2 ዝያዳ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት እንተ ዝውሰኽዎስ ነታ ጉባኤ ክንደይ ሓጐስ ኰን ምዀነ ነይሩ! (መዝ. 110:3) ብዙሓት ኣሕዋት ኣገዳሲ ናይ ዓለማውን ናይ ስድራቤትን ግዴታታት ክሓልዩ ከም ዘለዎም ርዱእ ኢዩ። ካልኦትውን መንፈሳዊ ድሌታት ናይታ ጉባኤ ከማልኡ ኣበርቲዖም ይዓዩ ኢዮም። ነዞም ምእንቲ እታ መንግስቲ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ዝውፍዩ ሰብኡት ነማስዎም ኢና።—1 ጢሞ. 4:10
3 ከምዚ እኳ እንተዀነ: ካባኻትኩም ዝያዳ ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክሳተፉ ይኽእሉዶ፧ በዓልቲ ቤትካ ፓይነር እንተድኣ ኰይና ክትሓብራ ምኸኣልካዶ፧ ወይ በዓል ቤትኪ ፓይነር እንተድኣ ኰይኑ ኽትሓብርዮ ምኸኣልኪዶ፧ ጥሮታ ዝወጻእካ እንተድኣ ኰይንካ ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንላዕሊ ግዜኻ ብዘዕግብ ከተሕልፈሉ እትኽእል ከም ዘየለ ኣይትሰማማዓሉንዶ፧ ትምህርትኻ ክትውድእ ዝቐረብካ እንተድኣ ኰይንካኸ ነቲ ንተወሳኺ መሰላት መሳልል ዝዀነ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት መሰል ክትኣትዎ ኣኽቢድካን ብጸሎት ገይርካን ሓሲብካሉዶ ኢኻ፧—ኤፌ. 5:15-17
4 ሓደ ሓው ፓይነር ኰይኑ ምእንቲ ከገልግል ነቲ ምዕቡል ንግዱ ብምሻጥ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ጀመረ። በቲ ጽቡቕ ዝዀነ መሪሕነቱ ተለዓዒሎም ካብቶም ኣርባዕተ ደቁ እቶም ሰለስተ ትምህርቲ ውድእ ምስ ኣበሉ ፓይነራት ኰኑ። እቲ ራብዓይውን ንኽሓብሮም ህንጡይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ሓው እዝን ስድራቤቱን ኣዝዮም ተባሪኾም ኢዮም።
5 ሓደ ዓቢ ደገ ተኸፊቱ ኣሎ:- ናይ ፓይነር ኣገልግሎት “ናብ ዕዮ ዝመርሕ ዓብዪ ደገ” ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረ. 16:9 ትሓዓ ) እቶም ፓይነራት ዝዀኑ ኣሕዋት ስፍሕ ብዝበለ መገዲ ነታ ጉባኤ ከገልግሉ ይኽእሉ ኢዮም። ቅንኢ ዘለዎ ናይ ኣገልግሎት ንጥፈት ንዕቤት መንፈሳዊ ኣቃውማኦም ይውስኸሉ: ንቲኦክራሲያዊ ምዕባሌኦም ድማ ኣስተዋጽኦ ይገብር ኢዩ። ፓይነር ምዃን ንተወሳኺ መሰል ኣገልግሎት መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ። ፍሉይ ፓይነር ንምዃን ወይ ድማ ንናይ ቤትኤል ኣገልግሎት መሳልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ዓመት ፓይነር ኴንካ ድሕሪ ምግልጋል: ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ናይ ምስታፍ በረኸት ኣሎ። ንጽል ዝዀኑ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኣብቲ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ክሳተፉ ክመጣጠሩ ይኽእሉ ይዀኑ። እወ: ናይ ፓይነር ኣገልግሎት: ኣብ ማሕበር የሆዋ ነዞም ዝዘርዘርናዮም ዝዓበዩ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ማዕጾ ይኸፍት ኢዩ።
6 እቶም ኣብ ስርዓታዊ ፓይነር ንኽሳተፉ ጕዳያቶም ከተዓራርዩ ዝኽእሉ ኣሕዋት ካብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ምሃብ ዝመጽእ ብዙሕ ሓጐስ ከስተማቕሩ ይኽእሉ ኢዮም።—ግብ. 20:35