ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 22 ሚያዝያ 1996 ዘሎ ሰሙናት ንዝወሃብ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት መጽሓፍ ከይገንጸልካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ፈሊኻ ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ ናይቲ ጽሑፋዊ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላሽ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሓበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሓሳባት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ:-
1. ሓደ ክርስትያን ቅኑዕ ነገር ይገብር ከም ዘሎ እንተድኣ ተሰሚዕዎ: እቲ ዝገብሮ ውሳነታት ቅኑዕ ኢዩ። (ምሳ. 14:12) [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 1 ቍጽሪ 8(2)]
2. ትምህርቲ ስላሴ መበቆሉ ካብ ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 2 ቍጽሪ 8]
3. ሕጊ ሙሴ ኣቋሪጹ እኳ እንተዀነ: እተን ዓሰርተ ትእዛዛትውን ምስቲ ዘቋረጸ ከም ዝዀና መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ኣይህብን ኢዩ። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 347 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
4. ሮሜ 8:16 ምስ ሮሜ 1:7 ብምርእኣይ ጳውሎስ ንዅሎም ደቅሰብ “ውሉድ ኣምላኽ” ኢሉ ከም ዝጸውዖም ክንርዳእ ንኽእል ኢና። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 3 ቍጽሪ 12(3)]
5. እቲ ኣብ ኤርምያስ 31:31, 33 ተጠቒሱ ዘሎ ኪዳን: ነቲ የሱስ ምስቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ዝገብሮ ናይ መንግስቲ ኪዳን ዘመልክት ኢዩ። [ጠቓሚ ገጽ 129 ቍጽሪ 38]
6. ድጕዓ ኤርምያስ ብሓሙሽተ ናይ መዝሙር ግጥምታት ዝቘመት ክትከውን ከላ እተን ኣርባዕተ ብሓደ ዓይነት ፊደላት ዝጅምራ ኢየን። [ጠቓሚ ገጽ 130 ቍጽሪ 6]
7. የሱስ ደድሕሪ ትንሳኤኡ ብእተፈላለየ መልክዕ ተራእዩ ኢዩ—ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ኢዩ። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 333 ቍጽሪ 3]
8. ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ናይ ክርስቶስ መስዋእቲ እምነት ብምርኣይ: ከምኡውን ነቲ ርእሶም ንምጽዳቕ ዝፍትንሉ ተግባራት ብምሕዳግ ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ይኣትዉ። (እብ 4:10) [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 349 ቍጽሪ 1]
9. እቲ ኣብ ራእይ 20:5 “እቶም ዝተረፉ ምውታት” ናብ ህይወት ብዛዕባ ምምጽኦም ዝዛረብ ሓሳባት: ነቲ ምድራዊ ትንሳኤ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዩ ዘመልክት። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 337 ቍጽሪ 3 ክሳዕ ገጽ 338 ቍጽሪ 3]
10. የሱስ ኣብ ሕጊ ኣየናይ ትእዛዝ ዝዓበየ ከም ዝዀነ ምስ ተሓተተ: ካብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ሓንቲ እኳ አይጠቐሰን። (ማቴ. 22:35-40) [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 347 ቍጽሪ 1]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሕቶታት መልስ:-
11. እቲ ዓቢ ፍቕሪ ኣምላኽ: ወዱ ህይወቱ ምእንቲ ክህበና ንኽልእኮ ስለ ዝደረኾ: ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪኸ እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ክድርኸና ዘለዎ፧ (2 ቈረ. 5:14, 15) [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 2 ቍጽሪ 6]
12. ብስም የሆዋ ምምልላስ ክበሃል ከሎ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 2 ቍጽሪ 14]
13. ንመጽሓፍ ድጕዓ ኤርምያስ ብምንባብ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንታይ ኢና እንማሃር፧ (ድጕ. 3:22, 23, 32) [ጠቓሚ ገጽ 132 ቍጽሪ 13, 15]
14. ንየሱስን ንህዝቅኤልን ንምምልካት ብተደጋጋሚ ተዘውቲሩ ዘሎ መግለጺ እንታይ ኢዩ፧ [ጠቓሚ ገጽ 133 ቍጽሪ 2]
15. እቶም ኣብ ምድሪ ብህይወት ንምንባር ዝትንስኡ ብመሰረት እቲ ምስ ተንስኡ ዝገብርዎ ተግባራት ኢዮም ዝፍረዱ ኢልካ ክትኣምን ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሮሜ. 6:7) [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 337 ቍጽሪ 2]
16. ነቲ ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ዝሕጐስሉ ዘለዉ ሕብረት ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥብታት ኣየኖት ኢዮም፧ [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 1 ቍጽሪ 8, 9)
17. እቲ ምስ ህላዌ የሱስ እተተሓሓዘ ምልክታት ንኽፍጸም ብዙሕ ዓመታት ኢዩ ወሲዱ ኢልና ክንገልጽ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ማቴ. 24:37-39) [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 340 ቍጽሪ 2]
18. ኣብ ርእሲ እቲ ሓለፍ ዝበለ ባህርያት የሆዋ ማለት ፍቕሪ: ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ሓይሊ: ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 34:6፣ መዝሙር 86:5፣ ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ተጠቒሱ ዘሎ ዝምስጥ ባህርያቱ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 2 ቍጽሪ 3]
19. ንዮሃንስ 14:9, 10 ምስ ሉቃስ 5:12, 13 ብምውድዳር: የሆዋ ንስቓይ ወድሰብ ዝምልከት ብለውሃት ከም ዝድንግጽ ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 3 ቍጽሪ 12(1)]
20. ክርስትያናት ሰሙናዊ መዓልቲ ሰንበት ንምሕላው ዘይግደዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ሮሜ 10:4) [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 344 ቍጽሪ 4 ክሳዕ ገጽ 345 ቍጽሪ 1]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሓሳባት: ብቓል (ብቓላት) ወይ ሓረግ ገይርካ ምልኣዮም:-
21. ዔብድ-ሜሌክ ነቶም ____________ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስ ኣዕሩኾምን ደገፍቶምን ስለ ዝነበሩ ኣብ ____________ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ___________ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ዓቢ ጭፍራ ተምሳል ኢዩ ነይሩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግምቢ ዘብዐኛ 82 10/1 (እንግሊዝኛ) ገጽ 27 ቍጽሪ 11 ርአ።]
22. ዋላ እኳ የሱስ ከም “ኣምላኽ” ተጸዊዑ እንተሎ ኣብ ዮሃንስ 17:3 ንየሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ ___________በይንኻ” ብምባል ጸዊዕዎ ኣሎ: ከምኡውን ኣብ ዮሃንስ 20:17 ንየሆዋ ____________“ኣምላኸይ ን ___________ኣምላኽኩም ን” ብምባል ጠቒስዎ ኣሎ። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 2 ቍጽሪ 12]
23. እቲ ኣብ ኤርምያስ 52:5-11 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ኣብ ____________607 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተፈጺሙ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግምቢ ዘብዐኛ 88 (እንግሊዝኛ) 4/1 ገጽ 14 ቍጽሪ 18 ርአ።]
24. ራእይ 1:7 ክርስቶስ ክምለስ ከሎ ‘ኵለን ኣዒንቲ ክርእያኦ ኢየን’ ኢሉ ክገልጽ ከሎ ን___________ኣካላዊ ምርኣይ ዘይኰነስ ንናይ ኣእምሮ ___________ምስትውዓል ኢዩ ዘመልክት። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 342 ቍጽሪ 3]
25. የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኵሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት ____________ስጋዊ ኣካል ለቢሱ ኣይኰነን ዝርአ ነይሩ: እዚ ድማ ምናልባት ንደቀ መዛሙርቱ ሽዑ ንሱ ____________መንፈስ ከም ዝነበረ ንኽርድኡ ኣብ ኣእምሮኦም ክተኽለሎም ደልዩ ይኸውን: ስለ ዝዀነ እኳ እቶም ምስኡ ጥብቂ ርክብ ዝነበሮምውን ከይተረፈ ብኡንብኡ ____________ኣየለለይዎን። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 334 ቍጽሪ 2]
ኣብዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሓሳባት ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ምኽንያቱ ድማ (ተርጐምቲ ከምኡ ኢሎም ሰምዮምዎ ኢዮም፣ ውፉያት ሰባት ኢዮም ጽሒፎምዎ: ብመርሒነት ናይ ኣምላኽ ኢዩ ተጻሒፉ)። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 3 ቍጽሪ 2]
27. መዓልቲ-መዓልቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ (ሓደ: ክልተ: ኣርባዕተ) ገጽ እንተድኣ ኣንቢብካ: ዳርጋ ኣብ (ሽዱሽተ ወርሒ፣ ትሽዓተ ወርሒ፣ ሓደ ዓመት) ክትውድኦ ትኽእል ኢኻ። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 3 ቍጽሪ 9]
28. ናይ ስነ-ምግባር ቀይዲ: ምስቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ተጠቓሊሉ እተዛዘመ ሕጊ ሙሴ ኣየልገሰን: ምኽንያቱ ድማ ኣብ ስርዓት ክርስትና (ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት ኢዩ ዘማዕብል፣ ሰባት ብሕልናኦም ጥራይ ኢዮም ክምርሑ ዝግብኦም፣ መብዛሕትኡ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዘሎ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት እንደገና ኣብቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት ተጠቒሱ ኣሎ)። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 348 ቍጽሪ 1]
29. የሆዋ ንኤርምያስ ‘ጠቢርዎ’ ኢዩ እዚ ማለት ድማ (ናይ ጥፍኣት መልእኽቲ ከም ዝሰብኽ ብምግባር የዐሽይዎ፣ ነቲ ብሓይሉ ክፍጽሞ ዘይክእል ንኽፍጽም ተጠቒሙሉ፣ ነቲ ኤርምያስ እተነበዮ ጥፍኣት ከየምጽኦ ስቕ ኢሉ)። (ኤር. 20:7) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግምቢ ዘብዐኛ 89 5/1 (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ርአ።]
30. እቲ ብመሰረት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ ዮሃንስ 5:28 “ናይ ዝኽሪ መቓብር” ዝብል መግለጺ (ናይ ውልቀ ሰባት መቓብር፣ ናይ ደቅሰብ ተራ መቓብር፣ ንዝሞተ ሰብ ኣምላኽ ከም ዝዝክሮ) ኢዩ ዘመልክት። [ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 338 ቍጽሪ 4]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ጥቕስታት ምስቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓሳባት ኣዛምዶም:- ምሳ. 3:5, 6፣ ኤር. 23:33፣ 32:9, 10፣ ድጕ. 3:44፣ ራእ. 15:3, 4
31. መሰረት ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ንየሆዋ ምፍላጥን ምስቲ ጽድቃዊ መገድታቱ ኸኣ ተሰማሚዕካ ምንባርን ኢዩ። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 1 ቍጽሪ 1]
32. ናብራ ህይወትና ብምሉኡ: ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ወይ ከኣ እንገብሮ ዘሎና ብዘየገድስ ኣተሓሳስባናን ድራኼታትናን ብኣምላኻዊ ኣተሓሳስባ እተዓብለለ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ። [ሓድነት ኣምልኾ ምዕ. 1 ቍጽሪ 11]
33. የሆዋ ንጸሎት ረሲኣን ኣይሰምዖን ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግምቢ ዘብዐኛ 87 7/15 (እንግሊዝኛ) ገጽ 15]
34. እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ከቢድ ትንቢታዊ መልእኽቲ: ነቲ ዘይተርፍ ናይ ህዝበ ክርስትያን ጥፍኣት ዝእውጅ ከቢድ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኢዩ ዘመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ መጋቢት 94 ገጽ 8 ቍጽሪ 18, 20 ርአ።]
35. ምስቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ብጾትና: ኣብ ናይ ንግዲ ጕዳያት ክንሓብር ከሎና: ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ስምምዕ ምግባር ኣብ ዳሕራይ ግዜ ዘይምርድዳእ ንኸይለዓል ክከላኸል ይኽእል ኢዩ። [ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግምቢ ዘብዐኛ 95 (እንግሊዝኛ) 5/1 ገጽ 30 ርአ።]