ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/96 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሚያዝያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሚያዝያ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 4/96 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሚያዝያ

1 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 132

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታት። ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓልኩም ዝምልከት ዝዀነ ጕሉሕ ጸብጻባት ጥቐስ።

20 ደቒቕ:- “ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ኩኑ!” በቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ ኰይኑ: ካብ ቍጽሪ 1-​10 ብሕቶን መልስን ዝሽፈን። (1) ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሚያዝያ ሰፊሕ ዝዀነ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈት ንምግባር እንታይ ከም እተመደበ (2) ኵላቶም ምእንቲ ክሳተፉ ብኸመይ ክሕገዙ ከም ዝኽእሉ: ከምኡውን (3) ሓደስቲ ሰባትን ናእሽቱን ኣብቲ ዕዮ ብኸመይ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ግለጽ።

15 ደቒቕ:- “ነቶም ብቑዓት ሰባት ድለይዎም።” ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቀራርባታት ድገሞ: ብኸመይ ክትጥቀመሎም ከም እትኽእል ዘርኢ ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ። ግዜ ከም ዘፍቅዶ: ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 5 ዝርከብ: ብዛዕባ ኣተዓዳድላ መጽሔታት ተዋሂቡ ዘሎ ገለ ገለ ርእይቶታት ተዘራረበሉ።

መዝሙር 20ን መዕጸዊ ጸሎትን።

8 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 72

15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ፣ በቲ እተገብረ ወፈያ ካብ ማሕበር ዝመጸ ምስጋና ጥቐስ። ነቶም ኣብ ዝኽሪ እተሳተፉ ሓደስቲ ሰባት ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕብየት ምእንቲ ክግበሩ ክንሕግዘሉ እንኽእል ተግባራዊ መገድታት ተመያየጥሉ። ግምቢ ዘብዐኛ: 7/112 ገጽ 2-​6 ድገሞ።

15 ደቒቕ:- “መዓልትን ለይትን ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርቡ።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 5 ከምኡውን 6 ኣንብብ።

15 ደቒቕ:-: “ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ኩኑ!” ካብ ቍጽሪ 11-15 ብሕቶን መልስን ዝሽፈን። ኵላቶም ብሕታዊ ኵነታቶም ክግምግሙን ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ድማ ደገፎም ከዛይድሉ ዝኽእሉ መገድታት ክደልዩን ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 113ን መዕጸዊ ጸሎትን።

15 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 133

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ንተኣከብቲ ብዛዕባ እታ “ኣብዚ ቄናን ወለዶ መንቅብ ዘይብልካ ኴንካ ምጽናሕ” ዘርእስታ: ሚያዝያ 21 እትውሃብ ፍልይቲ ዝርርብ ኣዘኻኽሮም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምእንቲ ክሳተፍ ተወሳኺ ጻዕሪ ንኽገብሩ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- “ግዜ ተቐይሩ ኢዩ።” ሕቶን መልስን። መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ምስቲ ንሰባት ኣዝዩ ብህጹጽ ዘድልዮም ነገራት ከም ዝሰማማዕ ገይርካ ዝቐርበሉ መገዲ ኣጕልሓዮ። ከምቲ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ: ገጽ 18-19 ተገሊጹ ዘሎ: ነቲ ኣብ ናይ ሰባት ኣእምሮ ዘሎ ሓድሓደ ናይ ስድራቤትን ማሕበራውን ጕዳያት ሓሳባት ሃበሉ።

20 ደቒቕ:- “እምነት ካብ ምስማዕ እያ።” መጽሔታት ምዕዳል: ብመጽሓፍ ፍልጠት: መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር: ወይ ብምንባር ተሓጐሱ እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕያይ ዘኽእል ተገዳስነት ንምዅስኳስ ብኸመይ ክጠቅም ከም ዝኽእል ተመያየጠሉ። ክልተ ወይ ሰለስተ መርኣያታት ኣዳሉ።

መዝሙር 204ን መዕጸዊ ጸሎትን።

22 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6

15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን እተዋህበ ፍሉይ ዝርርብ: ዝነበረ ጕሉሕ ነጥብታት ድገሞ። እዚ ማዕዳ እዚ ነቶም ተገደስቲ ሰባት ንሓቀኛ ኣምልኾ ጽኑዕ መትከል ንኽሕዙ ብኸመይ ከለዓዕሎም ከም ዘለዎ ተመያየጠሉ። ከምኡውን ነቲ “በቲ ርጡብ ፍልጠት እናዓቤኹም ኪዱ” ዝብል ሓሳባት ኣቕልበሉ: ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ስርዓታዊ ኴንካ ናይ ምክፋል ኣገዳስነት ድማ ጽቐጠሉ።

12 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። እቶም ኣኼባታት ዝመርሑ ኣሕዋት ቅጽል ኣስማት ተጠቒሞም ንውልቀሰባት ብምጽዋዕ ዘየድሊ ምፍልላይ ከስዕብ ዝኽእል ምቅርራብ ምግባር ስለምንታይ ከርሕቑ ከም ዘለዎም ግለጽ።

18 ደቒቕ:- ነቲ ኣብ ትሕቲ “ሽግራት ክለዓል ከሎ” ዝብል ቀንዲ መልእኽቲ: ካብታ ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 138-142 (ላዕለዋይ) ብሕቶን መልስን ዝሽፈን። ግዜ ከም ዘፍቅዶ ገለ ሕጡብ-ጽሑፋትን ጥቕስታትን መሪጽካ ኣንብብ: ክርስትያናዊ ሰላምናን ሕብረትና ምእንቲ ክዕቀብ ድማ ኵላቶም መስተብሃልቲ ክዀኑ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 143ን መዕጸዊ ጸሎትን።

29 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 144

12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ብዛዕባ ንጥፈታትናን ዕላማታትናን እናኣጋገዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣንቆራ” ከም ዝዀኑ ይገልጹ። መጽሓፍ ምምርማር ገጽ 202 ብምጥቃም: እዚ ክሲ እዚ ብኸመይ መልሲ ከም ዝዋሃቦ ግለጽ።

15 ደቒቕ:- ንዞባና ምዕሩይ ገይርና ምሽፋን። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ፋሕ ዝበሉ ወይ ከኣ ምሕድግ ዝበሉ ከባቢታት ስሕት ኢልካ ጥራይ ይዕየዩ ይዀኑ። ገሊኦም ኣብቲ ሃብታማት ወይ ኣዝዮም ሃይማኖተኛታት ሰባት ዘለዉዎ ከባቢታት ምዕያይ ኰነ ኢሎም ዝገደፍዎ ክዀኑ ይኽእሉ። ናይ ንግዲ ቦታታት ሸለል ይበሃል ይኸውን። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ክንዲ ኣብቲ እዋናዊ ምሽፋን ዘድልዮ ዞባታት: ኣብቲ ብብሕቶም ዝመርጽዎ ዞባታት ከገልግሉ ብቐጻሊ ይሓቱ ይዀኑ። ነቲ ዘይተዓየ ዞባታት ምእንቲ ክሽፍኑ ብምጽዓር ክተሓበባሩ ንዅላቶም ኣተባብዓዮም። እቲ ዞባ ተዓዩ ተወዲኡ ኢዩ ተባሂሉ ከይተመልሰ ከሎ: ነቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ ሓዊስካ እቲ ዞባ ምሉእ ብምሉእ ከም እተሸፈነ ኣረጋግጽ። ነቲ ዞባኹም ብዝበለጸ ኣብ ምሽፋን ኵላቶም ብኸመይ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ካልእ ተግባራዊ ርእይቶታት ሃብ።

18 ደቒቕ:- ኣብ ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዓድል። ንጽል ቅዳሓት ዓድል። ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየ ዞባ ድማ ምስኡ ዝሰማማዕ ብሮሹር ኣበርክት። ናይ መጽሔታት ምብጽጻሕ ክትገብር ሸቶ ብምውጻእ: ናይ ኵሉ ዕደላታት መዝገብ ሓዝ። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። መጽሔት ምዝርጋሕ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ንምብጻሕ ሓደ ካብቲ ኣስላጢ ዝዀነ መገድታት ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ ዘለዎ ናይ ርሑቕ ግዜ ጥቕሚ ጽቐጠሉ። ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ከሎና እቲ ዘድልየና ጽሑፋት ከም ዘሎና ኣረጋግጽ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ድማ ዓድሎ። ናይ ብሕቲ ሰሙናዊ መዓልቲ መጽሔት ምምዳብ: ሓደ ካብቲ ኣብ ዕደላታት ወሰኽ ንምርኣይ ዘኽእል ጽቡቕ ዝዀነ መገዲ ኢዩ። ብመጽሔታት ገይርካ ካብ ድኳን ናብ ድኳን ከምኡውን ኣብ መገዲ ዝግበር ዕዮ እውን ውጽኢታዊ ኢዩ። ጽንዓት ንምጅማር ኢልካ ዝግበር ተመላሊስካ ምብጻሕ ተኸታተሎ። ምናልባት ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 3 ቍጽሪ 3-5 ዝርከብ ኣቀራርባታት ብምጥቃም: በዚ እዋናዊ ሕታማት ገይርካ ሕጽር ዝበለ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ኣዳሉ፣ ቍጽሪ 16 ድማ ኣንብብ።

መዝሙር 195ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ