ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/96 ገጽ 1
  • ግዜ ተቐይሩ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግዜ ተቐይሩ ኢዩ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ኽንሰብኮ ዚግባእ መልእኽቲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ብዛዕባ እታ መንግስቲ ስበኹ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ረኺብካያዶ ኣሎኻ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 4/96 ገጽ 1

ግዜ ተቐይሩ ኢዩ

1 መጽሓፍ ቅዱስ “ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ተቐያያሪ ኢዩ” ይብለና። (1 ቈረ. 7:​ 31ትሓዓ ) እዝስ ሎሚ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! ኣብ ዕድሜና እውን ከይተረፈ: ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባት: ኣተሓሳስባኦምን ጠባዮምን ብሃንደበት ክቕየር ከሎ ርኢና ኢና። ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ከነብጽሓሎም ከሎና ዕዉታት ምእንቲ ክንከውን: ኣቀራርባና ምስቲ ዝቀያየር ዘሎ ኵነታት ክሰማማዕ ኣለዎ። ነቲ ብስራት ንሰባት ብዘገድሶምን ኣብ ኣልባቦም ከም ዝበጽሕን ገይርና ከነቕርቦ ኢና እንደሊ።

2 ብዙሕ ዓመታት ይገብር: ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ዕዮ ስብከት እተፈልየ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ሰባት ቅሱን ናብራ የሕልፉ ነይሮም: ዕቝባ ከም ዘለዎም ድማ ይስምዖም ነይሩ ኢዩ። ሃይማኖት ኣብ ናብራኦም ቅዱስ ቦታ ኢዩ ነይርዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ግምት ኢዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ምስክርነት ክዋሃብ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰረተ-እምነታዊ ጕዳያት ዝምልከት ክትዓት ኣብ ምፍሻል ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ናይ ሰባት ናብራ ኣብ ህውከት ኢዩ ዘሎ። ሃይማኖት ተናዒቑ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ዘለዎም ሰባት ሒደት ኢዮም። እቲ ናይ ፍልቀት ስነ-ሓሳብ ድማ ንብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ኣጥፊኡሎም ኢዩ።

3 ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ በለ:- “ሎሚ: ኣብ ናይ ሰባት ናብራ ኣዝዩ ብዙሕ ግድላትን ጸገማትን ስለ ዘሎ: ብኸመይ ከም ዝዋጽእሉ ክንምህሮም ኣሎና።” ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ንሰባት ብቐረባ ዘገድሶም ነገራት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም: ስድራቤቶም: ከምኡውን ብዛዕባ ሻቕሎቶም ኢዩ። ካብቲ ክራኸቡ ከለዉ ብብዝሒ ዘዕልልሉ ነገራት ድማ እዚ ኢዩ። ኣብቲ ዕዮ ስብከትና ነዚ ክንዝክሮ የድልየና ኢዩ።

4 እታ ናይ መጻኢ ግዜ እንኮ ርግጽ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ:- መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ሰብኣዊ ምምሕዳር እምንቶ ዳርጋ የብሎምን። ኣብ ዕድሜኦም ዝሓሸት ዓለም ናይ ምርኣይ ተስፋ ከም ዘይብሎም ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንተስፋ መሰረት ዝኸውን ዝዀነ ነገር ክህቦም ኣይከኣለን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ብዛዕባ ብስራት ናይታ መንግስቲ ምስማዕ ዝዓበየ ድሌት ናይ ወድሰብ ዝዀነ። ንዅሉ እዚ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ግድላት ምሉእ ብምሉእ ብኸመይ መፍትሒ ከም እትገብረሉ ኣርእይዎም።

5 እቲ እንኮ ክትውከሎ እትኽእል ናይ መሪሕነት ምንጪ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ:- ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት በቶም ኣብ ሰብኣዊ ጥበብን ዓለማዊ ፍልስፍናታትን ዝውከሉ መራሕቲ ብጌጋ ተመሪሖም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሰባት “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ክርድኡ ኣለዎም። (ኤር. 10:23) እቲ ክማሃርዎ ዝኽእሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ትምህርቲ ‘ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ምእማን: ኣብ ልቦናኦም ድማ ዘይምጽጋዕ’ ኢዩ። (ምሳ. 3:5) ግዜ ተቐይሩ እኳ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይተቐየረን። ስለዚ: ካልኦት ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መለኮታዊ መሪሕነቱ ንኸማስውሉ ብምምሃር: ኣብ ኣገልግሎትና ኵሉ ግዜ ንቓል ኣምላኽ ክንጠቕሶ ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:​16, 17) ነዚ ዕላማ እዚ ምእንቲ ክንፍጽም: ኣብ ኣቀራርባና ካብኡ ብምጥቃስ: ሕቶታቶም ክንምልስ ከሎና ካብኡ ብምጥቃም: ከምኡውን ከተጽንዖን ነቲ ዝህቦ ተግባራዊ ጥበብ ድማ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን ኣድላዪ ምዃኑ ብምጥባቕ: ኣብ ቅድሚ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላይነት ከነርኢ ኣሎና።

6 ሎሚ ኣብ ተቐያያሪ ዝዀነ ግዜ እኳ እንተሎና: ኣብቲ ኣገልግሎት ዘሎና ዕላማታት ግን ኣይቅየርን ኢዩ። ንብስራት ናይታ መንግስቲ ክንሰብኽ: ኣብ ቃል ኣምላኽ እምንቶ ከነጥሪ: ካልኦት ድማ ምሳና ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽርድኡ ክንሕግዝ ኢና። እቲ እንብሎ ምስቲ እዋናዊ ድልየት ናይቶም እንምስክረሎም ሰባት ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ብምግባር: እቲ ብስራት ንኻልኦት ነካፍሎ እሞ በዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ንረብሕ።​—1 ቈረ. 9:​19, 23

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ