ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
ካብ 4 መስከረም ክሳዕ 18 ታሕሳስ 1995 ዘሎ ሰሙናት ንዝወሃብ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት መጽሓፍ ከይገንጸልካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ፈሊኻ ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ ናይቲ ጽሑፋዊ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላሽ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሓበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ሓቂ ወይ ሓሶት ኢልካ መልስ:-
1. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:7 ተገሊጹ ዘሎ “ተባዕታይ ወዲ” ነቲ ኣብ 1919 እተወልደ መንፈሳዊ ሃገር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ድኣ እምበር ነታ ኣብ 1914 እተወልደት መሲሓዊት መንግስቲ ኣይኰነን ዘመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 17/9/110 ገጽ 2 ርአ።]
2. ኢሳይያስ 38:5 ቅኑዕ ዝዀነ ምህለላ ነቲ የሆዋ ክገብሮ ዘይነበሮ ንኽገብር ከለዓዕሎ ዝኽእል ምዃኑ ክንርዳእ ይሕግዘና። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 95 1/4 ገጽ 15 ርአ።]
3. እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ድኹም ሰብ ነቲ ፈጣሪ ናይ ኣድማስ ከም ዝጕህይን ዝሕጐስን ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። (ኢሳ. 63:10) [ሰሙንናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 93 6/15 ገጽ 11 ርአ።]
4. ኤርምያስ 1:5: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ኣብ ጥንሲ ኢዩ ዝጅምር ዝብሎ ይድግፍ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 89 6/15 ገጽ 29 እንግሊዝኛ ርአ።]
5. ኢሳይያስ 53:5, 12 የሱስ ክርስቶስ ንሓጢኣት ናይ ካልኦት ክሽፍን ከም መስዋእቲ በጅነት ክመውት ምዃኑ ይንበ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 92 1/10 ገጽ 8 ርአ።]
6. ኢሳይያስ 48:17 ብርግጽ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ናብራና ከነውዕሎ ከምኡውን እቶም ኣብኡ ዘለዉ ስርዓታት ብሓቂ ዝሰርሑ ምዃኖም ክንርኢ ኢዩ ዝነግረና። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 95 1/3 ገጽ 11 ርአ።]
7. ሽሕ’ኳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘይካፈሉ እንተዀኑ: ከም እኒ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምሕባር: ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ምእታው: ወይ ድማ ኣብ ምርጫ ምድማጽ ዝኣመሰለ ካልኦት ዝገብርዎ ውሳኔ ኢዶም አየእትዉን ኢዮም። [ሓኣ ገጽ 59 ቍ. 12]
8. እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ እሙናት ኣገልግልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ተስፋ እንገብረላ ሓዳስ ዓለም ፍልጠት ኣይነበሮምን። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 95 1/2 ገጽ 21 ርአ።]
9. ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊኡ ቃል ብቓሉ ዘይቲ ከም እተኻዕዎ መረጋገጺ እንተዘየለ: ቂሮስ ናይ የሆዋ ‘ቅቡእ’ ኰይኑ ኢዩ። (ኢሳ. 45:1) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 92 11/15 ገጽ 30 እንግሊዝኛ ርአ።]
10. ንኣምላኽ ብምሉእ ተወፋይነት ምእንቲ ከገልግልዎ: ክርስትያናት ነታ የሆዋ ነዚ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ስርዓት ዘጥፍኣላ መዓልትን ሰዓትን ክፈልጥዋ የድልዮም ኢዩ። [ሓኣ ገጽ 64 ቍ. 2]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሕቶታት መልሶም:-
11. ሓደ ክርስትያን: ብዛዕባ ካብ ደም ምኽልካል ዝብል ውሳኔኡ ንሓኪም ከፍልጦ ዘለዎ መዓስ ኢዩ፧ [ሓኣ ገጽ 57 ቍ. 9]
12. የሱስ ክፍሊ ናይ ዓለም ዘይኰነ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧ [ሓኣ ገጽ 58 ቍ. 2]
13. ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ እንታይ ማለት ኣይኰነን፧ [ሓኣ ገጽ 63 ቍ. 13]
14. ነቲ ብስራት ብሓቂ እንተድኣ ሒዝናዮ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዝህልወና፧ [ሓኣ ገጽ. 61 ቍ. 2]
15. ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “[እሙን ጠባይ ትሓዓ ] ዝሕሉ ጻድቕ ህዝቢ” ኣየናይ ኢዩ: ከምኡውን ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዝውሰኹ መን ኢዮም፧ (ኢሳ. 26:2, 15) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 95 1/1 ገጽ 10-11 ርአ።]
16. ብመሰረት ኢሳይያስ 32:1, 2: እቲ ቀንዲ ናይ ሽማግለታት ግደ እንታይ ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 93 4/1 ገጽ 30 እንግሊዝኛ ርአ።]
17. መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ክርአ ዝኽእል ንጹር ውጽኢት ኢዩ ኣፍርዩሎም ዘሎ፧ (ኢሳ. 54:13) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 3/94 ገጽ 17 ርአ።]
18. ኣብ ኣየናይ መጻሕፍትን ምዕራፋትን ኢዮም እቶም ሰለስተ ወንጌላውያን ብዛዕባ እቲ እተወሃሃደ መለለዪ ምልክት ናይ “መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” ሓበሬታ ዝህቡ፧ [ሓኣ ገጽ 64 ቍ. 5]
19. ከምቲ ነታ ናይ ይሁዳ ዕርዲ ዝዀነት ላክሽ ክማርኻ ከሎ ገይሩ እተጃሃሮ: እቲ ናይ ሰናከሪብ ናይ ታሪኽ መዝገብ ብዛዕባ ምምራኽ የሩሳሌም: ርእሰ ከተማ ናይ ይሁዳ: ከምኡ ዘይገበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ኢሳ. 37:36) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 93 6/1 ገጽ 6 እንግሊዝኛ ርአ።]
20. ኣብ ኢሳይያስ 27:1 ብ“ሌዋታን” ተመሲሉ ዘሎ መን ኢዩ: እንታይከ ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 86 8/15 ገጽ 31 እንግሊዝኛ ርአ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ምሉኣት ሓሳባት: ብቓል ወይ ሓረግ ገይርካ ምልኣዮም:-
21. ሓደ ክርስትያን ናብ ሆስፒታል ክኣቱ ከሎ: ደም ክጥቀሙ ከም ዘይብሎም _________________________ ክሓትት ኣለዎ: ከምኡውን ነቲ ክከታተሎ ዘለዎ ሓኪም ብዛዕባ እዚ ባዕሉ _________________________ ኣለዎ። [ሓኣ ገጽ 57 ቍ. 9]
22. ኣብ የሆዋ ከም እንውከል እነርእየሉ ክልተ መገድታት: ስርዓታዊ ኴንና _________________________ ምስታፍን _________________________ ስርዓታዊ ኴንና ናብኡ ምጥማትን ኢዩ። [ሓኣ ገጽ 61-2 ቍ. 5-7]
23. ንመፈጸምታ ኢሳይያስ 8:14 ከምኡውን 28:16 የሱስ ነቶም ኣይሁድ እምኒ _________________________ ኢዩ ነይሩ: ነታ የሆዋ ኣብ ልዕሊኣ መንፈሳዊት ቤቱ ዝሃንጸላ ግና _________________________ ኰነ። [ቅመዝ ገጽ 123 ቍ. 36]
24. እቲ ኣብ ኤፌሶን 1:9, 10 ዘሎ ምምሕዳር ኣብ _________________________ ዘተኰረ ኢዩ: ከምኡውን ብእኡ ኣቢሎም ገሊኦም ኣብ _________________________ ካልኦት ድማ ኣብ _________________________ ክዀኑ: ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ _________________________ ረኺቦም ኢዮም። [ሓኣ ገጽ 67 ቍ. 6]
25. እቶም ኣብ ሮሜ 8:19-21 ተጠቒሶም ዘለዉ “ደቂ ኣምላኽ” _________________________ ዓስቦም እተቐበሉ ብመንፈስ እተቐብኡ ውሉዳት ኢዮም: ከምኡውን እቶም ኣብ _________________________ ዘለዉ: _________________________ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ምስ ክርስቶስ ከም ዝሓበሩ መረጋገጺ ምስ ረኸቡ: ሽዑ ክግለጹ ኢዮም። [ሓኣ ገጽ 68 ቍ. 11]
ኣብዞም ቀጺሎም ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. ቀዳሞት ክርስትያናት ከም ጸላእቲ ናይ ሰብኣዊ ዓሌት ተቘጺሮም ኢዮም: ምኽንያቱ (ንዘይኣመንቲ ስለ ዘይዛረቡ፣ ጣኦታት ስለ ዘየምልኹ፣ ነቲ ዓመጽን ብዕልግናን ዝመልኦ መዘናግዒ ስለ ዝነጸግዎ)። [ሓኣ ገጽ 58 ቍ. 7]
27. እቲ ኣብ ማቴዎስ 13:36-43 ዘሎ ናይ የሱስ ምሳሌ: እቲ ስርናይ ነቶም (ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት፣ ዓቢ ጭፍራ፣ ቅቡኣት ክርስትያናት) የመልክት: እቲ ክርዳድ ግና (ንዅሎም ዘይኣመንቲ፣ ነቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት፣ ነቶም ጽሓፍትን ፈሪሳውያንን) ኢዩ ዘመልክት። [ሓኣ ገጽ 65 ቍ. 7]
28. ፖለቲካውያን መራሕቲ ንሓሶት ሃይማኖት ምስ ኣጥፍኡ: ብትዕቢት ኣንጻር (እቲ ንግዳዊ ስርዓት፣ ሕቡራት ሃገራት፣ እቶም ንሉዓላዊነት የሆዋ ኣጽኒዖም ዝሕዙ) ገጾም ክምለሱ ኢዮም። [ሓኣ ገጽ 66 ቍ. 13]
29. ኣብ 1914 ንጡፋት ኰይኖም ዝምስክሩ (1,100፣ 5,100፣ 10,100) ኣቢሎም ነበሩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 9/94 ገጽ 18 ርአ።]
30. ካብቶም ናይ ካልኦት ናይ ጥንቲ ነብያት: ናይ (ዳንኤል፣ ኢሳይያስ፣ ሙሴ) ገዲፍካ: ምሉእ ዝዀነ ናይ ኤርምያስ ዛንታ ህይወት ኢና ንረክብ። [ቅመዝ ገጽ 124 ቍ. 5]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ጥቕስታት ምስቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ኣዛምዶም:-
ዘለ. 17:11, 12፣ ኢሳ. 43:10፣ ኤር. 7:31፣ ዮሃ. 8:41, 44, 47፣ ግብ. 4:13
31. ውሱን ዓለማዊ ትምህርቲ ንሓደ ሰብ ተባዕ ኣዋጂ ናይ ብስራት ከይከውን ክኽልክሎ ኣይክእልን ኢዩ። [ሓኣ ገጽ 62 ቍ. 8]
32. እቲ ደም ኣብ እንታይ ጥራይ ክውዕል ከም ዘለዎ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣጠቓቕማ ቅድስናኡን ናይ ክርስቶስ ናይ መስዋእቲ ዋጋን ምግናን ኢዩ። [ሓኣ ገጽ 57 ቍ. 11]
33. እቲ ሓደ ሰብ ዝገብሮ ተግባራትን እቲ ዘንጸባርቖ መንፈስን ኣቦኡ መን ምዃኑ ካብ ቃላቱ ንላዕሊ ዝያዳ ብንጹር ይገልጹ ኢዮም። [ሓኣ ገጽ 67 ቍ. 5]
34. ንየሆዋ ዝቕድሞ የብሉን፣ ንሱ ዘለኣለማዊ: ኣዝዩ ዝለዓለ ገዛኢ ስለ ዝዀነ ቅድሚኡ ኣምላኽ ኣይነበረን: ድሕሪኡ ዋላ ሓደ ኣይክህሉን ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 92 1/15 ገጽ 22 እንግሊዝኛ ርአ።]
35. ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ደቆም ንጣኦታት ክስውኡ ኣይሓስብዎን ኢዮም: ገና ግን ቍጽሪ ዘይብሎም ሚልዮናት ሕጻናት ኰነ ኢልካ ብምንጻል ጥንሲ ጠፊኦም ኢዮም: ከምኡውን ሚልዮናት መንእሰያት ኣብቲ ናይ ውግእ መሰውኢ ከም ሞባእ ተወፊዮም ኢዮም። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ 88 1/15 ገጽ 31 እንግሊዝኛ ርአ።]