ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንታሕሳስ
4 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 181
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ወድስዎ።” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ። እቶም ቍጽርታት ኣንብቦም። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክገብሩ ከለዉ እተሓጐስሉ ተሞክሮ ክነግሩ ኣዳሉ።
20 ደቒቕ:- “ንመጽሓፍ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ምብርካታ።” ብፍላይ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ተገዳስነት ዘርኣዩ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክብርከተሎም ብስምዒት ተላበዎም። ነቶም ተዋሂቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ተንትኖም: ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ድማ ኣዳሉ።
መዝሙር 224ን መዕጸዊ ጸሎትን።
11 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 201
8 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምሉእን ትርጕም ዘሎዎን ተሳታፍነት ክህልወና ስለምንታይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣዘኻኽር። ናብ ኣገልግሎት ምስ ወጻእና ንገዛእ ርእስና ንሓደ ሰዓት ጥራይ ኣብ ክንዲ እንሓጽራ: ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ስለምንታይ ንኽልተ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከነገልግል ዘይንምድብ፧ ዓወት ዝርከብ ኣቐዲምካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምምዳብን ምስቶም ንኽልተ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ኣገልግሎት ክጸንሑ ዝምድቡ ብምዕያይን ኢዩ።
20 ደቒቕ:- “ስለምንታይ ከምኡውን ብኸመይ ናይ ግራት ኣገልግሎትና ጸብጻብ ከም እንህብ።” እቲ ጸሓፊ ነቲ ብዛዕባ ጸብጻብ ምሃብ ዝምልከት ምስቲ ከባቢ ብዝሰማማዕ ገይሩ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 102-110 ዘሎ ይመያየጠሉ። ኵሎም: ኣየኖት እተፈላለዩ ኵነታት ከም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክምዝገቡ ከም ዝኽእሉ: ካብ መዓስ ናይ ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ክወሃብ ከም ዝጅመር: እቲ ንደቅኻ ጽንዓት ክትመርሕ ከሎኻ ሓደ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኢልካ ጸብጻብ ክትህብ ከም ዘሎካ ዘሎ ምድላው (ብኣቦ ወይ ብኣደ ዝምራሕ: ንደቅኻ ጸብጻብ ዘይወሃቦ ተወሳኺ ጽንዓታት ክምራሕ ዝከኣል ወይውን ዝግባእ እኳ እንተዀነ) ከምኡውን ሓደ ኣስፋሒ ናብ ካልእ ጉባኤ ክቕይር ከሎ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ከም እተረድእዎ ኣረጋግጽ። ኣብ ጸብጻብ ኣወሃህባ ዘሎ ግጉይ ምርዳእ ክትእርም ግዜ ውድ።
17 ደቒቕ:- “ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳሎን ተሓጐሰሎምን።” ብዝርርብን ምይይጥን ዝወሃብ። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ነቲ ኣኼባታት ክሕጐስሉን ካብኡ ምሉእ ጥቕሚ ክረኽቡን ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ንኽነግሩ ዓድም።
መዝሙር 28ን መዕጸዊ ጸሎትን።
18 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ንናይ በዓል ሰላምታታት ብኸመይ ብሜላ ከም ዝምልስሉ ገለ ሓሳባት ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- “እቲ ወሰኽካ ከም ዝግለጽ ግበሮ።” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ።
20 ደቒቕ:- “ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመለስዎም።” ነቶም ተዋሂቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ተንትኖም: ከምኡውን ክልተ መርኣያታት ኣዳሉ። ጽንዓታት ክጅምሩ ሸቶ ብምግባር ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 44ን መዕጸዊ ጸሎትን።
25 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። እቲ ናይ ኣኼባታት ግዜ ኣብ 1 ጥሪ ክቕየር እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ዘድሊ ምትዕርራያት ብምግባር ምሉእ ደገፍ ንኽህቡ ንዅሎም ምትብባዕ ሃቦም። (ናይ ታሕሳስ 1994 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 2 ርአ።)
15 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ “ብዛዕባ ስደት ዝምልከት ጕዳይ ብምስትውዓል ምምርማር” ዝምልከት ምስ ሓደ መንእሰይ ይዘራረብ። ኣብ መደምደምታ እቲ መንእሰይ ሓው ሞሳኡ ይገልጽ ከምኡውን ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ንኸገልግል ዝብል ሸቶ ንኽህልዎ ናይ የሆዋ ሓገዝ ከም ዝደሊ ይገልጽ። እቲ ሽማግለ ነቲ ጕዳይ ብምስጢር ከይሓዘ ብግልጺ ስለ እተዛረበ ከመስግኖ ኢዩ።
25 ደቒቕ:- “ብርሃንና ብቐጻሊ ክበርህ ምሕዳጉ።” ካብ ቍጽሪ 1-5 ከም መሰረት ናይ ሓጺር መእተዊ ግበር። ካብ ቍጽሪ 6-16 ብሕቶን መልስን ዝወሃብ ኢዩ። ቍጽሪ 6-9, 15, ከምኡውን 16 ኣንብቦ። ቍጽሪ 17-19 ንመዕጸዊ ተጠቐመሉ። ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ።
መዝሙር 3ን መዕጸዊ ጸሎትን።