ንመጽሓፍ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ኣበርክታ
1 እታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክትወጽእ ከላ ተሓጒስና ኢና! ኣብ ርጡብ ፍልጠት ናይ ሓቂ ክበጽሑ ንሰባት ንምሕጋዝ ኢያ ተዳልያ። ኣብ ታሕሳስ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ዞባና ክንዕድላ ተወሳኺ ኣጋጣሚ ክህልወና ኢዩ። ተገዳስነት ንምልዕዓል እንታይ ክንብል ንኽእል፧
2 ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ዝደኸመ ሰብ ክስሕብ ዝኽእል ኣቀራርባ እንሆ:-
◼ “ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ብምግባር ኢዮም ዓብዮም: ሕጂ ግን እምነቶም ከምቲ ሓደ ግዜ ዝነበሮ ከም ዘይኰነ ተገንዚቦምዎ ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ነቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ድንቅታት ብምሕሳብ ክሕይል ይኽእል ኢዩ። [ንመዝሙር 19:1 ኣንብብ።] እቲ ነዞም ሰማያዊ ኣካላት ዝገዝእ ሕጊ ዝሃበ: ንዓናውን ዘድሊ ቍም ነገር ዘለዎ መምርሒ ሂቡና ኢዩ። [ንመዝሙር 19:7-9 ኣንብብ።] እዞም ጥቕስታት እዚኣቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ብዝከኣለና መጠን ክንማሃር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ የጕልሑ። [ናብቲ ኣብ ገጽ 12 ከምኡውን 13 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ከም ዘቕልብ ግበሮ።] ካብዚ ፍሉይ ፍልጠት ክትጥቀም ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክገድፈልካ ደስ ምበለኒ።”
3 ሓደ ዘሕዝን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዜና እተነግረ ፍጻሜ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ብዛዕባ [ነቲ ፍጻመ ጥቐሶ] ሰሚዕካ ትኸውን። ብዛዕባ እዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ወይ ድማ ኣባና ዝፍጸም ዘሎ ምጕዳል ፍትሕን ስቓይን ኣምላኽ ብሓቂ ይግደስ ኢዩ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረናን ኣብ ግዜ ጸገም ድማ ከም ዝሕግዘናን የረጋግጸልና ኢዩ።” ገለ ክፋላት ናይ መዝሙር 72:12-17 ኣንብብ። ኣብ ገጽ 99 ናይታ መጽሓፍ ገንጽል እሞ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ሚልዮናት ሰባት ኣምላኽ ንስቓይ ዘፍቀዶ ስለምታይ ኢዩ፧ ኢሎም ዝሓትዎ ሕቶ ከም እትምልስ ኣመልክት። “ናይዛ ሕቶ እዚኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኣዝዩ ዘጸናንዕ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ምእንቲ ከተንብብ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክገድፈልካ ምፈቶኹ።”
4 ወላዲ እንተድኣ ኣጓኒፉካ ኣብ ስድራቤት ከተተኵር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ዝበዝሑ ወለዲ ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ንኽትዕቅብ ክትፍትን ከሎኻ ብዙሕ ሽግራት ከም ዘጋጥመካ ይሰማምዑሉ ኢዮም። ቀንዲ ዓንቃፊ ዝኸውን እተዓዘብካዮ እንታይ ኣሎ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትና እቲ ዝከኣለና ንገብር ኢና: ይኹን እምበር ዝሓሸ ውጽኢት ክንረክብ ዝሕግዘና ደገፍ ምስ ዝህሉ ዝበዝሕ ግዜ ነማስወሉ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ምኽሪ ይህብ ኢዩ። [ገለ ክፋላት ናይ ቈሎሴ 3:12, 18-21 ኣንብብ።] ከምዚ ኣብ ምዕራፍ 29 ናይዛ መጽሓፍ እዚ ኣብ ትሕቲ ‘ንናብራ ስድራቤትካ ዕዉት ምግባር’ ዝብል ኣርእስቲ ተሓቢሩ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ዝብሎ ኣለዎ። ካብ ስጋዊ ጸቕጢ ብኸመይ ናጻ ከም እትኸውንን ደቅና ዘጋጥሞም ሽግራት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሎምን ብምሕባር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ትትንትኖ ኢያ። ኣንቢብካ ከም እትሕጐሰላ ርግጸኛ ኢየ።”
5 ሕጽር ዝበለ መእተዊ እንተድኣ ደሊኻ: ነዚ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ስለምንታይ ከም እንኣርግን ከም እንመውትን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ገጽ 74 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምኽንያት ናይ ሞትን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘልግሶን ትገልጽ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ተመባጺዑሎም ከም ዘሎ ይነግረና ኢዩ። [ንዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] ብዛዕባ እዚ ከተንብብ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ፍልጠት እትህብ ኰይና ክትረኽባ ኢኻ።”
6 ጽቡቕ ገይርና እንተድኣ ተዳሊና: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኻልኦት ዓቢ ሓጐስ ከምጽእ ብዝኽእል መገዲ ነቲ ‘ቅዱስ ጽሑፋት ንኸተብርሃሎም’ ክንጥቀመላ ንኽእል ንኸውን!—ሉቃ. 24:32 ትሓዓ