ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንሕዳር
6 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተዋጽአ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ሓዳስ መጽሓፍ ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ተጕልሕ።” ብሕቶን መልስን ዝግበር ምይይጥ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክጥቀሙላ: ኵሎም ምስቲ ኣርእስትታት ናይታ መጽሓፍ ምሉእ ብምሉእ ክላለዩ ኣተባብዓዮም።
20 ደቒቕ:- “ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ ምሕጋዝ።” ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 97-101 በቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ዝወሃብ ምይይጥ።
መዝሙር 2ን መዕጸዊ ጸሎትን።
13 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- “ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባታት ምስታፍ—ጸኒዕና ንኽንቀውም ኣድላዪ ኢዩ።” ምስ ተኣከብቲ ዝግበር ዝርርብን ምይይጥን።
20 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ብዝበቅዕ ጠባይ ተመላለስ።” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ። ኣብ ናይ 12: 6: 110 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9-11 ቍጽሪ 5-9 እተመስረተ ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
መዝሙር 23ን መዕጸዊ ጸሎትን።
20 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ: ውሽጣዊ ምልክታት። ቲኦክራቲካዊ ዜና።
15 ደቒቅ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ ነገራት። (ወይ “ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ትሕጐሰሉዶ ኢኻ፧” ዝብል ኣብ ናይ 15 ሰነ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዘኛ] ገጽ 8-11 እተመርኰሰ ዝርርብ ሃብ።)
20 ደቒቕ:- “ካልኦት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቁም ነገር ከማስውሉ ሓግዞም።” ሓደ ሽማግለ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ሸቶ ብምግባር ስለምንታይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከም ዘሎና ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ይመያየጥ። ነቶም ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዝዀኑ ቀሪቦም ዘለዉ ሓሳባት ተንትኖም ከምኡውን ከምቲ ኣብ ናይ ልምምድ ግዜ እትገብሮ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 8ን መዕጸዊ ጸሎትን።
27 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 94-97 ዘሎ ሓሳባት ጾሚቕካ ኣቕርብ (ንኡስ ኣርእስትታት:- “እተመደበ ዞባ . . .” ከምኡውን “ናይ ጕጅለ ምስክርነት”)
15 ደቒቕ:- “ኣእምሮኻ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ከም ዝሓስብ ግበሮ።” ብሕቶን መልስን ዝወሃብ።
15 ደቒቕ:- “ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ ንትምህርቲ ይጠቅም ኢዩ።” ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ሓደ ወይ ክልተ ሓጸርቲ ኣቀራርባታት ብመርኣያ ከም ዘርኢ ግበር። ኵሎም ኣብ ታሕሳስ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንዘለኣለም ምንባር ጽቡቕ ገይሮም ክጥቀሙላ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 78ን መዕጸዊ ጸሎትን።