ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/95 ገጽ 3-7
  • እታ ጉባኤ ተድልየና ኢያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ ጉባኤ ተድልየና ኢያ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እታ ጉባኤ ትተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣብ ጉባኤ የሆዋ ቦታ ኣሎካ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ግደ ኣኽቢርካ ርኣዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 10/95 ገጽ 3-7

እታ ጉባኤ ተድልየና ኢያ

1 ሓደ ግዜ ደቂ ቆራህ ንጉባኤ የሆዋ ዝነበሮም ሞሳ ብኸምዚ ዝስዕብ ገለጽዎ:- “ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ።” (መዝ. 84:10) ብምውድዳር ክርአ ኸሎ ዓለም ንዕኦም እትውፍየሎም ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበራን። እዚ ስምዒታት እዚ እንተድኣ ኣልዩካ: ነታ ጉባኤ ከም ቀንዲ ማእከል ናይ ህይወትካ ክትገብራ ይግብኣካ።

2 ካብ መጀመርትኣ ኣትሒዛ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ በረኸት የሆዋ ከም ዘለዋ ኣርእያ ኢያ። (ግብ. 16:​4, 5) ዋላ ሓደ ካባና ነታ ጉባኤ ብኸምኡ ወይ ብኣካል ጥራይ እንሓብረላ መገዲ ገይሩ ክርእያ የብሉን። እታ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትብባዕን ሓይልን ዝረኽቡላ ቦታ ኢያ። ብየሆዋ እተማሃርናን ነቲ ናይታ መንግስቲ ዕዮታት እተመሓደርናን ምእንቲ ክንከውን ሕብረት ዘለዎ ምትሕቝቛፍ ትህብ።​—⁠ኢሳ. 2:⁠2

3 እታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ሓቂ ንኽት​ምህ⁠ረና መሰረታዊት መትረብ ኢያ። (1 ጢሞ. 3:15) ሰዓብቲ የሱስ​—⁠ምስ ኣምላኽ: ምስ ክርስቶስ: ከምኡውን ኣብ ንሓድሕዶም ብምሕባር​—⁠‘ኵላቶም ሓደ ክዀኑ’ ኣለዎም። (ዮሃ. 17:​20, 21፣ ምስ ኢሳይያስ 54:13 ኣረኣእዮ።) ኣብ ዓለም ናበየናይ ቦታ ከም እንኸይድ ብዘየገድስ: ኣሕዋትና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታትን ስርዓታትን ይኣምንሉ: ከምኡውን ንገዛእ ርእሶም ምስኡ ኣሰማሚዖም ኢዮም ዝመላለሱ።

4 ነቲ ደቂ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነትና ንምፍጻም ተለማሚድናን ተዓጢቕናን ኢና። ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝርርብ ምእንቲ ክንጅምር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ! ከምኡውን ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሓጋዚ መምርሒ ይህቡና ኢዮም። እቶም ኣኼባታት ብኸመይ ተገዳስነት ከም እንረክብን እነማዕብሎን ከርእዩና እተዳለዉ ኢዮም። እቲ ኣብ መላእ ዓለም እንርእዮ ዘሎና ወሰኽ ኣብዚ ዕዮ እዚ ሰማያዊ ደገፍ ከም ዘሎና ዘርኢ ኢዩ።​—⁠ማቴ. 28:​18-20

5 በታ ጉባኤ ገይርና: ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሓና’ መዓልታዊ መተባብዒ ንረክብ ኢና። (እብ. 10:​24, 25) ንፈተናታት ብተኣማንነት ክንጽመሞም ተበራቲዕና ኢና። ፈቃራት ተዓዘብቲ ንጸቕጥታትን ጭንቀትን ክንጋጠሞም ይሕግዙና ኢዮም። (መክ. 4:​9-12) ኣብ ናይ ምስሓት ሓደጋ ንኸይድ እንተድኣ ኣሊና ዘድሊ ምኽሪ ተዋሂቡና ኢዩ። ኣየነይቲ ካልእ ማሕበር ኢያ ከምዚ ዝዓይነቱ ፍቕራዊ ሓልዮት እትህብ፧​—⁠1 ተሰ. 5:⁠14

6 ሕብረትና ምእንቲ ክንዕቅብ ምስ ማሕበሩ ክንለግብ ፍቓድ የሆዋ ኢዩ። (ዮሃ. 10:16) ምስቲ እሙን ባርያ ርክብና ምእንቲ ክንዕቅብ እታ ጉባኤ ካብ እተዳልወልና ሓገዝ ሓደ: ንምትብባዕና ዝዀኑ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብምልኣኽ ኢዩ። ነቲ ፍቕራዊ መምርሒ ምላሽ ምሃብና ብመንፈስ ድልዱላት ክንከውን ዝሕግዘና ጥብቂ ሕብረት ብምሃብ የቀራርበና።

7 እታ ጉባኤ ንመንፈሳዊ ድሕነትና ኣድላዪት ኢያ። ካብኣ ተፈሊኻ ንየሆዋ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ምግልጋል ዘይከኣል ምዀነ ነይሩ። ስለዚ: ናብቲ የሆዋ ሂቡና ዘሎ ንልገብ። ምስቲ ሸቶታታ ተሰማሚዕና እንዓዪ ከምኡውን ነቲ ኣብኡ እንረኽቦ ምኽሪ ብቕንዕና ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ይግበረና። በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና እታ ጉባኤ ክሳዕ ክንደይ ንዓና ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ከነርኢ እንኽእል።​—⁠መዝ. 27:⁠4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ