ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ መጽሔታት ኣበርክት
1 ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! እነድንቐሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ከምዞም መጽሔታት እዚኣቶም ገይሩ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ካልእ መጽሔት ኣሎዶ፧ ኣብዚ ወርሒ እዚ ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮና ከነበርክቶም ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ዝበዝሐ ካብ መጽሔታትና: ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮና ኢና እንዕድሎ፣ ይኹን እምበር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልእ ምቹእ ኣጋጣሚ ከነበርክቶም ድልዋት ክንከውን ክንደሊ ኢና።
2 ነታ ናይ 1 ጥቅምቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ከተበርክታ ከሎኻ: በታ “ውግእ ዘይብላ ዓለም—መዓስ፧” እትብል ኣርእስቲ ከምዚ ብምባል ተገዳስነት ከተለዓዕል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ምስ እዚ ዅሉ ናይ ሰባት ጻዕርታት ውግእ ዘይብላ ዓለም ክትብጻሕ ዘይትኽእል እትመስል ስለምንታይ ኢያ ኢሎም ብዙሓት ሰባት ይሓስቡ። ብዛዕባ እዞም ኣብዛ ናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 5 ዘለዉ ሓሳባት እንታይ ትብል፧ [“ሃይማኖት—ዓቢ ዕንቅፋት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣብቶም ቀዳሞት ክልተ ሕጡብ ጽሑፍ ዘለዉ ናይ መጀመርያ ምሉኣት ሓሳባት ኣንብቦም እሞ መልሲ ተጸበ።] ርግጽ’ዩ: እዚ ኵሉ ግዜ ውግእ ክህሉ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 9:6, 7 ዘሎ ናይ ኣምላኽ መብጽዓ እሞ ተመልከቶ።” ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐጥታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ወይ ከምቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጽ ተጠቒሳቶ ዘላ ገይርካ ከተንብባ ትኽእል ኢኻ። ግምቢ ዘብዐኛ ሰላማዊት ዓለም ንኽትመጽእ እታ ሓንቲ ተስፋ መንግስቲ የሆዋ ምዃና ከም ዝጣበቕ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጸሉ እሞ: እቲ ሰብ ነታ ዓንቀጽ ከንብባ ኣተባብዓዮ።
3 ናይ ኣምሓርኛ ካብ ሓምለ–መስከረም “ንቕሑ!” መጽሔት ከተበርክት ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ ኣብዚ ገበር ናይዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ‘ኤይድስ ኣብ ኣፍሪቃ—እንታይ ጠጠው የብሎ ይኸውን፧’ ዝብል ሕቶ ናትካ ርእይቶ እንታይ ኢዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዘን ተኸታተልቲ ኣርእስትታት እዚኣተን ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዜና ኣዝዩ ዘፍርህ ኰይኑ ዘሎ ሕማም ይዛረባ ኢየን። ከም እትፈልጦ ኤይድስ ብዘሰንብድ ቅልጣፈ የስፋሕፍሕ ኢዩ ዘሎ። እንታይ ጠጠው የብሎ ይኸውን፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ ነዛ መጽሔት እዚኣ ክገድፈልካ ደስ ኢዩ ዝብለኒ፣ ከተንብባ ሓሰብ አቕርበልካ ኣሎኹ።”
4 ናይ 1 መስከረም 1995 “ግምቢ ዘብዐኛ” ከተበርክት ከሎኻ በዚ ዝስዐብ መእተዊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ክልተ ዓይነት ደገ ተዛሪቡ ከም ዝነበረ ትዝክሮዶ፧ ኣብ ማቴዎስ 7:13, 14 ከምዚ በለ . . . [ኣንብቦ] እታ ጸባብ ደገ ናይ ናጽነት መገዲ ኢያ እንተተባህለስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዛ መጽሔት እዚኣ ብምንባብ ብዛዕባ እታ ናብ ናጽነት እትወስድ ጸባብ ደገ ዝያዳ እንተድኣ ተመራሚርካ ብዙሕ ጥቕምታት ክትረክብ ኢኻ።”
5 ካብ ቤት ናብ ቤት ክትዓዪ ከሎኻ ነቶም ናእሽቱ ድኳናት ኣይትሕለፎም። እቶም ኣብቲ ድኳናት ስርዓታውያን ኰይኖም ዘገልግሉ ነዚ ዕዮ እዚ ዘሐጕስን ውጽኢታውን ምዃኑ ኢዮም ዝዛረብሉ። “ንቕሑ” መጽሔት ከተበርክት ከሎኻ ነዚ ዝስዕብ ቀሊል ኣቀራርባ ከትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነጋዶ ንኸባቢኦም ዝትንክፍ ጉዳያት እዋናዊ ምክትታል ክገብሩ ከም ዝደልዩ ንፈልጥ ኢና። እዞም ኣርእስትታት እዚኣቶም ከም ዘገድሱኻ ርግጸኛ ኢየ።” ብድሕሪኡ ካብቲ ዓንቀጽ ሓንቲ ነጥቢ ኣሕጽር ኣቢልካ ተዘራረብ።
6 እቲ ከተዘራርቦ ኢልካ ዝቐረብካዮ ሰብ ብሓቂ ብስራሕ ትሑዝ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ መጽሔታት ኣርኢኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ሎሚ መዓልቲ ጋሻ ክመጸካ ከም ዘይተጸበኻ ርግጸኛ ኢየ: ስለዚ ኣሕጽር ኣቢለ ክዛረበካ ኢየ። ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ከተንብብ ክህበካ ደስ ምበለኒ።” ናብቲ ዝመረጽካዮ ኣርእስቲ ኣመልክት እሞ: ነቲ መጽሔታት ኣበርክቶ።
7 ጽፉፍ ናይ ቤተ-ቤት መዝገብ ሓዝ: ከምኡውን ንዅሎም መጽሔት ዘበርከትካሎም ተመለሶም። ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ቅኑዕ ተገዳስነት እንተድኣ ተረኺቡ ናይ ጽሑፍ ምዝገባ ኣበርክተሎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምቹእ ኣጋጣሚ ንመጽሔታትና ከነበርክት እተዳሎናን ትኵራትን ንዅን።