ምልክታታት
◼ ዝዕደሉ ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ካብዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዝዀነ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ (እንግሊዝኛ): ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብምንባር ተሓጐሱ: “እንሆ! ንዅሉ ኤሐድሶ ኣሎኹ” (እንግሊዝኛ): ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ፧ (እንግሊዝኛ): እቲ ንዘለኣለም ዝነብር መለኮታዊ ስም (እንግሊዝኛ): እታ ገነት እተመጽእ መንግስቲ (እንግሊዝኛ): ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይከ ክትረኽቦ ምኸኣልካ፧ (እንግሊዝኛ) ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ኸሎ (እንግሊዝኛ)። መስከረም:- ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ክንጥቀመላ ኢና: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከኣ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። ጥቅምቲ:- ናይ ንቕሑ! ወይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባ። ቅዳሓት ናይተን መጽሔታት ንምዕዳል ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። መተሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ናይ ወፈራ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።
◼ ዝዀነ ኣስፋሒ ናቱ ምዝገባ ወይ ናይ ግዱሳት ሰባት ምዝገባ ብዝምልከት ሽግር እንተድኣ ኣጋጢምዎ ነቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ክነግር ኣለዎ: ንሱውን ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከፍልጣ ኢዩ። ከመይሲ ከምዚ ዓይነት ርክብ ቅዳሕ ናይቲ ቀንዲ ናይ ምዝገባ ትኬት ምስቲ ደብዳቤ ከተሓሕዞ ወይ ድማ እንተ ወሓደ ነቲ ስም: ኣድራሻ: ዕለት: ቋንቋ: ኣየናይ መጽሔት ምዃኑ ከምኡውን ናይ ምዝገባ ግዜ ክህብ ካልኣይ ግዜ ንኽጽሕፍ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። እቲ ምዝገባ ናብ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምልኣኽኩም ዝዀነ ሕቶ ቅድሚ ምቕራብኩም እንተ ወሓደ በጃኹም ሰለስተ ወርሒ ተጸበዩ።
◼ ኣብ ከባቢ ናይዚ ግዜ እዚ ዓመታዊ ናይ ጉባኤ ቅጥዕታት ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ይለኣኽ ኢዩ። እቲ እተመዝገበ ድምር ካብ ናይ ጉባኤታት ገንዘብ (ናይ ጽሑፋት ገንዘብ ዘይኰነ) ብቕልጡፍ ክለኣኽ ኣለዎ። ተወሳኺ ቅጥዕታት እንተድኣ ኣድልዩ: እዚ በቲ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት S-14 ገይርካ ክሕተት ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ነዞም ቅጥዕታት እዚኣቶም ብግቡእ ምኽዛኖምን ናብቶም ዝጥቀሙሎም እተፈላለዩ ኣሕዋት ምዝርጋሖምን ክግደስ ኣለዎ።
◼ ኵሎም ጽሓፍቲ ነቲ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ንዅሎም ኣካል ሽማግለታት እተላእከ ናይ 15 ግንቦት 1989 ደብዳቤ ኣብ ፋይል ምህላዉ ከረጋግጹ ንሓትት። ቅዳሕ ኣብ ፋይል ዘየለ እንተድኣ ኰይኑ: ኣብ ግዜ መርዓ ስርዓት ዘለዎ ምትዕርራይ ክስዓብ ከም ዝኽእል ምእንቲ ክረጋገጽ: በጃኹም ካብ ማሕበር ቅዳሕ ሕተቱ።
◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን:-
“መንግስትኻ ትምጻእ” —ኣምሓርኛ
ናብታ ሓዳስ ዓለም ምድሓን —ኣምሓርኛ
ትራክትታት:- T-15፣ T-19፣ T-20፣ T-21 —ትግርኛ